2015-03-10 17:22:00

አብ ምስሪ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ካፍር ኤል ዳዋር ብዕጡቃት ከም ዝተጠቅዔ


አብ ምስሪ ብፍራንቸስካውያን ዝተመስረተን ንቅድስቲ ድንግልማርያም ዝተዋህበ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ካፍር ኤል ዳዋር ብዕጡቃት ከም ዝተጠቅዔን ነቲ መካነ አምልኾ ዝሕልዉ ዝነበሩ ክልተ ፖሊስ ከም ዝቆሰሉን አብ ወደብ አለክሳንድርያ ናይ ሥርዓተ ላቲን ሐዋርያዊ መስተናብር ንብፁዕ አቡነ እደል ዛኪ ጠቂሱ ፊደስ አገልግሎት ዜና አመልኪቱ፣ 

ንብጹዕ አቡነ አደል ዛኪ ብምጥቃስ እቲ ዚኧና አገልግሎት ከም ዘመልከቶ እቶም ብመኪና ንግሆ ነቲ ቤተ ክርስትያን ዘጥቅዑ ሰባት አብ ምስሪ ምርግጋእ ከም ዘይሎ ንምምሳልን አብ ልዕሊ አመንቲ ክርስትና ፍርሒ ንምፍጣርን ብምሕሳብ ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ከይኮነ አይተርፍን፣ 

ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም አብ ሻርም ኤል ሼክ ሐገዝ ንምስሪ ዘተኮረን ኤኮኖምያዊ ወፍርፍን ሀገራት ሐቆፍ መጋባእያ ከም ዚከየድን ነዚ ንምትዕንቃፍ ዓላማ ዘለዎ መጥቃዕቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ክአ አባ አደል ዛኪ ከም ዘምለከቱ እቲ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ፣ 

ከተማ ካፍር ኤል ዳዋር ካብ ወደብ አለክሳንድርያ 20 ኪሎሜትር ርሒቃ አብ ክሊ ደልታ ናይል ትርከብ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.