2015-03-21 19:00:00

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ፖምፐይ፤ መቝጸርያ መጋበሪ ሰላምን ምሕረትን!


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብ ጥንታዊት ከተማ ፖምፐይን ናፖልን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ንግሆ በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ካብ ከተማ ቫቲካን ነቂሎም ድሕሪ ናይ ሰዓት ጉዕዞ ሰዓት ሾመንተ ንክኸውን ቍሩብ ደቃይቅ ምስ ተረፎ አብ መካነ ንግደት ናይ ፖምፐይ ዓሊቦም፣ ብዙኃት ምእመናን ከባብን ነጋድያንን ብ ዓቢ ዓጀብ ተቀቢሎሞም፣ አብታ ብዘጥቀ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሮዛርዮም እትፍለጥ መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ምስ ኩሎም ብጸጥታ ብግሊ ምስ ጸለዩ ብሓባር ምስቶም ነጋድያን ከአ ብብፁዕ ባርቶሎ ሎንጎ ብ1883 ዝተደርሰት ጸሎት ደጊሞም፤

“ኦ ናይ ጥቀ ቅዱስ ሮዛርዮም ድንግል ማርያም አደ መድኃኒ ናይ ዓለምና እንክንስኺ ናብ ል ዕሊ ሰማያት ዝተለዓልኪ ትሕቲ አገልጋሊት አምላኽ ንግሥቲ ዓለም እትሰየምኪ ካብዚ ከቢብና ዘሎ ጸበባ ናባኺ ንምሕጸን አሎና፣ ብተአማንነት ውሉድኪ ነቲ ጥዑምን ዘንጸባርቅን ገጽታኺ ንጥምት አሎና፣ ብ12 ከዋኽብቲ ዝተሸለምኪ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመላእኪ ነቲ ተስፋና ዝኾነን እንኮ ተስፋ ዓለም ዝኾነን መለኮታዊ ሕጻን ኢየሱስ ዝሃብክና ናብ ምሥጢር እግዚአብሔር አቦ ከም እተብጽሕና ንአምን፣” እንክብሉ ነዊሕ ጸሎት ምስ አዕረጉ ነቶም አብቲ ቅርዓት ተአኪቦም ዝነበሩ ሕዝቢ፤ መብዛሕቶኦም ምሉእ ለይቲ ክጽልዩ አብኡ ዝሓደሩ ኢዮም፤ ከምዚ ክብሉ ናይ ምስጋና ቃል አቅረቡ፣

“ንዘቅረብኩምለይ ምውቅ አቀባብላ ደጋጊመ አመስግን፣ ንኩልና ነአኹም ነአይን ንኩሉ ዓለምን  ንክትባርኸና ንእኖና ድንግል ማርያም ብኃባር ጸሊና፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ተድልየና ኢያ ከመይ ትሕልወና ዘድልየና ጸጋ ካብ ወዳ ተማልደልና ወዘተ ምእንታይ ምጽላይ አይትረስዑ እንክብሉ ኩሎም ሓቢሮም ሰላም ነአኺ ኦ ማርያም ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ፣ ሐዋርያው ጕዕዞኦም ንናፖሎ ብምቅጻል እስካምፕያ አብ ዝበሃል ዞና ናፖሊ ብምብራር አብ አደባባይ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበሃል ዓቢ ቅር ዓት ብ አሽሓት ዚቍጸሩ ም እመናንን ነጋድያንን ዓበይቲ ዓድን ውሉደ ክህነትን ድሙቅ አቀባብላ ገሮምሎም፣ ነታ ብብልሽውናን ዓመጽን ዕጸ ፋርስን ካሞራ ዚበሃል ጨንፈር ማፍያን ትሳቀ ዘላ ናፖሊ ግዜ ንስሓን ለውጥን ብምዃኑ ነቲ ጪእ ዝኾነ ብልሽውና አርሒቆም እቲ ዝግበር ምዝመዛ ሠራሕተኛታትን ካልእ ዓመጽን ከውግዱ ሓደራ ቢሎም፣ ብድሕሪዚ አብቲ ተሸላሊሙ ዝጽበዮም ዝነበረ አደባባይ ፕለሺቢቶ ብምምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ እንክሳተፍ ቅዱስነቶም አባ ስብከቶም “ናፖሊ ሎሚ ዕለታ ኢዩ፣ ተነሥሑ” እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንሕዝቢ ዝብዝብዙ ዘሳቅ ዩን ዘለው ምናዳ ከአ ብካሞራ ዝፍለጥ ክፍሊ ማፍያ “ከም ሓውኹም እልምነኩም እምሕጸነኩም ናብ ጐይታ ተመለሱ ገና ጊዜ አሎኩም እግዚአብሔር መሓሪ ኢዩ ኢየሱስ ክሓቍፈኩም ክስ ዕመኩም ክምሕረኩም ይጽበየኩም አሎ፣ በጃኹም ተመለሱ ተጣዓሱ ተነስሑ ከም ሓውኹም እልምነኩም አሎኹ” እንክብሉ ልቢ ዝትንክፍ ስብከት አቅሪቦም፣

ድሕሪ ቅዳሴ አብ ገዛ ቺርኮንዳሪአለ ጁሰፐ ሳልቪአ ዝበሃል አብ ፖጅዮረያለ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ወከልቲ እሱራር ተመሲሖም፣ ሰዓት ሰለስተ ምስ ኮነ አብቲ ውሩይ ቅዱስ ናፖሊ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ጀናሮ ቅዱስ ቅርያት በጺሖም ምስ ጸልዩ ምስ ናይቲ ዓዲ ውሉደ ክህነት አብ ድዎሞ ተራኺቦም ቃሎም ሂቦም፣ ካብዚ ብምቅጻል አብ ናይ ኢየሱስ ባዚሊካ ምስ ሕሙማት ተራኺቦም ቃሎምን ሐዋርያዊ ቡራኬኦምን ለጊሶም፣ አብ መወዳእታ ሕጂ እዚ መደብና እናተሓላለፈ እንከሎ ምስ መን እሰያት ተራኺቦም ይዋስኡ አለው፣ ብድሕሪዚ ብናይዚ ዓዲዚ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሽድሽተን ርብ ዕን ብሄሊኮፕተር ካብ ናፖሊ ተላዒሎም ሰዓት ሸውዓተ አብ መንበሮም ክምለሱ ብተስፋ ንጽበ፣

አብ ጥንታዊ መካነ ንግደት ፖምፐይን ከተማ ናፖልን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ ዝገበሩ አር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሣልሳይ እንክኾኑ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕዚ ግን ራብ ዓይ ኢዩ፣ ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ21 ጥቅምቲ 1979 ዓምፈ ከም ኡውን ብ7 ጥቅምቲ 2003 ዓምፈ ናብ ክል ቲኡ ቦታታት ዝበጽሑ እንክኸውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ብ19 ጥቅምቲ 2008 ዓምፈ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ዚዝከር ኢዩ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.