2015-03-21 16:17:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓት ሊጡርጊያ መርሃ ግብሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09,30 ዑደት ሆሳዕናን ንበዓለ ሆሳዕና ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክመርሑ ከምዝኾኑ ምስ እዚ በዓል ተተሓሒዙ

ድማ ከምቲ ልሙድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እዚ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት “ልበ ንጹሓን ንኣምላኽ ክርእዩ እያቶም እሞ ብጹዓን እያቶም” (ማቴ. 5.8) ብዝብል ቃለ ወንጌል ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፣ ዕለት 2 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት 09.30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ምኽንያት ናይ ቅብኣት ስርዓት ቅዳሴን ክሰርዑን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ረቢቢያ ከይዶም ድማ ስርዓት ሕጽበተ እግር ክፍጽሙን ዕለት 3 ሚያዝያ ዓርቢ ስቕለት ድማ ሰዓት 05 ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስርዓተ ጸሎት ዓርቢ ስቕለት ክመርሑን ናይ ምሸት ሰዓት 09 ከምቲ ልሙድ ኣብ ኮሎሶዮ ፍኖተ መስቀል ክመርሑ ከምዝኾኑን ዕለት 4 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ናይ ምሸት ሰዓት 08.30 ዋዜማ በዓለ ትንሳኤ ክመርሑን ዕለት 4 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10.15 ናይ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ፍርቂ መዓልቲ ቡራኬ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ቡራኬ ንከተማ ሮማን ንመላእ ሃገራት ዓለምን ክህቡ ከምዝኾኑ ናይ ቤተ ጳጳስ በዓላት ጉዳይ ሓልዮ ዘውውጽኦ መግልጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.