2015-03-21 17:53:00

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አባላት ጸረ መቅጻዕቲ ሞት ዝቆመ ሀገራት ሐቆፍ ኮሚስዮን ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አባላት ጸረ መቅጻዕቲ ሞት ዝቆመ ሀገራት ሐቆፍ ኮሚስዮን ተቀቢሎም አዘራሪቦም ። ሕይወት ሰብ ዝተቀደሰን ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ጸጋ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ሕይወት ሰብ ብምጥፋእ ፍትሒ ከም ዘይርከብን ነቲ አባላት ኮምስዮን ጸረ መቅጻዕቲ ሞት ከም ዝገለጹሎም ነቲ ርክብ ዝተኸታተለ ምንጪ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ ።ዓለም ካብ ብሞት ምቅጻዕ  ነፃ ክትከውን ከም ዝግባእን  ሕይወት ሰብ ምጥፋእ ክስራ እንተዘይኮኑ ካልእ  ዘስዕቦ ምምሕያሽ ከም ዘዘየልቦን  ክአ  አገንዚቦም።

መቅጻዕቲ ሞት ዝግብኦ ዝኾነ ይኹን ገበን ክህሉ ከም ዘይክእልን ትርፉ ኢ ሰብአዊ ጭካኔ ውድቀት ጥራሕ ከም ዘኸትል ክአ ከም ዝገለጹ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።

አብ መላእ ዓለም ብሞት ምቅጻዕ ክግታእ ክተርፍ ክውገድ ዝጽዕሩ ተቅዋማት ኩሎም ክምስገኑ ከም ዝግብእን ሕይወት ሰብ ብምጥፋእ ዝመጽእ ወይ ክአ ክርከብ ዝኽእል ነገር ክህሉ ከም ዘይክእል ጠቂሰኦም ንአባላት ሀገራት ሐቆፍ ኮሚስዮን ጸረ መቅጻዕቲ ሞት ወዲሶም አመስጊኖሞም ብማለት እቲ ነቲ ርክብ ዝተኸታተለ ምንጪ ዜና ቫቲካን አፍሊጡ።

ንተኸተልቲ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ዝተቀደሰን ፍጥረት ሰብ እግዚአብሒር ብአምሳሉ ዝፈጠሮን ስለ ዝኾነ ብሞት ምቅጻዕ ፍጹም ተቀባልነት ዘይብሉ ከም ዝኾነ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ ተነጊሩ። ንቅዱስ አምብሮጅዮ ጠቂሶም እግዚአብሔር ንቃኤልሕይወት ሐዉ ስለ ዘሕለፈ ብሞት ክቀጽዖ ከም ዘደለየን  በቲ ዝፈጽሞ ገበን ክጽጸት ከም ዝደለየ ገበን ዝፈጸመ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር  ሰብአዊ ክብሩ ዝተሐለወ ከም ዝኾነ  ምርዳእ ይክአል ብማለት  ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ከም  ዘገንዝቡ  ተፈሊጡ አሎ ።መለኮታዊ ምሕረት አገባብ  ፍትሒ መንገዲ ፍትሒ መንገዲ ምጽውዋርን  ሰላምን ከም ዝኾነ  አመሊኪቶም ክአ ብሞት ምቅጻዕ   ማለት ክቡርን ቅዱስን ሕይወት ሰብ  ምጥፋእ ስለ ዝኾነ እዚ ብኡነት ከግታእ ዘለዎ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክብርን ግርማን ሰብ ክኽበር ገበን ብጸጸትን ቀሊል መቅጻዕትን ድአምበር  ሕይወት ሰብ ክስለብ ከም ዘይብሉ ክአ ገሊጾም።አብዛ ዓለም”ዚአ  ብዙሕ ዘሕዝን ነገር ይርኤ ይስማዕ ከም ዘሎ ጠቂሶም ክአ  አብ ሃይማኖት ተመርኲሶም  አኽረርቲ አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽምዎ ናይ ምቅታል ገበን ኢሰብአውነትን አዝዩ ዘሕዝን ጸረ ሰላም ጸረ ምዕባሌ  ከም ዝኾነ  አገንዝቢቦም። ካብ ሕይወት ሰብ ንኸንቱ ክጠፍእ ምርአይ ዝኸፍእን ዘሕዝንን ነገር ክህሉ ከም ዘይክአል እግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥትሮ እንከሎ ነንሐድሕዱክዋዳእ ኢሉ ከም ዘይፈጠሮ  አመልኪቶም ክአ ወዲ ሰብ ጨካን ከም ምዝኾነ  ከም ዘመልከቱ   ተገሊጹ።

እኩይ ብሰናይ ነገር ክትክእ ህውከትን ግጭትን ተገቲኡ ሰላም ክሰፍን ናይ ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ተግባር ክኸውን ከም ዝግባእ ከም ዘተሐሳሰቡ ተነጊሩ።

አብዚ እዋን”ዚ አብ ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ዚካየድ ዘሎ ምስዳድ ጠንቂ ሰላም ጸረ ሰብአዊነት ጸረ ክብርን ግርማን ሰብ ከም ዝኾነን አዝዩ ከም ዘሕዝንን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.