2015-03-24 17:48:00

ምሕረት አልቦ ፍትሒ የልቦን ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ


 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ወትሩ ንግሆ አብ ቅድስቲ ማርታ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉ ክፍለጥ እንከሎ ትማሊ ንግሆ ብርክት ዝበሉ አባላት ተቅዋማት ቅድስቲ መንበር ውሉደ ክህነትን ምእመናንን  አብ ዝተረኽብሉ  መስዋዕተ ቅዳሴ  አዕሪጎም። መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ  አብ ዘስምዕዎ ስብከት ምሕረተ  እግዚአብሔር አልቦ ፍትሒ ከም ዘይሎ ጠቂሶም አብዚ ግዜ”ዚ ህዝበ እግዚአብሔር ብምሕረተ እግዚአብሔር አልቦ ብዝውሀብ ፍርዲ ይሳቀ ከም ዘሎ  አገንዚቦም።

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ሰለስተ አንስትን ሰለስተ ፈራዶን  ጠቂሶም ክአ  ሐንቲ ንጽህቲ ሐንቲ  ሐጢአተኛ  ሐንቲ ክአ ድኻን  ሰብአያ ዝሞታን ከም ዝነበራ አመልኪቶም ገገሊኦም አቦታት ቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያን ከም ዘመሳሰልወን  አዘኻኺሮም ፡ ሐንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን  እታ ሐንቲ ሐጢአተኛ ቤተ ክርስትያን እታ ሳልስይቲ ክአ ድኻ ቤተ ክርስትያን ብማለት ከም ዝተርጎምዎ አመልኪቶም ።

እቶም  ሰለስተ ፈራዶ ክፉአትን ምግባረ ብልሹዋተን ከም ዝኾኑ  አመልኪቶም ክአ  ፈሪሳውያን  ነታ ዘማዊት  ሰበይቲ ናብ  ኢየሱስ ክርስቶስ  ከም ዘምጽእዋን  ዝነቀጸ ልቢ ከም ምዝነበሮምን  ንሳቶም ግን በቲ ንሳቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕጊ ንጹሀት  ኮይኑ ይስምዖም ከም ዝነበረን  ጠቂሶም ፡ ምግባረ ብልሹዋት ከም ዝነበሩን አመልኪቶም ክአጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ግብዛትን ድርብ ሕይወት ዘሕልፉን ኢሉ ከም ዝወቀሶም  ሰቢኾም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  አብቲ አብ ቅድስቲ ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት  አተሐሒዞም እምብአር ከስ እቶም ንቤተ ክርስትያን  ዝወቅሱ ግብዛትን ድርብ ሕይወት ዘለዎምን ከም ዝኾኑ ገሊጾም።ብዙሕ ግዜ ህዝበ እግዚአብሔር ምሕረተ እግዚአብሔር ከም ዘይረክብ ጠቂሶም እቶም ክልተ ፈራዶ  ሐጢአት ዘይብላ ሱዛና ገበነይና ከም ዝኾነት ክፈርድዋ ከም ዝጽዓሩን ንሳ ግን  ከም ዝተጻወረትን ዘኪሮም ክአ  ክፉአት ከም ዝነበሩ ክንዕዘብ ንኽእል ኢሎም።ነታ ሰብአያ ዝሞታን ድኻን ሰበይትን እቶም ምሕረተ እግዚአብሔር ዘይተሰቅሮም  ፈራዶ በቲ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕጊ ገበን ዘይብላ ከላ ከም ዝፈረድዋ አዝኻኺሮም።ምግባረ ብልሽውና ካብ ምሕረት ዘርሕቅ ህብዝና ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅዱስ መጽሐፍ ከም ዝነበረናን ዝምህረናን አብ  ምሕረት ትኽኽለኛ ፍርዲ ይርከብ ።አብ ቅዱስ መጽሐፍ ሰናይን ጥዑምን  ሰላማውን ዝኾነ ዓረፍተ ነገር ንዓይ ናይ ብሕቂ ዝስሕበኒ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝፈጸምካዮ  ሐጥአት  ተጸጸት ይብል እምበር  ኰኒነካ አለኹ ዘይብል ብምኳኑ ።

 ስለዚ እግዚአብሔር  ነቲ ብአምሳሉ ዝፈጠሮ  ፍጥረት ሰብ ክጠፍእ ስለ ዘይደለዮ ተሳቅዩ ሕይወቱ አሕሊፉ ብምሃብ  ካብ ሐጢአቱ አናጊፍዎ ክምሕሮ ስለ ዘደለየን መሐሪ ስለ ዝኾነን ኢዩ ንሕና ህዝበ ክርስትያን ክአ ንዝበድሉና ክንምሕር ንብጻይና ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍቀረና ከነፍቅር አብነቱ ክንክተል ይግብአና ።ምሕረት አልቦ ፍትሒ አልቦ ኢዩ  ምሕረት እግዚአብሔር  ልዕሊ ፍትሒ ከም ዝኾነ ተገንዚብና ካብ ግብብዝነት ርሒቅና ብቃል ዘይኮነ ብግብሪ  ክርስትይናዊ ተግባር ክንሰርሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽውዓና  ዝሰማዕናዮ አብ ልብና የሕደረለና  አቦና አብ ሰማይ ትነብር ደጊሞም  ክአ ስብከቶም ዛዚሞም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.