2015-03-24 16:54:00

በቲ ክሳዕ ሎሚ ዝተኻየደ ምሕደራ ህዝቢ ናይጀርያ ከም ዝደኸመ ብጹዕ ካርዲናል ኦናየካን አመልኪቶም


አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ ትርከብን ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበየት ናይጀርያ ምሕደራ ፖሊትካአ ክትልውጥ በቲ ክሳዕ ሎሚ ዝተኻየደ ምሕደራ ህዝቢ ናይጀርያ ከም ዝደኸመን ዝሰልቸዎን ምልክት ናይ ተስፋ ምቝራጽ የርኢ ከም ዘሎን እዚ ክኸውን ከም ዘይብሉ ናይ ርእሰ ከተማ አቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጆን ኦናየካን ጻዋዒት ከም ዘቅረቡ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።

ሰሜናዊ ናይጀርያ በቲ ቦኮ ሐራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዕራባዊ ባህልን ትምህርትን ይቃወም አለኹ ዝብል አስልማዊ አኽራሪ ጉጅለ  ተሀዊኹ ከም ዘሎን ነዚ ጉጅለ”ዚ ንምምካት  ብርእሰ ናይጀርያ  ጫድ ካመሩንን ኒጀርን  ግንባር ከም ዝፈጠሩ ይፍለጥ።

ዝመጽ ዘሎ ቀዳም 28 መጋቢት አብታ ሀገር ፕረሲደንታዊ ምርጫ ከካየድ መደብ ከም ዘሎክፍለጥ እንከሎ ብጹዕ ካርዲናል ጆን እናየካን ህዝቢ ሐድነት ሀገር ዓቂቡ አብታ ሀገር ሰላም ከስፍን ኤኮኖሚ ከማዕብል ፕሮግራም  ዘለዎ ሰልፊ ፖሊቲካ  ክመርጽ ከም ዝተሐሳሰቡ ካብ አቡጃ ዝመጸ ዜና  አመልኪቱ።

አብዚ ዝመጽእ ዘሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ዝሳተፋ ሰልፊ ፖሊቲካ ዝተዓወተ ይትዓወት ግን ንአገልግሎት ህዝቢ ዝቆመ ጽርይ ምሕደራ ከም ዘድሊ ክአ ብጹዕ ካርዲናሉ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ።

እቲ ቀዳም ዚካየድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሰላማውን ፍትሕውን ዲሞክራስያውን ነጻን ምርጫ ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎ ጥቂሶም ክአ ምእመናን ምእንቲ”ዚ ክዉን ክኸውን  ክጽልዩ  ከም ዝሐተቱ ይምልከት።








All the contents on this site are copyrighted ©.