2015-03-26 15:46:00

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ናብ ከተማ ቶሪኖ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 22 ሰነ 2015 ዓ.ም.  እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 24 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንምርኢት መንፈሳዊ ንገደት ዝቐርብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መግነዝ ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳስን ናይ ቅዱስ መግነዝ ጳጳሳዊ በዓል ሕድሪ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ዕለት 25 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እዚ መደብ ሓውጾተ ኖልዎን ንምርኢት መፈሳዊ ንግደት ቅዱስ መግነዝ እቲ መበል ክልተ ሚኢቲ ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ በዓል ኣብ ዝዝኸረሉ እዋን ዝፍጸም ብምዃኑ እቲ ንምርኢት መንፈሳዊ ንግደት ቅዱስ መግነዝ ንመንእሰያትን ንህሙማንን ዝተወከለ ከኸውን ከምእተወሰነ ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 21 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቶሪኖ ምስ ማሕበር ሰራሕተይናታት ብምርኻብ እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ክጅምሩን ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ጸሎት ንኸዕርጉ ኣብ ካቴድራል ክርከቡን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝርከቡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታትን፣ ምስ ስደተይናታትን ግዳም ሓደር ዜጋታትን ህሙምንን ኣካለ ስንኩላንን ክራኸቡን ኣብ ኣደባባይ ቪቶሪዮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብ ቅዱስ ስፍራ መጸናንዒት እኖ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕ እውን ኣብ ቶሪኖ ምስ ዝርከብ ማሕበረሰብ ምእመናን ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ቫልደዝ ክራኸቡን ቤተ ክርስቲያን ቫልደዝ ክበጽሑን ዕለት 22 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንጐሆ ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡን እዞም ኣባላት ስድራ ቤቶም ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ቶሪኖ ቤተ ጳጳሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ከዕርጉን ብሓባር ኣብ ናይ ምሳሕ መኣዲ ክሳተፉን ከምዝዀኑ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 24 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝቐርብ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ  እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ዝተሰምየ ከምዝኾነን፣ ኩሉ ነቲ ቅዱስ መግነዝ ብቐረባ ብምርኣይን ብምጽላይን ስቓይ ጐይታን ምእንቲ ድሕነትና ዝኸፈሎ መስዋዕትን ከስተንትንን እዚ ድሕነት’ዚ ድማ ቀጻሊ ምዃኑ ከስተውዕል ዝድግፍ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣስዒቦም ብዙሓት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳዊ ነገዶ ክርከቡ ከምዝዀኑን፣ እዚ መንፈሳዊ ንግደት ናብ ሓደ ቅዱስ ስፍራን ናይ ቅዱሳት ሰማዕታት ቅዱስ ቅርያት ናብ ዝተነብረሉ ስፍራ ዝፍጸም ዓይነት ንድገት ዘይኰነስ ናብቲ ናይ ድሕነት ምንጪ ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፍጸምን ናብ ገዛእ ርእስና ውሽጢ ንምእታው ዝፍጸም መንፈሳዊ ንገደት ከምዝዀነን ነቲ ምስ ድሕነትናን ምስቲ ዘድሓነና ስቓይ ፊት ንፊት እንራኸበሉን ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ ልዑልነቱን ፍጹምነቱን ንምስትንታን እዩ ስለዚ ንምልዋጥን ሕዳሴን ዝፍጸም እዩ ኢሎም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ እግዚኣብሔር ነዚ ናይ መንእሰያት ቅዱስ ስለ ዝሃበና ከነመስግኖን ምስ’ዚ በዓል’ዚ ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ድማ እቲ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ኣብ መንእሰያት ከተኵር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ሓቢሮም ክጽልዩን ካብ መንእሰያት ንዝቐርበሎም ሕቶ ምልሲ ብምሃብ ምስ መንእሰያት ክዝትእዩ ኢዮም። እቲ ምርኢት ቅዱስ መንግነዝ ህሙማን ዘማእከለ እውን እዩ። ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕነትና ኢዩ። ሰብኣዊ ስቓይን ሕማምን ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ሱታፌ ከምዝዀነ ዝስትንተነሉ እዋን እዩ። እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ስቓይ ምስ ኣብ ዘተዓረቐና ብምዃኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመርሕዎ ናይ ምስጢረ ንስሓ ምእንቲ ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይን ስርዓተ ኑዛዜ ክመርሑ እዮም። ምእመናንን መንፍሳዊ ነጋዶን ዕለት 21 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ዘንብርዎ ምጽዋት ንናይ ቅዱስ ኣቦና ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውዕል ምዃኑ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.