2015-03-26 15:39:00

ቅ.ኣ.ሊ.ጳ.፦ ምእንቲ ውሕስነት ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምቅላስ


ዕለት 24 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ምኽንያት ብዙሓት ትካላት ናብ ክስራ ከንቆልቁላ ብምድራኽ ናይ ሰራሕተይና መሰልን ክብርን ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዓሉ እዋን ዘሎ ኩነት ሰራሕተይናታት ዝምስክሩ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝግመቱ ካብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ቪቦ ቫለንቲ ዝመጹ ብስእነት ስራሕ ቅልውላው ዝተጠቕዑ ጠቒሶም፦

“ሰብኣውነት ዘየማእክል ኣብ ስነ መጐት መኽሰብ ዝቐውም ኤኰኖሚ ኣይፋል ክንብልን፣ ኣብ ስነ መጐት ፍትሕን ምትሕብባርን ዝቐውም ኤኰኖሚ ክረጋገጽን ጻውዒት አቕርብ። ናይ ስራሕ ኤኰኖሚ ከማዕደዎ ዝግብኦ ሰብኣውን መሰልን ክብርን ሰብን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ስራሕ ናይ ፍትሒ ሕቶ እንብሎ። ስራሕ ዘይምርካብ ኢፍትሓውነት እዩ። ፍረ ጻማ ርሓጽ ብዘይምርካብ፣ ዕለታዊ እንጌራ ካብ ምርካብ ክትግለል እንከለኻ ክብርኻ ይሓስር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ይሰፍሕ ኣሎ፣ ብፍላይ ድማ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ መንእሰያት ትጽቢት ዘይብሎም ኰይኖም ዝተርፉ ብቐሊሉ ንዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት መጻወጺያ ምርኰ ንኽዀኑ የቃልዕ ኣሎ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ስራሕ ናይ ምርካብ ፍትሒ ማለት ምእንቲ ንንናይ ፍትሓዊ ስራሕ ኩሉ ክነቕሕን ምእንቲ ስርሕ ናይ ምርካብ መሰሉን ክብሩን ክቃለስ የተሓሳስቡ።

ኣብ ጐድኒ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ካብ ስራሕ ምስ ዝስጐጉ ኰይኖም ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ክረጋገጽ ምስ ስራሕተይናታት ደው ዝበሉ ኣብ ኢጣሊይ ናይ ኣሚለቶ ኒኮተራን ትሮፐኣ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ነቶም ክልተ ሚእቲ ዝግመቱ ንስእነት ስራስሕ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሰራሕተይናታት መሪሖን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ረንዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ናይቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ካብ ስራሕ ንናይ ምስጓግ ሓደጋ ዝተቓልዑ ኣብ ሰበኻኦም ዝርከቡ ዜጋታት ንቕዱስ ኣቦና ነኸብጽሑሎም ዘጸሓፍዎ ደብዳቤ ንኸረክቡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መጺኦም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብዝተፈላለየ ሓደጋ ምኽንያት ዝሳቐ ዜጋ ስቓይ ናይ ገዛእ ርእሶም ገይሮም ናይ ጸሎቶም ሓሳብ እውን ገይሮም ፍትሕን ምትሕብባርን ክረጋገጽ ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ድምጺ ኰይኖም ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ምዕዳንን ብሓቂ ተስፋ ዘነቓቕሕ እዩ። ብዙሓት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኰኖሚ ዕለታዊ መነባብሮኦም ንሓደጋ ዝተቓልዐን ኣብ ከቢድ ሽግር ዝወደቑን ዜጋታት ቅዱስ ኣቦናን ቤተ ክርስቲያንን ምእንታኦም ዝቖመት ብምዃና እዚ ድማ ንኣዓቶም ዓቢይ ተስፋ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.