2015-03-26 15:51:00

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Evangelium Vitae-ወንጌላዊ ሕይወት”


ጳጳሳዊ ናይ ሕሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ማሪ ማተ ሙሲቪ ሙፐንዳዋቱ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “Evangelium Vitae-ወንጌላዊ ሕይወት”  ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፦ “ቤተ ክርስቲያን ጥንትን ሎምን ቀጻልን ንኽብሪ ሰብኣዊ ሕይወት ከምእትኸላኸልን ናይ ሕይወት ባህሊ ከምእተነቓቕሕን ሕይወት ብብርሃን ወንጌል ዝተመርሐ ምክልኻል እተበስን ሕሊና ኣብዚ መዳይ ተበራብር ምዃና ዝምስክር እዩ”  ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።

እዚ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት “Evangelium Vitae-ወንጌላዊ ሕይወት” ምስ ዓመታዊ በዓል ትስብእቱ፣ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኣደ ወልድ እግዚኣብሔር ክትኸውን ባዕሉ እግዚኣብሔር ከምዝሓረያ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ እተብዕለሉ ዕለት ዝተሓሓዘ ብምዃኑ ድማ ዘኪሮም ምእንቲ’ዚ ዕለት 24 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ብምኽንያት ዋዜማ በዓል ትስብእቱ ኣብ ሕይወት ዘማእከለ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርሃ ግብሪ ከምእተፈጸመ እውን ክምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራጎስታ ኣስዒበን፣ ብፁዕ ኣቡነ ሙፐንዳዋቱ ኣብ እዋናውነት ዓዋዲት መልእእኽቲ ወንጌላዊ ሕይወት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም እቲ ፈጺሙ ብማንም ክገሃስ ዘይብሉን ዘይሕከኽን ሓቅነት ክብሪ ሰብኣዊ ሕይወት ብምግላጽ፣ ሕይወት ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ከምዝዀነን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ሓላፍነት እውን ምዃኑን ሕይወት ጸጋ እግዚኣብሔር ክነሱ ኣብ ሕይወት ሱታፌ ሰብ እተስተምህር ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘጉልሕ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ኣለዎ እናበለት ብዝተፈላለየ ኩርናዕ ስነ ምርምር እናዳህሰሰት ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ከምእተመሓላልፍ ተንቲኖም ምክልኻል ሕይወት ምክልኻል ሰብኣውነት እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ጽንሲ ምንጻልን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ፦ እዚ ዓይነት ኣብ ወንጌላዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ተምልኪቱ ዘሎ ናይ ሞት ባህሊ ጸረ ናይ ሕይወት ባህልን ኣተሓሳስባን ተግባርን ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ነቲ ምጉሓፍን ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጸረ ሕይወት ዝዀነ ባህሊ ዘስምዕ እዩ። እዚ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥንታውን ቀጻልን ዝዀነ ትምህርቲ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝምስክር ክኸውን እንከሎ፣ ነዚ ናይ ሕይወት ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ዘየኽብር ባህሊ ንሕይወት ክቆጻጻርን ወናኒ ሕይወት ክኸውንን ዝደሊ ባህሊ እዩ ዝገልጽ፣ ጽንሲ ምንጻልን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ኣመለኻኽታ ሕይወት ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝኽሕድ ሰብ ወናኒ ሕይወት እዩ ዝብል ባህሊ ከምዝዀነ ብፁዕ ኣቡነ ሙፐንዳዋቱ ከምዝገለጹ ራጎስታ ሓቢረን።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ግብረ ገብ ኣወሃሃድን ጳጳሳዊ ናይ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ቤት ምኽሪ ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ማውሮ ኮዞሊ፦ ወንጌላዊ ሕይወት ዓዋዲ መልኽቲ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳይ ዓቢይ ለወጢ ክረጋገጽ ዘተባብዔ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ኣንፈት ሕይወት ቢልካ ዝግለጽ እዩ። ማዕረ ማዕረ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዓለማዊ ባህሊ ብዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ጉጉይ ትርጉም ናጽነት ዝተመስረተ ዝነዝሖ ናይ ሞት ባህሊ ይሰፍሕ ከምዘሎ እንክትንትኑ፣ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ሲሞን ቫዝከዝ ብወገኖም፣ ፍቕሪ ቤተሰብ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ስድራ ቤት ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንኰ     ን ዘይደጋገምን ፍሉይን ምዃኑ ይምስክር፣ ኣብዚ ዓይነት ክብሪ ዝቖመ ስድራ ቤት ውህደት የቕውም እዚ ውህደት’ዚ ድማ ስድራ የብል፣ ነዚ መለለዪ ንፍሲ ወከፍ ሰብ ዝነጽግ ባህሊ ጸረ ስድራ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ሞት ባህሊ እዩ ዝወልድ። እቲ ስድራ ቤት ዘቕውም ፍቕር ብምስጢረ ተኺሊን ከምኡ ድማ ብናይ ሕይወት ባህልን መሰረት ዝግለጽ ኽኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ጽባቔን ውህበትን የረጋግጽ እንክብሉ ጳጳሳዊ ናይ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚሞውስኪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ተባዓትን ናይ ሰብኣዊ ሕይወት መሰኻኽር ብምዃን ወንጌላዊ ሕይወት ከነስፍሕ ይግብኣና ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራጎስታ ገሊጸን።       








All the contents on this site are copyrighted ©.