2015-03-28 18:22:00

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ መጋቢት 20 2007 ዓ.ም. (March 29 2015)


 

መዝሙር፡ ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ.  ።  “ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።

ንባባት     ኤፈ 2:4-10፥ 1ዮሓ 4፡1-10፥ ግ.ሓ.5፡34-ፍ፥ ዮሓ 3፡14-21

ምስባክ፡ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ    ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው። “ንልበይ ተዓዘብካዮ ብለይቲ በጻሕካዮ፥      መርሚርካንስ ገለ ክፉእ አይረኸብካን፥ ብአፈይ ከም ካልኦት ሰባት ክፉእ አይዛረብን   እየ” መዝ. 17፡3።

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ኒቆዲሞስ ምሁር ሕጊ ግን ነቲ ኢየሱስ ዘስተምህሮን ዝገብሮን ዝነበረ ብማዕዶ ርእዩ ዝአመነ ኢዩ። ጉዕዞ እምነት ንበይኑ በቲ ዝሰምዖ ዝነበረን ዝርአዮን እዩ ጀሚርዋ፥ ነቲ ዝነበሮ እምነት ከረጋግጽ ኢሉ ኸአ አብ ኢየሱስ ብለይቲ አብ ጽምዋ ክምሃር ክፈልጥ ኢሉ መጺኡ። ”መምህር ብጀካ እቲ አምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተአምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና” በሎ። እዚ ብለይቲ ምምጽኡ፥ መጀመርያ አባል ቤት ምኽሪ አይሁድ ስለ ዝነበረ፥ ዝነበሮ ሓላፍነትን ክብርን ምስ ኢየሱስ ብግሁድ ክራኸብ አየፍቅደሉን ነሩ ስለዚ ብሕቡእ ክረኽቦ ወሲኑ። ካልአይ ንኢየሱስ ብጽምዋ ንበይኑ ዝደለዮ ክዕልል ኢሉ ካብቲ አብ ውሽጡ ዝስምዖ ጸልማት ወጺኡ አብ ብርሃን ክአቱ ስለ ዝደለ ብለይቲ አብ ኢየሱስ መጺኡ። ንኢየሱስ ንበይንኻ ክትረኽቦ ክተዕልሎ ምኽአል ጸጋ ብርሃን እዩ ዝዕድል ምኽንያቱ ንሱ ምንጪ ሕይወትናን ተፈጥሮናን ስለ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ነዚ ጸጋ እዩ አብ ግብሪ ርእይዎ።

አብ ሕይወት ኒቆዲሞስ ብዙሕ ነገራት ኢና እንምሃር፡

አብ ኢየሱስ መጺእካ ምኽአል። ካብ ዘሎናዮ አብ ኢየሱስ ገጽና ክንጉዕዝ ክንክእል አሎና። ግላዊ ውሳኔ የድልየና ነቲ አምላኽ በብዕለቱ ዝገልጸና አለሊና አብኡ ክንምለስ እሞ ምስኡ ክንራኸብ ይግብአና። ነቲ ጎልቢቡ ዝሕዘና ጸልማት ክቕንጠጥ አብ ኢየሱስ ክንቀርብ ይግባእ። ከም እንድርያስ ሓዋርያ ንመድኃኒ ረኺብናዮ ክንብል ክንክእል አሎና።
ንኢየሱስ አብ ጽምዋ ምርካቡ፡ ጫውጫውታ አብ ዝበዝሖ ክንሰምዕ ክነስተውዕል ይኸብደና እዩ ስለዚ ብለይቲ ይኹን ብቀትሪ አብ ጽምዋ ንአምላኽ ክንረክብ ጊዜ ክንውስን አሎና። ነበይነይ ምስ አምላኸይ ክዛረብ እደሊ አሎኹ ኢልና ክንረኽቦ ክንዛረቦ። እዚ እዋን ጾም ፵ ፍሉይ እዋን ጽምዋን ንኢየሱስ ብግልና ክንረኽቦ ዝዕድም ፍሉይ እዋን እዩ። 
ንኢየሱስ ኩሉ ዘጸግመና ገሊጽና ክንክእል አሎና። ዓቕምና አፍልጦና ከምኡ እንነብሮ ዓለምና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክበድ ይፈጥረልና እዩ ስለዚ ሎሚ ነቲ ንአምላኽ ከይንርኢ ከይንቐርብ ከዊሉና ዘሎ ሒዝና ናብ ኢየሱስ ንቕረብ። ንሱ ሓቅን መገድን ሕይወትን ስለ ዝኾነ ክመርሓና ክነግረና እዩ ግን መጀመርያ አብኡ ንቕረብ።
ንሓቂ መስኪርካ ምኽአል። ኒቆዲሞስ አብ ኢየሱስ ሓቂ ርእዩ ስለ ዝኸአለ ብለይቲ አብኡ መጺኡ፥ ዝያዳ ክፈልጥ ዝያዳ አብ ሓቂ ክነብር ስለ ዝደለ። ሓቂ አብ አምላኽ ጥራሕ እያ እትርከብ። ንሓቂ ክትረኽባን ምስ ረኸብካያ ክትዕቅባ ቀሊል አይኮነን። ብዙሓት ሰማዕታት ሕይወቶም ዝሃቡ ንሓቂ ክብሉ እዮም ስለዚ ሓቂ አብ እንደልየሉ እዋን እቲ ጉዕዞ ከቢድ ምዃኑ ፈሊጥና አብ ምንጪ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ ንምጻእ።

ኢየሱስ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ዘምጽኦ ዘሕጉስ ዜናን ምንጪ ናይ ኩሉ ሓጎስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ክገልጽ እንከሎ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዙህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ይብል።

 አብ ድሕነት ክንሳተፍ ብነጻ ይውሃበና አሎ። ክነጽጎ ወይ ወይ ክንቅበሎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ነጻ ውሳኔ እዩ፥ ዝኾነ ተጽዕኖ ወይ ምግዳድ የብሉን። አብዚ ዝውሃብ ዕድለ ክገልጽ እንከሎ “አብኡ ዝአምን ዘበለ ኵሉ ክድኅን እምበር ኩፍረድ ኢሉ አይኮነን” ይብል። አብዚ ጊዜ ጾም እዚ ጸጋ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ “ንዅሉ ዝአምን ዘበለ አምላኽ ጸግኡ ክህብ/ክዕድል ድላዩ እዩ”። እቲ ዘገርም ብዛዕባ እዚ ጸጋ ወላ እኳ ንአምላኽ ክገልጾ ብዘይመጠን ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ይኹን እምበር ንኹልና ብዘይ ሓደ ግብሪ ብነጻ እዩ ዝውህበና። ህያብ አምላኽ ብነጻ ዝተዓደልናዮ ክቡር ዋጋ ዘለኦ እዩ። እምብአር ጉዳይ ድሕነትና ፍረ ከምዘልኦ ክግለጽ ሓደ ነገር የድሊ። ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝተዋህበና ፍሉይ ህያብ አምላኽ እናአመስገና ክንቅበለ። ጊዜ ጾም ፵ ነዚ አፍደገ ድሕነት ይኸፍተልና ስለ ዘሎ ክንቅበሎ ስንድዋት ክንከውን አሎና። አብኡ ክንአምንን ጽቡቕ ሕይወት ክነብር ስንድዋት ክንከውን አሎና።

 ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ” (ዮሓን 3፡19)። አብዚ ቃል ኢየሱስ እንርእዮ ነፍሲወከፍና ካብ መገዲ አምላኽ ከም እንወጽእ  አሚና አብኡ ክንምለስ ጌጋና ክንእመን እሞ አብ ብርሃኑ ክንምለስ እዩ ዘዘኻኽረና ዘሎ።

 ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓደ መዓልቲ ንጉሥ ፍረደሪክ ዳግማይ ናይ ፕራሻ (ጀርመን) አብ በርሊን ቤት ማእሰርቲ ይበጽሕ ነሩ። ብዙሓት ካብቶም እሱራት ነዚ ዕድል ተጠቒሞም እናተደፋፍኡ ጉዳዮም ክርአየሎም አብ እግሩ እናወደቝ ይልምንዎ ነሮም፥ ሓደ እሱር ግን አብ ሓደ ኵርናዕ ኮፍ ኢሉ ነሩ። እዚ ነቲ ዝርኢ ዝነበረ ንጉሥ ገሪምዎ። ንጉሥ አብቲ እሱር ዘለዎ ቅርብ ኢሉ “እንታይ ስለ ዝገበርካ ኢኻ አብዚ ተአሲርካ ዘሎኻ” እናበለ ሓቲትዎ። “ብረት  ተጠቒምካ ሰሪቕኻ ዝብል እዩ ጎይታይ” እናበለ መሊሱ። እቲ ንጉሥ “ እሞ ፈጺምካዮ ዲኻ” ኢሉ ንጉሥ ሓቲቱ? እወ ጎይታይ ብዝገበርክዎ ኸአ ክቕጻዕ ይግብአኒ እዩ” እናበለ እሱር መሊሱ። እቲ ንጉሥ ሽዑ ነቶም ሓለውቲ “ነዚ በደለኛ ሰብ ካብዚ አውጽእዎ ነዞም ኩሎም አብዚ ዘለዉ ንጹሓት ከበላሹ አይደልዮን እየ” ኢሉ ካብ ቤት ማሕቡስ አጺእዎ ይብሃል።

 ምስተአመና ጥራሕ ኢና ክሕደገልና ዝኽእል። ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ተስፋ ዝህብ አብ ቅ. መጽሓፍ እንረኽቦ “ኃጢአትና እንተ ተናዘዝና አምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንኃጢአትና ይቕረ ኪብለልና ካብ ኵሉ በደልናውን ኬንጽሓና እዩ” (1ዮሓ 1፡9) ዝብል እዩ። ብኃጢአትካ ምንሳሕ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ከም ብሓዲስ ከም እትውለድ ምዃኑ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ተጠቒሱ ንረኽቦ። ብኸምዚ ጥራሕ እዩ ኸአ ንመገዲ ጸላም ሓዲግና አብ መገዲ ብርሃን ክንአቱ እንኽእል።

ሓደ ንመገዲ አምላክ ዝነጽግ ንጸላም እዩ ዝመርጽ ካብ ብርሃን ይሃድም። ንርእስና እሞ ምስ ሕያዎትን ቅኑዓትን ሰባት አወዳዲርና ንርአያ ሽዑ ድኽመትና ሕመቕና ክንርኢ ክንክእል ኢና። ሓደ አልሲቢያደስ ዝብሃል ዓርኪ ሶቕራጠስ ግሪኻዊ ፍላስፋ ጸጸኒሑ ይሓርቕ የንጸርጽር ይርአ ነሩ ከምዚ እናበለ ኸአ ተዛሪቡ ይብሃል “ሶቅራጠስ እጸልአካ እየ ምኽንያቱ ኩሉ ጊዜ ክረኽበካ እንከሎኹ ንርእሰይ ከምዝርኢ ትገብረኒ” ኢልዎ ይብሃል። ሓደ አብ ሕማቕ ነገር ዝተጸምደ ሰብ ዝኾነ ብርሃን ንግብሩ ዝገልጽ አይደልን እዩ፥ እቲ ጽቡቕ ዝገብር ሰብ ግን አብ ብርሃን ክወጽእ አየሰክፎን እዩ ግብሩ ቅኑዕ ስለ ዝኾነ።

ሓደ እዋን ሓደ አርቲተክት ናብ ፕላቶ ግሪኻዊ ፍላስፋ ቀሪቡ ሓደ ገዛ ውላ ሓደ ክፍሉ ክርአ ዘይክአል ክሃንጽ ከምዝኽእል ሓበሮ ይብሃል። ፕላቶ ከአ “ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ክርአ ከምዝክአል ገርካ እንተ ሃነጽካ ዕጽፊ ክኸፍለካ እየ ኢልዎ ይብሃል። ሕማቕ ግብሪ ጥራሕ እዩ ክርአ ዘይደለ ከምኡ ካልእ ክርእዮ እውን ዘይደሊ። ንኢየሱስ ከም ብርሃና ክንቅበሎ እንተ ኸአልና ሕይወትና ክቕይረልና እዩ። አብ ኢየሱስ እንተ ቐሪብና ምስኡ እንተ አዕለልና ነዚ ዝስዕብ ክንቅበል ኢና፡

ሰላም ምስ አምላኽ ክህበና እዩ። አዳም ሕጊ አምላኽ ምእዛዝ ምስ አበየ ካብኡ ሃዲሙ። ቃኤል ንሓዉ ምስ ቀተሎ ንአምላኽ ስለ ዝፈርሐ ንርሑቕ ዓዲ ሃዲሙ፥ ነገስታት እስራኤል አብ አምልኾ ጣዖትን ዝርጋንን ምስ አተዉ ንነብያት አምላኽ ነቶም መልእኽቲ አምላኽ ዘምጽኡ ዝነበሩ ክርእይዎም ይደልዩ አይነበሩን። እምብአር ኢየሱስ ሎሚ ነዚ መንፈስ እዚ ክንስዕር ይደልየና አሎ። ንአምላኽ ነቲ ፈቃር አቦ ዝኾነ ክንረኽቦ ይደልየና አሎ ሽዑ ደቂ ቤት ክንከውን ኢና።
ምስ ሰባት ሰላም ክህበና እዩ። ኃጢአትና ስለ ዝተሓድገልና ንሕና እውን ክንሓድግ አሎና። በደል ሰባት እንተ ሓደግና ከምቲ አምላኽ ዝርእዮም ገርና ክንርእዮም ኢና። ነዚ እንተ ገበርና ደቂ ሓንቲ ስድራ ብፍቕሪ ዝተጠርነፍና ክንከውን ኢና። እዚ ጥራሕ እዩ መልሲ ነዛ ተረቢሻ እንርእያ ዓለምና፥ ሃገርና ሕብረተሰብና እቲ ሓቂኛ መልሲ ክህብ ዝኽእል።
አብ ውሽጥና ሰላም ክህበና እዩ። ሰብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንርእሱ እዩ ዝፈርሕ። ድኽመታትና ንፈልጥ ኢና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ብርታዔ ፈተና ንፈልጦ ኢና፥ ክንገብሮ ዝግብአናን ናይ ገዛእ ርእስና ዘድሊ ነገራት እውን ንፈልጥ ኢና፥ ነዚ ኹሉ እናፈልጥና ከም ዘይፈለጥና ኮና ዝጥዕመና ዝበልናዮ መሪጽና ክነብር ንፈቱ። ብዙሓት ሰባት ካብ ገዛ ርእሶም ክሃድሙ አቋርጽ መገዲ ይመርጹ ግን ኩሉ ዝገብርዎ ዝመረጽዎ ግዝያዊ እዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ናይ እዚ ኹሉ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምቕባልን ከም ዋሓስና ከም ሓጋዚና ምቕባሉ ሽዑ መገድና እናጸረግና ክንጉዓዝ ይግባእ። ንሓደ ነገር ከምቲ አብ ቅድሚ ሰባት ክንገብሮ ዘይንደሊ ነበይንና እውን ክንገብሮ ከምዘይግብአና ንግበር። እዚ ሓደ ንእሽቶ ነገር አብዚ እዋን ጾም ፵ ከም ደቂ ብርሃን ክንገብሮ ዝግብአና እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ዝጸሓፋ አብ ሰብ ኤፈሶን ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ ንባብና ዘዘኻኽር ቃላት ንረኽበላ። አምላኽ አብቲ ሕማቕ ኩነታት አብ እንርከበሉ እዋን ከድሕነና ክዕረቐና ክንምለሶ ይደሊ። “ንአና ብበደልና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፥ ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም” (ኤፈ 2፡5) ይብል። እዚ ኹሉ መግለጺ ፍቕርን ምሕረት አምላኽን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ዝገልጾ ምሕረት አምላኽ አብ ተግባር ክርአ እንከሎ እዩ። ብግብርና ዘተዋህበና አይኮንነን ባዕልና ንርእስናእውን ክንሕግዝ አይንኽእልን ኢና። አብዚ ናይ አምላኽ ጸጋን ዕብየት ግብሩን ንርኢ። ፍቕሪ አምላኽ ብኩነታትና አይውሰንን እዩ። አባና ጽቡቕ ነገር ስለ ዘሎ አይኮነን ዘፍቅረና። ብአንጻሩ ንሱ ዘፍቅረና አብኡ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዘበለ ስለ ዝርከብ እዩ።

ሎሚ በቲ አምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገር እናተሓጎስና እንከሎና ክነስተውዕለሉ ዝግብአና ነገር አሎ። “እሞኸ እንታይ ንበል፡ ጸጋ ምእንቲ ኺበዝኅሲ ኃጢአት እናገበርናዶ ንንበር” ብርግጽ ከምኡ አይኮነን፥ ምኽንያቱ ንዝኾነ ነገር ተዋሂቡና ንዘሎ ከም ግብኡ ወይ ከም መሰል ገርና ክንርእዮ የብልናን። ክንጻወቶ ዘሎና ወይ ክነበርክቶ ዝግብአና ግደ አሎና። ጸጋ አምላኽ ክንድኅን ተዋሂቡና አሎ፥ ግን ክንቅበሎ ክንደልዮ አሎና፥ ንዝኾነ ካብ ጸጋ አምላኽ ካብ ምቕባል ደው ከብለና ዝኽእል ነገር ደው ክነብሎ አሎና። ጳውሎስ ምስ አምላኽን ምስ ክርስቶስን ዝህልወና ርክብ ክገልጽ እንከሎ “ንሕና ነቲ አምላኽ አቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት አምላኽ ኢና” (ኤፈ 2፡10) ይብል። ጳውሎስ በዚ ደው አይብልን እዩ፥ አምላኽ ስለምንታይ ከምዝፈጠረና ክገልጽ እንከሎ “ከምቲ ንሱ ካብ መጀመርያ ዝደልዮ ጽቡቕ ሕይወት ክነብር” እዩ። እሞ ነዚ አምላኽ ዝደለዮ ጽቡቕ ሕይወት ንነብሮ ዘሎና?

ብርግጽ ጸጋ ብምልኡ ብክርስቶስ ተዋሂቡና እዩ። እንተኾነ ነቲ ጸጋ ብምልኡ ክንቅበሎን አብ ድሕነት ምሉእ ሱታፌ ክህልወና ካብ መጀመርያ ክንፍጠር እንከሎና ክንገብሮ ዝተባህለና ክንገብር አሎና። እምብአር ነዚ ዕድል ተጠቒምና አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ፵ ሕይወትና ክንቅይር አብ ኢየሱስ መድኃኒና ንምጻእ። “ነቲ ካብ መጀመርያ ክንፍጠር እንከሎና ክነብሮ ዝተደለ ሕይወት ንንበሮ” ካብ አምላኽ አይንፈለ አብኡ ከምንመጽእ ንጽዓር ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.