2015-03-31 15:52:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ንጐሆ ናይ ውፉያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሮድሪገዝ ካርባሎን፣ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካሪዲናል ስታኒስላው ርይልኮን፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳሳሳትን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮን፣ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዝገብን ቤተ መጻሕፍትን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ልዊስ ብሩገስን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ዕዮ ሓላፍን ናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪን ከምኡ እውን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ሰበኻ ክሳይ ክሳይ ተሓባባሪ ጳጳስ ንኽዀኑ ንናይ ማሕበረ መርሰዳሪ ኣባል ኣብ ሞዛምቢክ ናይቲ ማሕበር ቤት ሓለቓን ናይ ቁምስና ክሳይ ክሳይ ቆሞስ ኣባ ኣልበርቶ ቨራ አረኹላ ከምዝሸመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣባ ኣለብሮ ቨራ አረኹላ ዕለት 8 ሚያዝያ 1957 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ክፍለ ሃገር አጉይላር ደ ሪኦ ኣልሃማ ሰበኻ ካላሆራይ ይ ላ ካልዛዳ ሎግሮኞ ዝተወልዱን ኣብ 1967 ዓ.ም. ቀዳማይን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ኣብ ተመሃሮ ዘረአ ክህነት ማሕበር መርሰዳሪ ኣትዮም ኣብ 1975 ዓ.ም. ቀዳማይ ማሕላ ፈጺሞም ዕለት 19 መጋቢት 1981 ዓ.ም. ዓቢይ መሓላፍ ፈጺሞምን ዕለት 22 ነሓሰ 1981 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ሓቢሩ፣ ብቲዮሎጊያን ብመጽናዕቲ ስነ ልቦናንን ኣብ መንበረ ጥበብ ፍራንሲስኮ ማሮከን ድማ ብፍልስፍና ሊቕነት ከምዘመዝከሩን። ካብ 1982 ክሳብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ቫለንሲያ ቁምስና ቅድስቲ እመቤተ ዘ ፕፑይግ ምኽትል ቆሞስ፣ ካብ 1986 ክሳብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ጓተማላ ናይ መርሰዳሪ ማሕበር ተመሃሮ ሓለቓን ናይ ጸዋዕታ ጉዳይ ሓላፍን፣ ካብ 1994 ክሳብ 1997 ዓ.ም. ንስይ ቁምስና ቅዱስ ዮሰብ ኦብረሮ ዘካስተሎን ምኽትል ቆምስን፣ ካብ 1997 ዓ.ም. ክሳብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ሩውስ ሓለቓ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ማሕበር መርሰዳሪ ሓለቓን ካብ 2000 ክሳብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ቅድስቲ እመቤት ዘ ሊቭራመንቶ ቆሞስን ናይ ቀዳማይን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳርን ኣብ ሰበኻ ማፑቱ ናይቲ ብካሪታስ ዝጸውዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ኣመሓዳኣርን ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ማሕበር መርሰዳሪ ሓለቓ ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ሰበኻ ክሳይ ክሳይ ናይ ማርሕበር መርሰዳሪ ቤተ ሓለቓን ናይ ቅድስቲ እመቤት ዘመርሰስ ቁምስና ቆሞስ ኰይኖ የገልግሉ ከምዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.