2015-03-31 15:59:00

ቫቲካን፦ ምርኢት ስነ ጥበብን ኣምልኾን


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ነኣሽቱን ከተማታት ዝርከብ ቅዱሳን በዓላት ንኣምልዀን ስግደትን ዑደትን ዝወጹ ቅዱሳት ምስልታትን ቅብእታትን ኣሳእልን ቅዱሳት ሓወልትን ቅዱሳት ትሩፋትን ብጠቕላላ ናይ 13 ክሳብ 18 ክፍለ ዘመን ዝውክሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካርሎ ማኞ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ካብ ዕለት 30 መጋቢት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑን ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

እቲ ምእርኢት ናይ ቅዱሳት ቅብንእ ኣሳእልን ሓወልትን ቅዱሳት ትሩፋትን ናይ እምነትን ኣምልኾን ዝኽረትን ናይ እምነትን ኣምልዀን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽ ዘዘንትውን ቀጻልነቱ ዘረጋገጽን ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ምርኢት ብዓይነቱ ንፈለማ ጊዜ ዝቐርብ ክኽውን እንከሎ እቲ ቅዱስ ምርኢት ንማሕበረ ክርስቲያን ዘለዎ መንፈሳዊ ልዑል ክብርን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ኣመሓዳሪ ኣንቶኒዮ ፓሉቺ ብዛዕባ እቲ ምርኢት ኣደጊፎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ናይ እምነት ውበትን ውህበትን ምስክርነት ዝገልጽን ታሪኽ ቅዱሳንን ሰማዕታትን ዘዘንትው መጋበርያ እምነት እዩ ኢሎም፣ ኣብ እምነት ዘነቓቕሕን ናብ እምነት መስህብ ዝዀነ ቅዱስ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.