2015-04-04 16:12:00

ቅዱስ ኣቦና፦ መስቀል ስዕረት ማለት ኣይኰነን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓርቢ ስቕለት ኣብ እትነብረሉን መስቀል ኣብ እተስተንትነሉ ዓቢይ ዕለት ከምቲ ልሙድ በቲ ኣት ፖንተፊክስ እተሰምየ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 3 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. “ናይ ክርስቶስ መስቀል ስዕረት ዘይኰነስ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር እዩ” ዝብል መልእኽቲ በዚ ዓቢይ ናይ መስቀል ትርጉም ዝተሰነየ ዓርቢ ስቕለት ክንነብር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ልሙድ ዓርቢ ስቕለተ ኣብ ከተማ ሮማ እቲ ኣብ ኮሎሰዩም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ዝፍጸም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ናይ ለብምዘበን ኣስተንትኖ ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ኖቫራ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ረናቶ ኮርቲ ድርሰት ዝተሰየነን ኣብ ናይ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ምዕራፋት ድማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ካብተን ኣብዚ እዋን’ዚ ውግእን ዓመጽን ዝረኣየለንን ብስእነት መግብን ሰላምን ኣብ ጽንኩር ኩነት ካብ ዝረከባ ሃገራት ዝተሰዱ ኣባይቲ ስድራ ነቲ መስቀል ብምስካም ዘሳተፈ ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

እንነብረሉ እዋን ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ ጐድኑ ቀራንዮ ዝድይብን ዝነብርን ኣብ ጎዳና ቀራንዮ እቲ እንግደዓ ዝሰብርን ንታሕቲ ዝጸቅጥን ከቢድ መስቀል ተሰኪሙ ብዝጓዓዝ ሕዝብ ዝተመልአ እዩ። ብእምነቶም ምኽንያት ዝስደዱን ተስፋ ሰኒቖም ንስደት ዘምርሑን ኣብ ጎዳና ስደትን ምድረ በዳን ብዘጓንፍ ከበድ ኣጻምእን ኣስሓይታን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ብዘጓንፍ ሓደጋ ምጥሓል ባሕርን ኣብ ምልክታ ዘይብሉ ዘይልለይ መቓብር ዝተርፉን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ምኽንያት ኣብ ጽንኩር ኩነት ኤኮኖም ዝወደቑን ንስእነት ስራሕን ብዝተዳርጉ ዝቃላሕ መስቀል ዝተመልአ እዩ፣ መስቀል ኢየሱስ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ዕለታዊ መሳቕል ብዝተንሸንከሩ ዜጋታት ይግለጽ ኣሎ። እቲ ጎልጎታ ሎሚ ነዚ የቃልሕ።

ኣባይቲ ስድራን ስምዖን ቀረናዊ

እታ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ኣብ ኢድ ኣቦና እትርከብ መስቀል ኣብ 14 ምዕራፋት ካብ ሓደ ናብ ሓደ እናትሰጋገረት ኣብቲ ኣዋናዊ መሰቓቕል መነባብሮን ሕይወትን ዓለም ንኸነስተንትን ኣብቂዓትና እያ። ኢየሱስ መስቀልና ተሰኪሙ ምእንታና ኵሉ ኰይኑ ዝመስከሮ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍጹም ፍቕሪ መስከርቲ ክንከውን ናይ ካልኦት መስቀል ንኽንስከም ዝተጸዋዕና ከምዝዀናን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ኣብ ዘሎ ምዕራፍ መስቀል ከምእተስተንተነን፣ ካብ ሻድሻይ ክሳብ ታሽዓይ ምዕራፍ ኣብ ዘሎ ድማ ኣብ ናይ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መስቀል ዝተማእከለ ኰይኑ ቐጺሉን ምልክታ ቨሮኒካ ካብ ዒራቕ ዝመጻ ክልተ ደናግል ክልተ ሶርያውያን ክልተ ናይጀራውያን ክልተ ግብጻውያን እቲ ብስቓይን መግረፍትን ከበድ መስቀልን ሓደ ጊዜ ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ዝወድቕ ክርስቶስ ዝውክሉን፣ ድሕሪ እቲ ድጽያ ዓረብ ዳግም ናብቲ ዝነበርዎ ዝተመልሱን ካብቲ ዝነበርዎን ናብ ዝኸፍኤ ዝወደቑን፣ ኢየሱስ ይብል ብዙሓት ሰሚዖምንን ሰዓቡንን ሓዋርያተይ እውን ኰኑ፣ ብዙሓት ድማ ነጸጉንን ተዋጉኡንን ኣብ መወዳእታ ድማ ንሞት ፈረዱኒ ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንሰብ ፍጹም ምዃኑ የረጋግጽ መስቀል እዚ ፍቕሪ ክንነብር ዝዕድመና እምበር ተዘከሮ ስቓይ ኢየሱስ ጥራሕ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ ጸሎት ዝተነብሮ ምንባሩ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

እቲ ዝተረፈ ካሳብ 14 ዘሎ ምዕራፍ መስቀል ድማ እቲ ኢየሱስ ዝወርዶ ሓሳርን መከራን ምቕንጣጥ ኣልባሱን ጥራሕ ነብስኻ ምትራፍ ቅንጣጠ ኩላኣውነት መንነቱ ኩሉ ዝተቐንጠጠሉ ፍጹም በይንኻ ምዃን ኣነ ምስ ኣነ ዝተርፈሉ፣ ክሳብ ኩሉ ተፈጸመ ኰይኑን ምልኣት ሱቕታ ፍጹም ፍቕሪ ዝቓሉ ናይ ኢየሱስ ትም ምባል ዝረጋገጽሉ፣ ቃል ኒቆዲሞስ ዝስምዓሉን ብፍርሕን ራዕድን ዝተሰነየ ምብጻሕ ኣብ መቓብር ስፍራ ደቀ መዛሙርን ኩነት ዘዘንትዎ ብፁዕ ኣቡነ ረናቶ ኮርቲ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ በተን ካብ ቅድስቲ መሬት ዝመጻ ክልተ ደናግል እታ መስቀል ተሰንያ ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳብ እትርከብ ትስተንቲኑ ብሓቂ ዓሚዩቕ ናይ ኢየሱስ ፍጹም ፍቕሪ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘማእከለ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፣ ኢየሱስ ሕይወትና በጨና ሓቂ ኣምኣዞ ዝብል ተነቢቡ እቲ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምእተዛዘመ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.