2015-04-14 15:34:00

ሲሜት ኣብ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሮማዊትን ቤተ ክርስቲያን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 14 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ብፁዓን ካርዲናላት ቢሎም ንዝሰመይዎም ናይ ቅዱስነቶም ኣብ ሓንትን ቅድስትን ካቲሊካዊትን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ብናይ ኣማኸርቲ ስልጣን ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒክ ማምበርቲ ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ኣባል ንኽኾኑን ኣብ ስፐይን ናይ ቫላዶሊድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ብላዝከዝ ፐረዝ ናይ ሠረት እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣባል ቤት ምኽሪ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎምን ኣብ ኢትዮጵያ  ናይ ኣዲስ ኣበባ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደምረው ሱራፊኤልን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣንኮናን ኦዚሞን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኤድዋርዶ መኒከሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማምበረቲ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ስርዓት ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባላት ቢሎምን ከምኡ እውን ብፁዕ ካርዲናል ማምበርቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባል ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኒውዚላንድ ናይ ወሊንግቶን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኣትቸርልይ ደውን ኣብ ቬትናም ናይ ሓኖይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ንጉየን ቫን ሆንን ኣብ ታይላንድ ናይ ባንኮግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኻቪየር ክራንግሳክ ኮቭዛቫኒጅን ኣብ ከፕቨርድ ናይ ካቦቨርድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣርሊንዶ ጎመዝ ፉርታዶን ኣብ ቶንጋ ናይ ቶንጋ ሊቀ ጳጳስት ብፁዕ ካርዲናል ሶኣነ ፓቲታ ፓይኒ ማፊ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባላት ቢሎም ከምዝሰመይዎም ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ናይ ሊስቦና ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ማኑኤውል ኾሰ ማካሪዮ ዶ ናሺመንቶ ክለመንተን ኣብ መክሲኮ ናይ ሞረሊያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርቶ ስዋረዝ ኢንዳን ናይ ካህናት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽኾኑንን ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንጎ ቦን ኣብ ኡርጉዋይ ናይ ሞንተቪደኦ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲንል ዳኔል ፈርናንዶ ስቱርላ በርሆወትን ናይ ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ማሕበራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽኾኑን ኣብ ፓናማ ናይ ዳቪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ልዊስ ላኩንዛ ማየስትሮኽዋን ናይ ካቶሊካዊ ትምርህቲ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣባል ቢሎም ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ኒውዝላንድ ናይ ወሊንግቶን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኣትከርይ ደውን ኣብ ቨትናም ናይ ሃኖይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፒየረ ንጉየን ቫን ሆንን ኣብ መክሲኮ ናይ ሞረሊያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሱዋረን ኢንዳን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎምን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮን ኣብ ከፕቨርድ ናይ ካቦ ቨርደ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣልሪንዶ ጎመዝ ፉርታንዶን ኣብ ቶንጋ ናይ ቶንጋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሶኣነ ፓቲታ ፓኢኒ ማፊን ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምሰመይዎን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደምረው ሱራፍኤልን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮን ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ቢሎም ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣንኮና ኦዚሞ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኤድዋርዶ መኒከሊ ናይ ክንክን ጥዕናንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ንኾኑን ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦን ኣብ ስፐይን ናይ ቫላዶሊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ብላዝከዝ ፐረርዝን ኣብ ፓናማ ናይ ዳቪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ልዊስ ላቹንዛ ማየስትሮኹዋን ኣብ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ቢሎም ከምዝሰመይዎ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ ፖርቱጋል ናይ ሊስቦና ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ማኑኤል ኾሰ ማቻሪዮ ዶ ናሺመንቶ ክለመንተን ኣብ ታይላንድ ናይ ባንኮግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኻቪየር ክራይንግሳክ ኮቪዛቫኒጅን ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽኾኑን ኣብ ኡሩጓይ ናይ ሞንተቪደኦ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኔል ፈርናንዶ ስቱርላ በርሆወትን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ቢሎም ከምዝሰመይዎን ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.