2015-04-14 15:44:00

ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓልዮ ድርገት


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገራርድ ልድዊግ ሚዩለር ብዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ዕለት 17 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓሊዮ ድርገት ዓውደ ጉባኤ ዕለት 13 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ከምእተከፍተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይቲ ብብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓልዮ ድርገት ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ፦ “ኣስተንፍሶን ሓቅነትን ቅዱስ መጽሓፍ። ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቃልን ዓለም ንምድሓን ዝዛረብ ቃል እግዚኣብሔርን” ዝብልን ኣብ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ስነ ሰብእ መጽናዕትን ዘማከለን ስነ ሰብእ ብዓይኒ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ዝብሉ ሓሳባት እውን ዝተኵር ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሙዩለር ናይቲ ድርገት ዓውደ ጉባኤ ንኸጀምሩ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግለጽ ስነ ሰብእ ንእምነት ዝምልከትን ናይ ኣመንቲ መንነት መለለዪ ዝገልጽ ጥራሕ ዘይኰነስ ብሓፈሻኡ ሰብ ሰብ ከም ምዃኑ ዝምልከት እዩ፣ ንሰብ ዝምልከት እዩ። ስለዚህ ድማ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ነጻነትን ሓቅን ብዝብል ኣዘራርባ ንናይ ግብረ ገብ ሕጊ ኣይፋል ብዝብል  ባህሊ ዝግለጽ  መሰረት ኣልቦ ምርጫ ምዃኑ ዘቃልሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነ ሰብእ መጽናዕቲ ምዃኑ ከምዝተንተኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ነጻነትን ሕግን ወይ ድማ ስርዓት ግርጭት ኣሎ ዝብል ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ወይ ድማ ባህርያዊ ሕጊ ዘማእከለን ነዚ ባህርያዊ ሕጊ ጥራሕ ኣፍልጦ ዝህብን እቲ ባህርያዊ ሕጊ ምስ ግብረ ገባዊ ሕጊ ዝጻረር እዩ ዝብል ኣብዚ እዋን’ዚ ዝስበኽ ዓለማዊ ግብረ ገብ፣ ሰብ ናይ ምሕሳብ ብቕዓት ኣለዎ ቢሉ ዝደልዮን ባህ ዝብሎን ክቡራት ዋጋታት ንናይ ገዛእ ርእሱ ጠባያት ንምግላጽ ብነጻነት ዝመርጽ እዩ ምስ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣተሓሒዙ ዝገልጾ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ባህልን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ምእንቲ ናይ ሰብ ጸዋዕታን ሰብኣዊ ክዋነ፣ ሕጊ እግዚኣብሔር ምንጻግ ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ምእንጋድን ምእዛዝን እዩ ዘሎ። ስለዚህ ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ናይ ሰብኣዊ ነጻነት ዘማህምንን ዝሓኽን ዘይኰነስ ንሰብኣዊ ነጻነት ዝውሕስን ዘነቓቕሕን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ነጻነት ሕቂ ንኽኸውን ንናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ምእዙዝ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ዘስምውዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.