2015-04-16 20:36:00

ብፁዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ አባል ማሕበር ኢየሱሳውያን አብ መበል 94 ዕድምኦም ካብዚ ዓለም”ዚ ከም ዝተፈልዩ


ብፁዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ አባል ማሕበር ኢየሱሳውያን አብ መበል 94 ዕድምኦም ካብዚ ዓለም”ዚ ከም ዝተፈልዩ ብማሕበሮም ዝተዋህበ መግለጺ አፍሊጡ። ነፍሰኄር ብጹዕ ካርዲናል ቱቺ በዓል ሙያ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዳይረክተር ካቶሊካዊ ስልጣኔ መጽሔት ኢየሱሳዊ ማሕበር ዳይረክተር ራድዮ ቫቲካንን ኮይኖም ዘገልገሉ አብ ልዕሊ ምኳኖም ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ  ሐዋርታዊ ዑደታት አሰናዳውን አወሀሀድን  ኮይኖም ክብ ዝበለ አገልግሎት ዘበርከቱ  ኢዮም፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንላዕላዋይ ሐላፊ ማሕበር ኢየሱሳውያን አባ አዶልፋ ኒኮላስ ናይ ሐዘን መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ ክምልከት ከሎ እግዚአብሔር አብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበሎም ንአባላት ማሕበርን ንስድራን ብጹዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ ጽንዓቱ ክህቦም ከም ዝተመነዩ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሐበረኤታ ሂቡ፣

መዋቲ ብጹዕ ካርዲናል ንእግዚአብሔርን ንቤተ ክርስትያንን ብተአማንነትን ብጽንዓትን ዘገልገሉ ወዲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾኑ ክአ እቲ ናይ ሐዘን መግለጺ ተለግራም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዘመልከተ ተገሊጹ፣

ናይ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ ሥርዓተ ቀብሪ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝካየድ ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ብጹዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ፍትሐተ ቅዳሴን ጸሎትን ከም ዝመርሑ አብ መወዳእታ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሥርዓተ አማህጽኖተ ነፍስን ስንብታን ከም ዝመርሑ ብቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ አገንዚቡ፣

ወቅታዊ ዳይረክተር ራድዮ ቫቲካንን አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበርን አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንሶም ክአ አባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ብጹዕ ካርዲናል ቱቺ ብኸፊል አብ ምድላው ሰነዳት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሐባበሩ ብደቂ ማሕበሮም ፍቱውን ክቡርን ዝነበሩ ንጹር መንፈሳዊ ሕይወት ዝተኸተሉ ብጹዕ ካርዲናል ከም ዝኾኑ መግለጺ ሂቦም፣

ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አፈ ጉባኤ ኮይኖም ዘገልገሉ ህርኩት መነኮስ ከም ዝነበሩ ዳይረክተር ራድዮ ቫቲካን ድሐር ክአ ሐዋርያዊ ዑደታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሐንስ ካልአይ ብጽፈት ዘዳለዉ መንፈሳዊ ወዲ እግዚአብሔር ከም ዝኾኑ መስኪሮምሎም ።

አተሐሒዞም ክአ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ ንደቂ ማሕበሮም ማለት ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ መንፈሳውነት አርአያ ለጋሲ ምኽሪ ናይ ምትሕብባር ባህሊ ዘርአዩ ጽኑዕ አማኒ እግዚአብሔርን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበሩ ክአ አገንዚቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.