2015-04-18 16:45:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ማሕበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. እቲ ካብ 1988 ዓ.ም. እትሒዙ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓለም ለኻዊ መደባት ግብረ ሠናይ ንምድጋፍ ኣሚቱ ዝቖመ ማሕበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ኣባላት ተቐቢሎም ርህራሄን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ምሉእ ሱታፌ እቲ ዝዓበየ ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣብ ዘረጋግጽ ሓሳብ ዘተኰረ መልእኽቲ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ብስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካይዶ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣመስጊኖም፣ እቲ ማሕበር ካብቲ ዝህቦ ድጋፍ እቲ ዝዓበየ ቤተ ክርስቲያን እተነቓቕሖን ኣብ መላእ ዓለም ክሰርጽ እቲ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዓበየ ድላይ ንምርዋይ ብዘይ ምቁራጽ እተካይዶ መደብ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዝህቦ ምስክርነት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ማሕበር ዘቕርቦ እቲ ዝዓበየ ደገፉ ድማ ኣብ መደብ ሕንጸትን ትምህርትን ንመንእሰያትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ዘተኰረን፣ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ምርኰሳን ክትዓትርን ውጽኢታቱ ድማ ከተካፍል ዘብቅዓ ርህሩህ መንፈስ ንክሰርጻ ዝብል ምዃኑ ከምዘስመርሉ ኣመልኪቱ።

እቲ ማሕበር ብስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካይዶ ጻዕርታትን ዝኸፍሎ መስዋዕትነትን ጠቒሶም ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ድማ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ ቤተ ክርስቲያን ንዓመተ ምህረት ኣብ ምቅርራብ ኣብ ዘላትሉ እዋን እቲ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ግልጸት ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ካብ ኩሉ ጸጋታቱ ዝዓበየ ጸጋ ንሱ ድማ ርህራሄ ኣቢሉ ኣባኻትኩም ናይ ምሕረት መንፈስ ከሕይልን ክሕድስን እምሕጸን፣ ብነጻነት ዘፍቀረና ፍቕሪ ብናይ ቅዱሳት ምስጢራት ዕርቅን ቅዱስ ቁርባንን ብዝግለጽ ምስ መሓርን እቲ ብቑዓት ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ብነጻ ዘፍቅረና ፍቅሪ ነፍሲ ወከፍ ናይዚ ማሕበር ኣባል ናይ ሕይወቱ ተመክሮ ክገብሮ ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ማሕበር ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ዓመቱ ብዘካይዶ መንፈሳዊ ንግደት ምኽንያት ኣብ ዘካይዶ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፣ ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎ ውህደትን ምትእስሳርን ንመንበረ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዙዝ ምዃኑ ዝምስክር ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለኩም ሱታፌ እምነትኩም ከተዕሙቑን እምነትኩም ንኽተባባዕን ክሕደስን ኣብ ሕይወትኩም ክቃልሕን እቲ ናይ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን ዝብል ካብ ሓዋርያት ዝመጸ እምነት ከተመሓላልፉ ዘብቅዓኩም ጸጋ ክኸውን እጽልይ ቢሎም ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.