2015-04-18 17:00:00

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ተቛም ሰሜን ኣመሪካ


ዕለት 2 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ተቛም ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተወላዲ ስፐይን ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ልኡከ ወንጌል ሓው ኹኒፐሮ ሰራ ቅድስና ንምእዋጅ ዝኣመተ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣተኵይሩ “ሓው ኹኒፐሮ ሰራ ናይ ካሊፎርኒያ ሓዋርያ፣ ምስክርነት ቅድስና” ብዝል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣብቲ ተቛም ንዝካይድ ናይ ኣስተንትኖ ዕለት ምኽንያትን ንዝዓርግ መስዋዕት ቅዳሴ ንኽመርሑ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ ሓው ሰራ ዘተኰረ ናይ ኣስተንትኖ ዕለት ዘዳለወ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ተቛም ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለትን ናይዚ ድርገት ዋና ጸሓፊ ጉዝማን ካሪኴርይ ለቹርን ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ናይ ኣዋጅ ቅድስና መሠረታዊ ምኽንያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ቪቸንዞ ክርስኩዎሎን ናይ ሰሜን ኣመሪካ ጳጳሳዊ ተቛም ጠቕላሊ ሓለቃ ብፁዕ ኣቡነ ጀምስ ፍራንሲስ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማህደር ቅዱሳን ተወኪሱ ሓው ኹኒፐሮ ሰራ (1713 –1784) ኣብ ስፐይን ተወላዲ ማዮርካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1749 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ልኡከ ወንጌል ኰይኑ ንሸሞንተ ዓመት ዘገልገለን ናይቲ ከባቢ ደቀ ባት ቋንቋ ኣጽኒዑ በቲ ዝነበሮ ናይ ስነ ምርምርን ናይ ስነ ባህሊ ሊቕነት ኣቢሉ ነቲ ሕዝቢ ብምሕናጽ እምነት ብቃልን ሕይወት ዘመሓላለፉ ምንባሩ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.