2015-04-22 19:35:00

28 ክርስትያን ዜጋታት ኢትዮጵያ አብ ሊብያ ዳዔሽ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ክቀትሎም ከሎ ዘርኢ ቪደዮ


28 ክርስትያን ዜጋታት ኢትዮጵያ አብ ሊብያ በቲ ዳዔሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ አስላማዊ ግዝአት ዝአወጀ መልአከ ሰይጣን ዝሐደሮ ጉጅለ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ክቀትሎም ከሎ ዘርኢ ቪደዮ ከም ዝዘርግሔ ይፍለጥ። እቲ ንሰላሳ ደቓይቅ ዝተርኤ ቪደዮ ተኸተልቲ መስቀል ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ነቲ ቪደዮ ዝተኸታተሉ መስኻኽር ነጊሮም።

እቶም እምነተ ክርስትና ስለ ዝኽተሉ ጥራሕ ከም ገበን ተቆጺሩ ብዘስካኽሕ አገባብ ዝተቀትሉ ኢትዮጵያዉያን ክርስትያን ገጾም ብዝተሸፈኑ አሸበርቲ ዳዔሽ ንክልተ ተኸፊሎም አብ ዝተፈላለየ ቦታ ን12 ብኻራ ን16 ብጥይት ከም ዝቀተልዎም ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙኀን ጣልያን ሐበሬታ ሂቦም።

ራድዮ ቫቲካን መደብ ትግርኛ አምሐርኛን እግዚአብሔር ነቶም ፍጹም ተወዳዳሪ ዘይብሉ አረሜናዊ ዓመጽ ሕይወቶም ዝስአኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ አብ መንግስተ ሰማያቱ ቅበሎም ንቤተ ሰቦም ጽንዓት ክህቦም ትምኒቱ ይገልጽ። 

እዞም አብ ሊብያ ብዘስካኽሕን ዘጽልእን አገባብ ብሰይጣናዊ ጉጅለ ዳዔሽ ዝተቀሉ ክርስትያን ኢትዮጵያውያን አብ ሊብያ አብ ስደት ዝነበሩ ከም ዝኾኙ ይምልከት። ዝሐለፈ ወርሒ ለካቲት አብ ሊብያ ብተመሳሳሊ ኩነት 21 ክርስትያን ዜጋታት ምስሪ በቲ ዳዔሽ ዝጽዋዕ ባርባራዊ ጉጅለ ከም ዝተቀትሉ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ በቲ አብ ሊብያ አብ ልዕሊ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ዘስካኽሕ መቀልቲ ንናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ንብጹዕ ወቅዱስ ማትያስ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝልአኹ ቅድስቲ መንበር አፍሊጣ። ክርስትያን ስለ ዝኾኑ ብዘስምብድ አገባብ ከም ዝተቀትሉ ምስ ተረዳኩ ጥልቂ ሐዘን ተሰሚዑኒ እግዚአብሔር ነቶም ሕይወቶም ዝስአኑ አብ መንግስተ ሰማያኡ ክቅበሎም ንዓኹምን ንስድርኦምን ክአ ጽንዓት ይሀብኩም ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝኾነ አመልኪቱ፣

እቲ ናይ ሐዘን ተለግራም አተሐሒዙ አብ ትሕቲ ጽላል ምሕረታዊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ከም ንነብር ንፍልጥ እዚ ኽአ አብዚ ግዜ”ዚ ካብቲ ክርስትያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ በብዓይነቱ ስቃይ ይሕይል አብ አፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ብኸፍሊ አብ ኤስያ ክፍለ ዓለምን ክርስትያን  አብ ስቃይን አብ መከራን ይርከቡ አለዉ፣ ምእንቲ ኩሎም ክአ ንጽልን ነስተንትንን ብማለት እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንፓትርያርክ ማትያስ ዝተላእከ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝገለጸ እቲ ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ላዕልዋይ ሐላፊ ብጹዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ አብ ልዕሊ”ቶም 28 ክርስትያን ኢትዮጵያውያን ዝወረደ መግልጺ ዘይርከቦ ዓመጽ ዝተሰምዖም ጥልቂ ሐዘን ገሊጾም ብሰማዕትነት ዝሐለፉ ሰማዕታት ኢዮም ብማለት ገሊጾም። ብኻልእ ወገን ብጹዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ አብ አዲስ አበባ ጉባኤ ጳጳሳት የካይዱ ከም ዘለዉ ክምልከት እንከሎ ጳጳስ ሰበኻ ዓዲግራት ብጹዕ አቡነ ተስፋስላሴ መድኅን ብዛዕባ”ቲ አብ ሊብያ አብ ልዕሊ ክርስትያን ኢትዮጵያውያን ዝፈጸመ እኩ ተግባር ብስም ጳጳሳት ዝሀብዎ መግለጺ እነሆ፡  

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ንሰለስተ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓለቲ ዝጸንሕ ሀገራዊ ናይ ሐዘን መዓልትታት ከም ዝአወጀት ካብ አዲስ አበባ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

አቲ በቲ ጨካን አስላማዊ አኽራሪ ጉጅለ ልዕሊ እትዮጵያውያን ዝተፈጸመ አሰቃቂ መቅተልቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ አሕዚኑን አቂጢዑን ከም ዘሎ እቲ ዜና አፍሊጡ።

ሕብረት አፍሪቃ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት አመሪካን በቲ አሸባሪ ጉጅለ ዝተፈጸመ እኩይ ተግባር አጽኒዖም ከም ዝኸነንዎ ይምልከት።








All the contents on this site are copyrighted ©.