2015-04-23 17:06:00

ብፁዕ ኣቡነ ላፊተ፦ ብዘይ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ምስጢረ ተክሊል ክትርድኦ ዘይከኣል እዩ


ዕለት 22 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ “ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ተኽሊልን ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቛም ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ተኽሊልን ዘሎ ምትእስሳር ዘለዎ ኣገዳስነት ንምምልካት ኣሚቱ ዝተኻየደ ምዃኑ ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ላፊተ ሓቢሮም ኣብ ኤኮኖሚያዊ ክርስትናን ኤኮኖሚያዊ ቅዱሳት ምስጢራት ብርግጽ ናይቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ምሉእ ሓድነት (ውህደት) ቀንዲ ትርጉሙ ክትርድኦ የጸግም እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ሓድነት ተኽእሎ ሓድነትን ኩለ መዳያዊ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝምልከት ጥራሕ ከምዘይኮነን ሕድ ሕዳዊ ምውህሃብ እዚ ድማ ሓደ ነቲ ሓደ ጸጋ ምዃኑን ብኣካል ኣቢሉ ዝፍጸም ናይ ክልቲኣቶም ርክብ ዘነጽር እውን እዩ። ሰብነት ነገር ኣይኰነን፣ ሰብነት ናይ ሰብ ግልጸት ማለት መግለጺ ሰብን ጸጋ ንኻልእ ዘመልክት እዩ፣ ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ህያብ ምዃንካ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቅዱስ ቁርባን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን ከም ህያብ ንኣና ኰይኑ ይግለጽ፣ ቅዱስ ቁርባን ንኣና ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ህያብ ምዃኑ ይረጋገጽ፣ እዚ ድማ ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ መውዳእታ ድራር ምእንታዅም እንክብል የረጋግጸልና፣ ስለዚህ እዚ ቅዱስ ቁርባናዊ ህያብ ስጋን ደምን ክርስቶስ እቲ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ምትእስሳር ብባህርይኡ ጸጋ ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ ዝሕብረና፣ ኣብ ምስጢ ተኽሊል እዚ ብባህርይኡ ጸጋ ዝብል ምትእስሳር እዩ ዝንበር፣ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነዚ እዩ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነጸረ ኢሎም።

ቅዱስ ቁርባን ኣካል ህያብ ምዃኑ እዩ ዝገልጸልና ፕሮፈሶር ኣትኪንሶንን ከምኡ እውን ፕሮፈሰር ኾሰ ግራናዶስ ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ኣንፈት ኣካል ሰብ ህያብ እዩ ብዝብል ሓሳን ተንቲኖም እቲ ኣንፈት ህያብ ዝኾነ ኣካል ድማ ንሕይወት ዘማዕድውን ልዑል ኣድላይነት ሕይወት ዘድምዕ እዩ፣ ኣብቶም እቶም ክልተ ቅዱሳት ምስጢራት ዘሎ ምትእስሳር ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝግበር ሰፊሕ መጽናዕቲ ኩሉ ንቕድስና ዝተጸውዔ ኣብ ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመስሪቱ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክግለጽ ከምዘለዎ የገንዝቡ ብፍላይ ድማ ፕሮፈሰሮ ኾሰ ግራናዳ ምምህር ኣብ ተቛም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ተኽሊልን ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ቅዱስ ቁርባን ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ቅዱስ ምስጢር እዩ፣ ምእንቲ ፍቅሪ ጸጋ-ህያብ እዩ፣ እቲ ምሉእ ናይ ግዜን ዓለም ድሕነት ዘጠቃልል እዩ፣ በቲ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ዝግለጽ ትንሳኤ ብባህርይኡ ዘጠቓለለ ድሕነት የረጋግጸልና፣ ናይ ምስጢረ ተኽሊል ኣመክንዮ ወይ ድማ ርትዓውነት ናይ ኣካል ርትዓውነት እዩ፣ ማለት እቲ ኣካል ናይ ፍቕሪ ዘይብተኽን ቀጻልን ህያብ ብምዃኑ ድማ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ይመሓላለፍ፣ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብ መንጐ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ተኽሊልን ዘይብተኽ ቀጻልን ምትእስሳር ኣሎ፣ ኣብቶም እቶም ብምስጢረ ተኽሊል ሓደ ዝዀኑ ሰባት (ሰብኣይን ሰበይትን) እቲ ህያብ ኣካለ ክርስቶስ ይምስከር፣ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ናይ ቅዱስ ምስጢር ኤኮኖምንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ክርስቲያን ምዃን ይምዕብል። ብሓጺሩ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ እዚ ብዑምቀት ዘነጸረ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.