2015-04-23 16:58:00

ቫቲካን፦ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ኣመንቲ ምስ ዝሓብሩ ሓይሊ ሰላም ይዀኑ


ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዘለዎ ኣገዳስነት ዘቃልሕ መልእኽቲ ከምዝዘርግሔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣመንቲ ምስ ዝሓብሩ ናይ ሰላም ሓይሊ ይዀኑ ኣብ ዝብል ሓቂ ኣሞርኵይዙ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ምዝታይ ይከኣል ድዩ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሱ እወ ዝከኣል እዩ ዝብል ከምዝዀነን፣ ዝከኣል ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ዘድልን ኣገዳስን እዩ ቢሉ ነቲ ሃይማኖትን ዓመጽን ዘመዓራርይ ዝሰፍሕ ዘሎ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ጌጋ ጥራሕ ዘይኰነስ ብመሰረቱ ኣልቦ ስነ መጐትን ናይ ሃይምኖት ሰረታዊ ምዃን ዝቃወም እውን እዩ ከምዝበለ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምን ዓመጽ ይነጽግ፦ ሽሕ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝፍነዉ ዘለዉ ዜናታት ሳዕቤኑ ድማ ጽልእን ዓመጽን ኣሸባርነትን ዝኾነ ዕጹው ማሕበረሰብኣውነትን ኣኽራሪ ሃይማኖታውነትን ክህሉ ዝድርኽን ሃይማኖት ምስልምናን ምእመናን ምስልምናን ዘጸልምን ዘኽፍእን ዝምባሌ ዘስፍሕን ዘተባብዕን እውን እንተዀነ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዘተ ዝከኣልን ኣገዳስን እዩ። ብዙሃን ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ንገዛእ ርእሶም እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝተመስረተ ኣኽራርነትን ኣሸባርነት ዘይቅበል ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ርክብ ዘይብሉ እዩ ቢሉ ዝኣምን እዩ። ኩለን ሃይማኖታት ሰላም ዘዕንብባ እምበር ዓመጽ ዝዘርአ ከምዘይኰና ናይ ኩለን ሃይማኖታት ምእመናን ብቓልን ሕይወትን ክምስክርዎ ዝተጸውዑ እያቶም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣሸባርነት ውርደት እዩ። እዚ ማለት ድማ ስም ሃይማኖት ኣናጸዋዕካን ብስም ሃይማኖት ምቕታል ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. ከምዝበለዎ ጸረ እግዚኣብሔር ምዃኑን ከምዚ ዓይነት ዝዀነ ይኹን ኣሸባርነት ብስም ሃይማኖት ምኽንያታዊ ዝኸውን ከምዘይኰነን፣ ንገዛእ ርእሱ ኣሸባርነት ኢምክንያታዊ እዩ። ሃይማኖት ዕርዲ ገርካ ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኵሉ ነቲ ንጹር ሓቅነት እግዚኣብሔር ናብቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዑረትን ግብረ ገባዊ ዝንባዔ ምንቁልቋል እዩ ዝኸውን ምስ ዝብል ሓሳብ ብምትሕሓዝ ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ቅትለት ጸረ እግዚኣብሕር እዩ ከምዝበለን ነዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣንካራ ሃይማኖታዊ ምኽንያት ዝደልይ ዓመጽ ኩሉ ብሓባር ብጽንዓት ከውግዞን ክቃወሞን ይግብኦ። ስለምታይ ከሃሌ ኵሉ ናይ ሕይወትን ሰላምን እግዚኣብሔር እዩ ምስ ዝበልዎ ሓሳብ ኣተሓሒዙ ሃይማኖት ሰላምን ሕውነትን ምክብባርን ምቅርራብን እዩ ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን ብርቱዕ ሓይሊ ሰላም እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስፈረ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ፣ ምእመናን ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብርትዑን ዘይድፈርን ዕቑር ሓይሊ ሰላም ዝተዓደለን ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ምእመን ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ሃይማኖታዊ ርእየቱን እምነቱን በስገዳድ ከቕርብን እቲ ካብኡ ዝተፈልየ ምእመን ብግዲ ይቀበሎ ክብል ኣይክእል እዩ። እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝፍጸም ናይ ሓባር ዘተ ብዙህነትን ህብረኣውነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን፣ ሓለዋ ሰብኣዊ ክብርን ፍቅሪ ሓቅን ዝብል እዩ፣ ብእትስዕቦ ሃይማኖት ምኽንያት ስደትን ምግፋዕን እንተጋጠመ እውን ኣብ ዘተ ምእማንን ዘተ ምንቕቓሕን ናይ ተስፋ ምልክት እዩ ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሕንጸት ካብ ስድራ ቤትን ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ሕውነት ሕንጸት ስፍራ ከምዝዀኑን ዘርኢ ሰብ ስድራ ቤት ምዃኑ ኣብ ሃይማኖትን ናይ ኣምልዀ ስፍራ ኵሉ ክቃላሕ ኣለዎ፣ ብፍላይ ድማ ስድራ ቤት ነቲ ናይ ጽባሕ ወለዶን ስድራን ክዋኔ መሰረት ብምዃኑ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሕውነትን ንምንባር ናይ ዘብቅዕ ሕንጸት ስፍራ ክኸውን ኣለዎ እንክብል ዘወጽኦ መግለጺ ከምዘጠቓለለ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.