2015-04-25 19:18:00

ሕይወትና ዝለወጠ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸብናሉ ጊዜ ወትሩ ምዝካር የድሊ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስቲ ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ኢየሱስ ንመጀመርያ ጊዜ ንዝረኸበና ጊዜ ፈጺሙ አይርስዖን ኢዩ፤ እቲ ጸገም ካባና ኢዩ፤ ረሳዕቲ ኢና! ጸጋ ዝኽሪ ክህበና እሞ ወትሩ ነዙይ ክንዝክር ን እግዚአብሔር ንለምን” እንክብሉ እንተደአ ብሓቂ ንኢየሱስ ረኺብና ዝተለወጥና ኰና ነዙይ ወትሩ ክንዝክሮ ሓደራ ቢሎም፣

ቅዱስነቶም መበገሲ ስብከቶም ዝገበርዎ ቃል አምላኽ ካብ ግብረ ሐዋርያት ዝተወሰደ ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ኢየሱስን ርክብ አብ ደማስቆስ ዘዘንቱ ክፍሊ ኢዩ፣ ኢየሱስ ንሕይወት ናይቶም ብቅንዕና ዝደልይዎ ንምልዋጥ ብአካል ብምርኻብ ኢዩ ዝገበሮ፤ እቲ አሳዳዲ ክርስትያን ዝነበረ ሳውል በዓል ተርሴስ አብ መንገዲ ደማስቆ ክርስቶስ ብ አካል ምስ ረኸቦ ማዕረ እቶም ካልኦት ሐዋርያት ልኡኽ ኮይኑ ክሳብ ምስያፍ ንወንጌል ክርስቶስ ደኺመ ሓሚመ ጸሚመ ከይበለ ሰቢኹ፣

እዚ ንመጀመርያ ንኢየሱስ ብአካል ብምርካብ ዝፍጸም ለውጢ ሕይወት አብ ሕይወት ሓዋርያት ዳርጋ አብ ኩሎም ንረኽቦ አርድ እቲ ዮሓንስ መጥምቅ ዝነበሩ ዮሓንስን እንድርያስን ምሉእ ምሸት ምስ ኢየሱስ ምስ አሕለፉ ሕይወቶም ይልወጥ ድሮ አበሰርቲ ኮይኖም ከአ እንድርያስ ነቲ ጴጥሮስ ብማለት ከውሒ ናይታ ሓዳስ ማኅበር ዝኾነ ስምዖን ረኺቡ የበሥር! ከምኡ እታ አብ ዔላ ያዕቆብ ንመጀመርያ ጊዜ ነቲ መሲሕ ዝረኸበት ሳምራዊት ሰበይቲ! እቲ ካብ ለምጹ ዝነጽሔ እሞ ከመስግን ዝተመልሰ ሳምራዊ! ዘፈር ክዳኑ ብምትንካፍ ዝሓወየት ሰበይቲ እኹል አብነታት ኢዮም፣ ስለዚ ልብና አይነትርር ንዘክር ንዘክር ምናዳ እታ ንመጀመርያ ጊዜ ጐይታ ዝረኸበና ፍጻሜ ወትሩ ንዘክሮ፣ ንሱ ፈጺሙ አይርስዕን ኢዩ፤ ረሳዕትስ ባዕልና ደአ! እስኪ ንሎሚ ዕዮ ገዛ ክህበኩም! አብ ገዛ ምስ ተመለስኩም ጐይታ ምሳይ አብ ጥቃይ አብ ሕይወት ከምዘሎ ዝተሰመዓኒ ግዜ መአስ ኮን ይኸውን ቢልኩም አስተንትኑ! ንጐይታ መአስ ኮን ኢየ ረኺበዮ! መዓስ ኮን ኢዩ ጐይታ ካባይ ሓደ ነገር ዝሓተተ! ሕይወተይ ብጐይታ ክልወጥ ዝተሰመዓኒኸ መአስ ነበረ ቢልና ነስተንትን፣

አብ ናብራና ሓቀኛ ዓርኪ ወይ መሓዛ እንብሎ ንመጀመርያ ጊዜ ረኺብናዮ ዝገበርዮ ዕላል ወትሩ አይርሳዕን ኢዩ፣ ምስ ኢየሱስ ከአ ከማኡ ኢዩ አብ ጕዕዞ ሕይወትና ንመጀመርያ ጊዜ ረኺቡ ነታ ፈላሚት ስጕምቲ ናይ ምሳኡ ሓቢርካ ምጕዓዝ ዝገለጸልና ካልኢት ዘይትርሳዕ ኢያ፣ ሕስብ እሞ አብልዎ አሽንኳይ ጐይታ ሰማይን ምድርን መድኃኔ ዓለም ማንም ሰብ ሕይወትና እትልውጥ ቃል ተግባር ምስ ዝብለና ወይ ዝገበረልና “ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” እንብል ሰባት ነቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ጕዕዞ ክንጅምር ብቃሉ ብግብሩ ንዝዓደመና ጸጋኡ ዝ ዓደለናን ክሳብ መወዳእታ ምሳና ዝጐዓዝን ኢየሱስ ከመይ ቢልና ክንርስዖ ንኽእል፣ እዚ በዅሪ ፍቅሪ እዚ ክርሳዕ የብሉን፣ ወትሩ ልቢ ንልቢ ምሳኡ ክነዕልል ም እንቲ ክንክ እል ዝኽሪ ክህልወና ጸጋኡ ክ ዕድለና ንለምኖ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.