2015-04-25 16:43:00

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፦ ሕንጸት ኣብ ናይ ዘተ ባህሊ


ኣብ ቀረባ እዋን ሕቡራት መንግስታት ዓለም መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምብዳህ ዓመጸይና ኣኽራርነት ክተግህን ንናይ ሰላም ሕንጸት ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፦ ኣባይቲ ስድራ ንደቃቶም ንተምሳልካ ኣብ ምኽባር ክሃንጹ መታን ደገፍ ክግበረሎም ይግባእ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ብመርበብ ሓበሬታ ዝግበር ጐስጓስ ምዕስካር

መንእሰይ ወለዶ ንናይ ዘተን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ባህሊ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንኣባይቲ ስድራ ምድጋፍን ምትብባዕን ኣገዳሲ እዩ። መንስይ ወለዶ ሓናጺ ሰላምን ደላይ ሰላም መታን ኰይኑ ክዓቢይ ኣብ ክቡራት ዋጋታት ከተኵር ዝድግፎ ኣብ ሕጸት ዘተ ኣባይቲ ስድራ ዘለዎ ተራ ዓቢ ምዃኑ ብምስትውዓል ብምሉእ ዓቕሚ ምድጋፍ ንስድራ ቤት ወሳኒ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝሓበሩን፣ ቀዳማይ ቤተ ሕንጸት ስድራ ቤት እዩ፣ ስለዚህ መንግስታት ኣብ ደገፍ ኣባይቲ ስድራ እንተድኣ ኣድሂቡ ብስድራ ቤት ኣቢሉ መንእሰይ ወለዶ ንናይ ኣኽራርነት ርእየት ዓለምን መጻወድያ ዒላማ ከይከውን ዝድግፍ ዘንቕሕ ሰላም ናብቲ መንእሰይ ወለዶ ከምዘብጽሕ ኣረጋጊጾም፣ ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ መላእ ሃገር ምድጋፍ ማለት እዩ ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ብምርበብ ሓቤረታ ዝፍጸም ግብረ ምዕስካር

መንእሰይ ወለዶ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣዚዩ ዝጥቀም ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምዃኑ በዚ ዝተራቐ ሓድሽ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ዘላልይን ዕርክነት ዝፈጥርን ርካባት እውን ዘጽንዕ ብምዃኑ፣ እዚ ዓቢይ ተበጽሖ ከይዲ ምዕባለ ብዙሓት ኣካላት ንምስፋሕ ግብረ እከይ ዝጥቀምሉን ዓመጽን ጽልእን ዝዘርእሉን ስለ ዝኾነ፣ መንእሰይ ወለዶ ንናይቶም ግብረ እከይ መጻወድያ ምቹእ ዒላማን መጋበርያ መንታን ከይከውን ኣብ ናይ መንነትን ባህላውን ሃይማኖታውን ቅልውላ ከይወድቕ ክድገፍ ሓደራ። ብፍላይ ድማ ነቲ ዝንዛሕ ግብረ እከይ ብብቕዓት ዝምክት ናይ ዘተን ናይ ሰላም ሕንጸት ክሰፍሕን ኣብዚ መዳይ መንግስታትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓቢ ግደ ኣለወን ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ናይ ዝተ ኣወንታዊ ክትዕ ማሕበራዊ መድረኽ ምትብባዕ

ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብሮ ኣብዚ እንበረሉ እዋን ዝርከብ መንእሰይ ግልጽን ሃናጽን ዘተ ዘወግድን ካብዚ ዓይነት ቅኑዕ ዘተ ዝኽወልን ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣክንዲ ዘተን ቁኑዕ ክትዕን ምይይጥን ኣብ ግትርናን ናተይ ሓሳብ ጥራሕ ብዝብል ኣስገዳድ ባህሊ እናተጸልው ብቐሊሉ ድማ ንናይ ኣኽራርነት መጋበርያ ይኸውን ኣሎ። ስለዚህ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፖለቲካን ንምሉእ ውህደት ዝድግፍን ስደተይናታት ከም ደቂ ሃገር ተቐባልነት ረኺቦም ሰብኣዊ ክብሮም መሰሎም ተሓልዩሎም ከንብሮም ዝኽእል ዕድል ክፍጠረሎምን ፍርሕን ጽልእን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ካልእ ሃገር ዝፈጥር ዓሌታዊ ባህሊ ኣይፋል ንኽብል ዘብቕዕ ሕንጸት ክረብ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ኣፍሊጠን።

ብዘይ ሃይማኖት መንእሰይ ወለዶ ዝተደናገረ እዩ ዝኸውን

ሃይማኖት ኣብ ኣወንታዊ ባህሊ ሕንጸት ዓቢይ ግደ ከምዘለዎን ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፦ መንግስታት፣ ሃይማኖት ካብ ማሕበራዊ መዳይ ክኣልዩን ኣብ ውልቃዊ ሕይወት ዝንበር ክኸውን ኣለዎ ቢሎም ዘካይድዎ ጓስጓስ ዝፈጥሮ ሃይማኖት ዝንጽል ባህሊ መንእሰይ ወለዶ ዝተደናገረ ክኸውን ዝድግፍ እዩ። ዝተደናግረ መንእሰይ ድማ ብቐሊሉ ዝተነጸለን ንናይ ኣኽራርነትን ኣሸባርነትን ኣደዳ ክኸውን ከምዝማርዀን ብተራኡ መጋበርያ ሽበራ ክኸውን ከም ዝዳርጐ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ሓቢሮም ንዝዘምብዐ ናይ ሃይማኖትን ባህላውን ማሕበራውን ክቡራት ዋጋታትን ከምዘቃልዖምን፣ ብቐሊሉ ንኣኽራርነትን ካብዚ ነቒሉ ድማ ጌጋ ርድኢት ሃይማኖት መሰረት ንዝገብር ርእየት ዓለም ዒላማ ንኽኾውንን ከምዝዳርጎ ተንቲኖም ኣብዚ መዳይ ናይ ሃይማኖትን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት መራሕቲ ነቲ ናይ ጽልእን ዓመጽን ተግባርን ብፍላይ ድማ ብስም እግዚኣብሔር ንዝፍጸም ሸበራን ቅትለትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህላትን ሃይማኖታትን ናይ ምርድዳእን ምክብባርን ባህሊ ብምንቕቓሕ ከውግዙ ሓደራ ከምዝበሉ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ስእነት ስራሕን ዓቕሊ ጽበትን ዝኣመሰለ ኩነት ነቲ ብቐሊሉ ተነቃፊ ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ንሓደጋ ከምዘቃልዖን እቲ ዘይተመዓራረየ ከይዲ ኤኮኖምን ምዕባለን ከምኡ ዝኣመሰሉ ነጻልን ወጋንን ከይዲታት ንናይ ዓለም ሰላንም ጸጥታን ድሕነትን ስጋእት ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፣ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ሰላም ባህሊ ዘነቓቕሕ ክኸውንን ነቲ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቓሚ ወለዶ ብቐረባ ኣብዚ ባህሊ ከንቕሖን በዚ መዳይ ኣቢሉ ድማ ነቲ ናይ ዓመጽን ኣኽራርነትን ሸባራን ባህሊ ክምክቶን ከሰንፎን ይግባእ ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድሕረ 2015 ዓ.ም. መደብ ልምዓትን ምዕባለን ንምጽናዕ ነቲ ዝተኸተሎ መደብ ልምዓት ምልስ ቢሉ ክርእዮ ኣሚቱ ዘካይዶ ጉባኤ፣ ኣብ ዓለም ንልዕሊ 660 ሚሊዮን ዜጋታት ካብ ጽንኩር ድኽነት ንምልቓቕ እንክብል ዝሓንጸጾ መደብ ብዕምቆት ክምልቶን ተበጽሖታቱን ድማ ክጽንዕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ድኽነት ገና ከምዘይተሳዕረን ኣብ ዓለም ልዕሊ 1.2 ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ናይ መብራህቲ ተጠቓሚ ከምዘይኰነን፣ 870 ሚሊዮን ዜጋታት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዔን 780 ሚሊዮን ድማ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ዘይረክብ ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቂሶም ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መንግስታት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ብምርግጋጽ ብፍላይ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ብድኽነት ክጥቕዑ ንዝኽእሉን ኣብ ጽንኩር ድኽነት ንዝርከብ ካብቲ ሕሱም ናብራ ንኸላቕቑ ክድግፉ ሓደራ ቢሎም መንግስታት ንምርግጋጽ መደብ ልምዓት 2015 ዓ.ም. ብቑዕ ሃብቲ ገንዘብ ክውዕሉ ሓደራ ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.