2015-04-25 16:47:00

ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ


ኣብ ኡክራይን ናይ ሰላም ከይዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘብቅዕ መገዲ ንምምልካትን ኣብ ዓለም ኩንታት ማሕበረ ክርስቲያንን ሰላም ኣብ ዓለም ንምርግጋጽ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዓመጽን ውግእን ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዓለም ኣቢያተ ክርስቲያን ዘለዎን ግደን ከካይድኦ ዝኽእላ ጻዕርን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ኣብ መንጐ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስስቲያን ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይትን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪሊ ናይ ሓባር ምይይጥ ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

ኣብ መንጐ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይትን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተኻየደ ርክብ፣ መጋቤ ትቫይት ኣብ ኡክራይን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከተበርክት ተኽእሎ ከምዘለዎ እንከመልክቱ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይቲ ግጭት ኣብ ዘለሎ ቦታ ዝነብር ሕዝቢ ኩነት ዘተሓሳብ ምዃኑ ዝገልጽ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘቕረቦ ሓሳብ ከምዝደገፍዎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ከምእተመልከተ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዛዕባ ኡክራይንን ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ሊቢያን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ኡክራይን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ክተግሃን ስደት ማሕበረ ክርስቲያን ኣዚዩ ዘትሓሳስብ ከምዝዀነን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕለው ኣብ ጀነቭ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ብምዝካር ድሕሪ ጽድያ ሃገራት ዓረብ ስደት ክርስቲያን ከምዝበኣሰን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ ጉዳይ ብቑዕ መልሲ ብዘይ ምሃቡ ድማ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያ ፓትሪያርክ ናይ ርክባት ምስ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ሓላፊ ሜጥሪፖሊታ ሂላሪዮንን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ሓላፊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ሜጥሮፖሊታ ገናዲዮስን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ፓትሪያርክ ኣብ ጀነቭ ወኪል ሊቀ ካህናት ሚካሃይል ጉንዲያአቭ ከምእተሳተፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.