2015-04-28 16:40:00

ናይ ረፓብሊካዊት ቱርኪ ሰሜናዊት ቄጵሮስ


እታ ብቱርክ ጥራሕ ተፈላጥነት ዘለዋ ሰሜናዊት ቀጵሮስ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ እቲ ናይ ማሕበራዊነት ዴሞክራሲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከምእተዓወተን ናይዚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ 67 ዓመት ዕድመ ዝዕድሜኦም ሙስታፋ ኣኪንቺ ብ60% ምእታዊ ድምጺ ናይታ ረፓብሊካዊት ሰሜን ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ከምእተሓረዩ ተሓቢሩ።

ሕዝቢ ናይታ ካብ 1974 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሓይሊ ምክልኻል ቱርኪ እትርከብ ሰመናዊት ቄጵሮስ ዝሃቦ ድምጺ እደ ኣታውነት ማከላዊ መንግስቲ ኣንካራ ክእለን ዝብልን ምስታ ግሪካዊት ቄጵሮስ ንሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ንኽተባባዕ ዘለዎ ድላይ በቲ ዝሃቦ ድምጺ ኣቢሉ ዘረጋገጸ ከምዝመስል ናይ ስነ ቄጵሮስ ሊቅ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ልዊስ መንበረ ጥበብ መምህር ቫለንቲና ስኮቲ ብዛባ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ስሜናዊት ቄጵሮስ ኣመልኪተን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.