2015-05-07 16:36:00

ኣባ ፒዛባላ፦ ኩነታት ሶሪያ ኣዚዩ ዝተሓሳስብ እዩ


ህሉው ኩነታት ሶሪያ ብፍላይ ድማ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍኤ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር፣ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዓቢይ ገበን ዝፍጸመላን ቅትለትን ማህሰይትን ስቓይን ደብዳብ ኣየርን ተወንጫፍን ዘዕለቕለቓ ሃገር ምዃና እውን እንከመልክት፣ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ

ይጽዕር እውን እንተሃለወ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላምዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ዕጡቓት ሓይሊ ዓቢይ ዕንቅፋት ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ የውርድ ከምዘሎ ዝሃውቦ መግለጺ መሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሶሪያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣክይዶም ዝተመስሉ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ንብረት ኣመሓዳሪ ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ኩነታት ሶሪያ ዘሰንብድን ዜጋ’ታ ሃገር ብፍላይ ድማ ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚዩ ዝትንክፍ ንስቓይን ሞትን ስደትን ዝበራረየላን፣ ኣሌፖ እታ ኣዚያ ምድሪ ስቓይን መከራን ኰይና ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ዝጎደላን ብዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይን መግብን ዝተጠቕዔትን ወትሩ ናይ ኣየርን ተወንጫፍት ደብዳብ ዝረአየላን ከምዝኾነት ሓቢሮም ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ብቓላት ክትገልጾ የሸግር፣ ናይቲ ከበቢ ኩነት እዚዩ ጽንኩር እውን እንተዀነ ሰላማዊ ሕዝቢ ተስፋ ሰኒቑ ንቕድሚ ይብል ኣሎ። ካብቲ ውግእ ዝረአየሉ ከባቢ እናተሰደ ብዝተፈላለያ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ሶሪያ እናተደገፈን ሰላም ብተስፋ ይጽበይ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ጽንኩር ኩነት ሰላማዊ ሕዝቢ ንሓድ ሕዱ ክደጋገፍ ከምዘበርትዖን ገሊጾም፣ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ማዕከላይ ምብራቕ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ፖለቲካውን ሰብኣውን ዓቕሚታቱ እዋዲዱ ክዓዩ ጽዋዒት ኣቕሪቦም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.