2015-05-09 20:01:00

፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2007 ዓ.ም. ግንቦት 2 2007 ዓ.ም. (5/10/2015)


 

መዝሙር፡ “አርአዮ ሥልጣኖ. . . ።  “ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናና ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”። ንባባት፡      ፩ቆሮ 15፡50-ፍ፥ 1ዮሓ 3:18-24፥ ግ.ሓ. 9:26-31፥ ዮሓ 15፡1-5  ስብከት፡“እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።

አብዚ ፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ቤተ ክርስትያን እተዘኻኽረና አብ ክርስቶስ አሚና ምስኡ ክነብር እንከሎና እቲ ሓቀኛ ተኸሊ ወይኒና ዝኾነ አምላኽ ምሳና ይነብር ንሕና ኸአ ምስኡ ከም እንነብር ትነግረና። ሎሚ ምስቲ ሓቀኛ ተኽሊ ወይንና ዝኾነ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክነስተንትን ከምኡ አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦት አሕዋትና ዘምጽኦ ጸጋ በረኸትን ርኢና ክንክእል እሞ ሽዑ ምስኡ ድልዱል ርክብ ክንፈጥር ዘዘኻር ሰንበት እዩ።

ካብ ግ.ሓ. ዝተነበና ሓደ አገዳሲ ነገር እንርእዮ ጳውሎስ ቅጽበታዊ ለውጢ ምስ ገበረ ሕይወቱ ብምሉእ ቀይሩ። ብስም ኢየሱስ አሚኑ ዓቢ ሰባኻይ ኮይኑ። አብ ተልእኮኡ ከየፍረየ ክሓልፍ ስለ ዘይደለ ለይትን መዓልትን ከየዕረፈ አብ ኩሉ ሰቢኹ። ቀሊጢፉ ካብ ሳውል እቲ አሳዳዲ ዝነበረ አብ ጳውሎስ ሰባኺ፥ አበሳራይ ሰናይ ዜና ወንጌል ክርስቶስ ኮይኑ። ፍረ ናይ ኢቲ ጽኑዕ እምነቱን ዘይሕለል ስብከቱን ትምህርቱን ጽሑፋቱን ክሳብ ሎሚ አብ ምሕዳስ ሕይወትን ስብከተ ወንጌልን ዓቢ አበርክቶ ይገብር እሎ። ንሱ ዕዉት ዝኾነ “ድልዱል ጨንፈር” አብ ክርስቶስ ኮይኑ ስለ ዝሰርሓ እዩ። ንሱ ምስ ክርስቶስ ጥራሕ አይኮነን ነሩ ብኹሉ ስርሑን ግብሩን ጽቡቕን ብዙሕን ፍረ አፍርዩ።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያን አብ መጀመርያ ንጳውሎስ አይአመንዎን ምናልባት ከታልሎም ከይከውን ፈሪሖም ክቕበልዎ አይደልዩን እንተ ኾነ አብ ክርስቶስ ዘለዎ ፍቕርን እምነትን አብ ግብሪ ከርእዮም ምስ ጀመረ ብፍላይ አብታ ማሕበር ዘርአዮ ፍቕርን አገልግሎትን ቀልጢፎም ክአምኑ ክኢሎም። ብዘይ ፍርሒ ክሳብ ሕይወቱ አብ ሞት ዘስግእ ክሰብኽ ምስ ረአዩ፥ ፍረ እምነቱን ከምኡ ፍቕሩ አብ ግብሪ ምስ ረአዩ፥ ካብኡ ንድሓር ኢየሱስ ጎይትኡ ከም ዝኾነ አሚኖም። ጳውሎስ ብስብከቱን ብኹሉ ተልእኮኡን ንብዙሓት አብ እምነት ክርስቶስ አምጺኡ እዚ ኹሉ ሕይወቱ ሓቀኛ ምስክርን ዘፍረየን ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ ድልዱል ጨንፈር እሞ እቲ ካብኡ ዝድለ ዘፍረየ እዩ። አብነት ነፍስወከፍና ኸአ እዩ።

አብ ካልአይቲ ንባብ ካብ ፩ዮሓንስ አብ ሕይወትና ከም ክርስትያን አፍረይቲ ክንከውን እንተ ኾና ከመይ ዝበልና ክንከውን ከምዝግብአና ክንርኢ ይሕግዘና። “ደቀይ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓልን ብልሳንን አይንፋቐር፥ ካብ ሓቂ ምዃና ኸአ በዚ ኽንፍለጥ ኢና” (1ዮሓ 3፡19)። ብኻልእ አገላልጻ ዮሓንስ “ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ” እዩ ዝብለና ዘሎ። ንቃል አምላኽ አብ ግብሪ ክሳብ ዘየርአናዮ ነኽብሮ ነፍቅሮ ክንብል አይ ክአልን እዩ። አፍሪና ክንብል ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና እሞ ዝርአ ፍረ እንፍሪ ክንከውን አሎና። እዚ እዩ ንልቢ ሰባት ዝትንክፍን ንሰባት ዝቕይርን፥ ስለዚ ሓቅን ግብርዊ ዝኾነ ነገር ክርአ አለዎ። ዮሓንስ ነዚ አሕጺሩ ክነግረና እንከሎ “ትእዛዛቱ ከምቲ ንሱ ዝአዘዘና ገርና ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንአምንን ንሓድሕድናውን ክንፋቐርን እዩ፥ እቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝሕሉ እግዚአብሔር አብኡ ይነብር፥ ንሱውን አብ እግዚአብሔር ይነብር” (1ዮሓ 3፡23)። ብኻልእ አዘራርባ አብ ቅድሚ ክርስቶስ መን ምዃና ክነረጋግጽ እንተ ኾና አብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ጭቡጥን ሓቅን ዝኾነ ፍቕርን ልግስን ከነርኢ አሎና። እዚ ንገብር እንተ ኾና ብሓቂ አብ ክርስቶስን ከም ዘሎና መረጋገጺ እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ብምሳሌ ወይንን ጨንፈርን ገሩ ምስኡ ሓቢርና ክነብር እንከሎና ሕይወት ዝህብ ጸግኡ አባና ከምዝመሓላለፍ ምስኡ ርክብ እንተ ዘይብልና ግን ደርቂ መንፈስ አጥቂዑና ከም እንመውት እዩ ዝነግረና።

አብ ብሉይ ኪዳን አብ ብዙሕ እስራኤል ከም ተኽሊ ወይኒ አምሲሉ ዝገልጽ ንረክብ። አብ ኢሳያስ 5፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና እስራኤል ብተኽሊ ወይኒ ተመሲላ ንርኢ።አብ ኤርምያስ 2፡21 “ካብ ጥዑም ዝዓይነቱ ወይኒ ወሲደ ከም ኅሩይ ሓረግ ወይኒ ገረ ተኸልኩኺ ከመይ ኢልኪ ድአ አብ መጺጽ ወይኒ ተለወጥኪ” ይብል። ሆሴዕ ነቢ ኸአ “ህዝቢ እስራኤል ከም ብዙኅ ዝጨናፍሩን ብዙኅ ፍረ ዚፈርን ተኽሊ ወይኒ እዩ” (ሆሴዕ 10፡1)። ተኽሊ ወይኒ አርማ መንግስቲ እስራኤል ኮይና። አብ ናይ መቃባውያን ገንዘብ ከም ምልክት ተሳኢላ ንረኽባ። ሓደ ካብቲ ንቤተ መቕደስ ዘገርም ዝገብሮ አብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ቦታ ብቕድሚት ወርቃዊ ስእሊ ወይኒ ይርከቦ። ስለዚ ወይኒ ቀንዲ ናይ አይሁድ ምልክት አብ ኩሉ ታሪኾም እዩ። አብ ምሉእ ምድረ እስራኤል ወይኒ ይበቁል፥ ስለዚ ኸአ ኢየሱስ ብዛዕባ ተኽሊ ወይኒ ክዛረቦም እንከሎ ብቐሊል ይርድእዎ ነሮም። ጠባያት ናይ ወይኒ ምአስ ከም ዝቕምቀም ነቲ ሕማቕ ጨንፈር ክምቅዝዎ ከምዘለዎም ነቲ ፍረ ዝህብ ከአ ክሓድግዎ ኩሎም ዝፈልጥዎ እዩ። አብ ተኽሊ ወይኒ ሓደ ፍረ ዝህብ ጨንፈር ካልእ ከአ ፍረ ዘይህብ ጨንፈር አልኦ ስለዚ አለሊኻ ምኽአል የድሊ። እቲ ፍረ ዘይህብ ጨንፈር ተቖሪጹ ይድርበ ድሕሪ ዘይተአለ እቲ ተኽሊ ፍረ ክህብ አይክእልን እዩ።

ኢየሱስ ንኹሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ንኹሎም ዝኸተልዎ ከምዚ ጉዕዞ ክጉዓዙ ነጊርዎም። ገለ ካብ ተኸተልቱ ጽቡቕ ፍረ ዝፈርዩ እዮም ገለ ኸአ ጽቡቕ ዘይፈርዩ ከምዘለዉ ክፈልጡ ነዚ ብግሁድ ሓቢርዎም። ጽቡቕ ፍረ ክንፈሪ ቀጻሊ ምጽልጻል የድልየና። አብ ሕይወትና ክአ አፍረይቲ ከይንኸውን ዝዓግተና ብዙሕ ነገር አሎ በዚ ኸአ ካብ ምንጭና ዝኾነ ክርስቶስ ተፈሊናን ንነብር ሎሚ ነቲ ዘይፈሪ ነገራትና ክንአልዮ እዋኑ እዩ።  አፍራዪ ከይከውን ዝዓግተኒ እንታይ አሎ?

ወንጌል ብቐጻሊ ጸኒዕና ድልዱሉ ርክብ ምስቲ ጉንዲ ሕይወትና ዝኾነ ክርስቶስ ክንገብር ዝጽውዕ እዩ። አብ መንጎናን አብ መንጎ ክርስቶስን ክህሉ ዝግብኦ ርክብ አብ መዓልታዊ ሕይወትናን ተግባራትና እዩ ዝግለጽ። እዚ ኸአ ከምቲ አብ መንጎ ኦምን ጨንፈርን ዘሎ ርክብ እዩ። ዝኾነ ጨንፈር ፍረ ከፍሪ ምስ ኦም ርክብ ክህልዎ አለዎ ካብ ኦሙ ዝተፈንጨለ ጨንፈር ሓንቲ ፍረ አይፈሪን እዩ እኳ ድአ አብ ሓዊ እዩ ዝድርበ። ልክዕ ከምኡ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ከም ክርስትያን ምስ ክርስቶስ እቲ ኦምና ዝኾነ ብስሙ ዝተጠመቕና ምስኡ ቀጻልን ሕያውን ርክብ እንተ ዘይብልና ከነፍሪ አይክአልን እዩ። አብዚ ሓደ አገዳሲ ነገር አሎ ምስ ክርስቶስ ምዃን ክንብል እንከሎና ዓላማ አለዎ ፍረ ክነፍሪ ምእንቲ እዩ እምበር ብስም ናይ ክርስቶስ ኮና ዘይነፍሪ ክንከውን ንኽእል ኢና። ፍረ ክነፍሪ ማለት ከአ አብ ኩሉ ሰናይ ግብሪ ምሕዋስ ንኹሉ እቲ ፍቕሪ ሰላም ቅድስና፥ ንጹሕ ክብረት፥ ንአምላኽን ሓውናን ምፍቃር፥ ከምኡ ብዙሕ ካልእ ነገራት ንልቢ ካልኦት ዝትንክፍ እሞ አብ አምላኽ ዝመልስ ምግባር ማለት እዩ።

ፍቕሪ አብ ተግባር፡

ቅዱስ ዮሓንስ ፍቅሪ አብ ግብሪ ጥራሕ እያ እትግለጽ ይብለና። ኢየሱስ ምሳና ከምዘሎ ዘረጋግጸልና ፍቕሪ አብ ግብሪ እነርእ እንተ ኾና ጥራሕ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ብቀለዓለም ሰብ ከይብለኒ ኢልና ልብና ርሒቝን ጸሊኡን እንከሎ ዘፍቅርና ክንመስል ንደሊ ኢና እዚ ግን ርእስኻ ምጥፍፋእ እዩ። ፍቕሪ ብቓል ብግብሪ ክትግለጽ አልአ። እዚ አብ ባህሪ ኤለርቲክ ከም መርድኢ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ሓደ ሰብ ድልዱል ናይ ጎማ ሳእኒ ገሩ እንከሎ ንሓይሊ ኤለትሪክ እንተ ሓዘ እቲ ኤለትሪክ ብሰውነቱ ስለ ዘይሓልፍ ሓንቲ አይገብሮን እዩ። እንተ ኾነ ጥራሕ እግሩ አብ ጥቕኡ ማይ እንከሎ ንኤለትሪክ እንተ ሓዘ ወላ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ድንገት ከስዕበሉ ይኽእል።

ኤለትሪክ ብአይ አቢሉ እንተ ዘይሓለፈ አባይ የለን ማለት እዩ። ፍቕሪ አምላኽ ከአ ልክዕ ከምኡ እዩ። ነቲ አምላኽ ናባይ ዘመሓላልፎ ፍቕሪ ብአይ አቢሉ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እንተ ዘይከአለ ናባይ እውን ክመጽእ አይክእልን እዩ። አነ ፍቕሪ አምላኽ ከስተማቕር ክምከረሉ እንተ ኾይነ ካልኦት ልክዕ ከማይ ክምከሩሉን ከስተማቕርዎን አለዎም። አብዚ ወላ ንሓደ ሰብ ክፈሊ የብለይን ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንሓደ ሰብ ዝፈሊ ስለ ዘይኮነ።

ከምዚ ክንገብር ከሎና ጥራሕ ኢና ሕያዎትን ጥዑያትን እንኸውን። ጥዑያት ሕያዎት እንኸውን ፍቕሪ አምላኽ ብአናን አብናን ገሩ ስለ ዝዓዪ እዩ። ንሕና ብዙሕ ጊዜ ብአንጻሩ ኢና እንርእዮ “መጀመርያ ጥዑይን ሕያዋይን እንተ ኾንይነ ድሕሪኡ አምላኽ የፍቕረኒ ንብል”፥ አብ አምላኽ ግን ከምኡ አይኮነን ንሱ ዘፍቅረኒ አብ ግብረይ ተመርኲሱ አይኮነን፥ዘፍቅረኒ ንሱ ብርእሱ ፍቕሪ ስለ ዝነ እዩ። አምላኽ ብግብርና አይጽሎን እዩ። አን ጽቡቕ ዝገብር ፍቕሩ አባይ ክዓዪ ስለ ዘፍቀድኩ እዩ። ሕማቕ ክገብር ከሎኹ ንፍቕሪ አምላኽ እዓጽዎ ልበይ አይከፍትን ሽዑ ብናተይ መገዲ እምራሕ እዚ ኸአ መንፈሳዊ ሞት የስዕበለይ።

ብግብረይ ንፍቕሪ አምላኽ ክረኽቦ እኽእል እየ ዝብል ክንሓድጎ አሎና። አምላኽ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩ አይኮነን ዘፍቅረኒ። አነ ሕያዋይ ዝኸውን ዘሎኹ ፍቕሪ አምላኽ ብአይን አባይን ክዓዪ ስለ ዘፍቀድኩ እዩ። አብ ገለ እዋን አብ ግብሪ ቃላት እውን ይሕውስ እዩ። አብ ገለ እዋን ንሰባት ፍቕርና ብግብሪ ዝያዳ ክንገልጸሎም ንኽእል አብ ብቃላትና እውን ክንገልጾ አሎና። ወለዲ ንደቆም በቲ ዝገብርሎም ሓልዮትን ምእንትኦም ብዘውጽእዎ ብዙሕ ወጻኢታት ፍቕሮም ክገልጹሎም ይኽእሉ እዮም ግን አብ ገለ እዋን ከአ ብኸምዚ ዝሓለፉ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ዝግበረሎም ከም ግቡእን ብዙሕ ዋጋ ከይሃብዎ ዝዓብዩ አለዉ ስለዚ ቃላት የድሊ እዩ። ክትነግሮም ዝበለጸ እዩ።

አብ መወዳእታ ናይ ሎሚ ሰንበት ንርእስና ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክንሓትት ዕድል ይኸፍተልና። ምስ ኢየሱስ መድኅነይ ከመይ ዝበለ ርክብ አሎኒ? ምስኡ ርክብ አሎኒዶ ወይስ አብ ገለ ዝፈላልየኒ ነገር ገረ አሎኹ? ምስ ኢየሱስ ዘሎኒ ርክብ ምስ አብ ከባቢአይ ዘለዉ ሰባት ይሕግዝድዩ? እዚ ሕቶታት አገዳሲ እዩ ምኽንያቱ አብ ኢየሱስ እኣምንን ምስኡ አሎኹ እናበልና ምስ አብ ከባቢና ወይ እውን ምሳና ዘለዉ አብ ጽልኢ ክንህሉ ይክአል ወይ እውን አብ ከባብና ከቢድ ጸገም ወይ ስእነት ወይ እውን ሓገዝ ዘድልዮም እንከሎ ሱቕ ኢለ እነብር ክህሉ ዝክአል እዩ። ስለዚ ብሓቂ ምስ ክርስቶስ እንተሎና ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ አለዎ። እዚ ኸአ ጽቡቕ ግብሪ ብምግባርና ንኻልኦት ምስ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ተኽልና ክሓብሩ ምኽንያት ክንኮኖም አሎና።

ሕያው ዘሎኹ ወይስ ምዉት፡

ነፍስወከፍና ንርእስና ሓቲትና ክንክእል አሎና ብሓቂ ሕይወት ዘለዎ ጨንፈርድየ ዘሎኹ ወይስ መይተ አሎኹ ሕያው እንተ ኾንኩ ከፍሪ አሎኒ። ከም ክርስትያን ክነፍሪ ሕሩያት ኢና እዚ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ዘይኮነ በብዓቕምና ክነፍሪ ትሑዛት ኢና። ሰባት ንአይ ምስ ረአዩ ክንደይ እዮም አብ አምላኽ ዝቐረቡ ዘለዉ? ክንደይ ሰባት እዮም ብሳላይ አብ መንበር ንስሓ አትዮም ዝተነስሑ/ ዝተዓርቁ. . . . ሰባት በቲ እንነብሮ ጥራሕ እዮም ልቦም ተተንኪፉ አብ ጽቡቕ ክምለሱ ዝኽእሉ።

እምብአር ጭናፍር ክርስቶስ ካብ ኮና ብጽቡቕ ግብርና አብ ግራት አምላኽ ከከም ዓቕምና ገለና ሰላሳ ስሳ ሚእቲ ክነፍሪ አሎና። ከም ብዓል ሓንቲ ቅርሺ ከይንኸውን ሎሚ ብምሉእ ልብና ሰላም ፍቕሪ ምሕረት ክንሰብኽ አብ ግብሪ አብ ሕይወትና ክነርእዮ አሎና።

ኦ ክርስቶስ አምላኸይ ጽቡቕ ፍረ ንአኻ ዘሓጉስ ከፍሪ ካባኻ አይትፍለየኒ ኵሉ ጊዜ ፍቕርኻን ፍቕሪ አሕዋተይን አባይ ዝዓብየሉን ዘፍርየሉን ጸጋ ዓድለኒ ንበሎ ነዚኸአ ይብቅዓን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

 








All the contents on this site are copyrighted ©.