2015-05-12 16:14:00

ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን


እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝጅመር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ምኽንያት ዕለት 11 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ኣብ መንጐ ናይ ኢጣልያ ኣወሃሃዲ ጉጅለ ናይ ምሕረት ዓመትን ኢዮቤልን ናይ ቅድስት መንበር ኣወሃሃዲ ጉጅለ ናይ ምሕረት ዓመት ርክብ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ጉጅለ ኣወሃሃዲ ናይ ምሕረት ዓመት ኣባላት ናይ ኢጣሊያ ምኽትል መራሔ መንግስቲ ክላውዲዮ ደ ቪንቸንቲን ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ኣመሓዳሪ ኒኮላ ዚንጋረቲን ምኽትሎም ማሲሞ ስመሪሊዮን ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ኢኛዚዮ ማሪኖን ናይ ሮማ ከተማ ናይ ማሕበራዊ ዕዩ ጉዳይ ሓላፊ ማውሪዚዮ ፑቺ ክዀኑ እንከለዎ ብወገን ቅድስቲ መንበር ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሐፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ግራሃም በል ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ምሕረት ዓመት ንምስንዳው ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር መንግስቲ ኢጣሊያ ዝግበር ምትሕብባር ናይቲ ቅዱስ ዓመት መንፈሳውን ባህላውን ክብሩን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሮማ ጸዋዕታ ንሱ ድማ ምእንጋድ መንፈሳውያን ነጋዶ ዝብል ተልእዀ ንምሕያል ኣብ ዝብልን ዝብጽሑ ቅዱሳት ስፍራን ናይ ኢጣሊያ ቅዱሳት ቅርስታትን ከምኡ ኣውን ናይ ጸጥታን ድሕነት በጻሕትን ውሑስ ክኸውን ኣገልግሎት መውሃቢ ሕክምና ምሕያልን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዘተየ ገሊጹ፣ ናይ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን ጉጅለ ኣወሃሃድቲ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ናይ ሓባር ዕዩ ኣብ ቀረባ እዋን ክብገስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.