2015-05-12 16:18:00

ብፁዓን ጳጳሳት ጋና፦ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ግፍዒ ኰኒኖም


ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ስቅያት ከብቅዕን ናይ ስደተይናታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓለዋን ዝብሉ ነጥብታት ብዘጠቓለለ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝተዛዘመ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ጋና ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ናይ ጋና ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ስቅያት ንኹንን

ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ግፍዒ ዘስካሕክሕን ዘሰንብድን ከምዝዀነን እቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ብኣኽረርቲ ኣሸባርያን ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ዝፍጸም ዓመጽን ስቓይን ግፍዕን ክውገድን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብዘይ ቅድመ ኩነት እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክኹንናን፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኣባላት ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ እቶም ብእምነቶም ምኽንያት ዝስደዱን ዝቕተሉን ንዝተፈላለየ ስቓይ ዝዳረጉ ክጽልዩ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ጋና ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ዝወድኦ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ጋና ናይ ሃይማኖት ምስልምና ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሔ ኢማም ኡሱማኑ ኑሁ ሻሩቡቱ ኣብ ጋና ኣሸበርቲ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ሶሊኾም ምስቶም ሰላማውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከይሕወሱ ክጥንቀቑን ካብቲ እቶም ቦኮ ሓራምን ኣልቃይዳን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝነዝሕዎ ስነ ሓሳብ ገዛእ ርእሱ ክሕሉ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘተሓሳሰቡ መግልጺ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጋና ኣፍሊጡ።

ኣብ ጋና ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምክብባርን ምቅርራብን ክህሉን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከይዝረግ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ፍልልይ ብዘይገድስ እቲ ዝንበር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክሕሎን ካብቲ ንጽልእን ዓመጽን ግርጭት ዝዳርግ ተግባር ኩሉ ተቖጢቡ ብምክብባር ምንባር ይረጋገጽ ከምዝበሉ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

ስደተይናታት ምክልኻልን ኣብ ኣፍሪቃ ስሉጥ ናይ ኤኮኖሚ ፖሊቲካ ምንቕቓሕ

እቶም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽር ላዕልዎት ኣካላትን ስደት ኣፍሪቃውያንን ኣብ ምድረ በዳን ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዘጋጥሞም ሓደጋን ሞትን ኣዙዩ ዘሕዝን ምዃኑን መንግስታት ሃገራታ ኣፍሪቃ እቲ ንሞትን ንስቓይን ዝዳርግ ጸኣት ክዕገት ዘብቕዕ ውሳኔታት ከረጋግጹን ኣቲ ንኣፍሪቃውያን ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ኩሉ ዝፈትሕን ናብራ ኣፍሪቃውያን ንኸመሓይሽ ዝድግፍ ፖለቲካን ናይ ኤኮኖሚ ፖሊቲካን ክትግብሩን ስእነት ስራሕ ንምውጋድ ዝድግፍ ናይ ስራሕ ፖለቲካ ክሕንጽጹን ኣፍሪቃውያን ኤውሮጳ መንበሪ ኩሉ ሃንቀውታ እያ ቢልካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑን ተኣሚኖም ኣብ ገዛእ ሃገርካ ርሒጽካን ጽዒርካን ምንባር ቅሳነት ከምዝኾነ ክርድኡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘተሓሳሰቡን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት መዳይ ምስ መንስታት ሃገራታ ኣፍሪቃ ብምታሕብባር እተበርክቶ ኣገልግሎት ሕጋውን ወግዓውን ተፈላጥነት ክህልዎን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን መደብ ሕንጸት ሞያውን ስነ ፍልጠትን ዘጠቓለለ ኣብ ሕንጸት ምሉእነት ሰብኣውነት ዘተኮረ ከምዝኾነ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ተፈላጥነት ክህብሉን ድማ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ኣፍሪቃ ፖለቲካን ኤኮኖምን መደብ ሕንጸት ሕዳሴ ዘድልዮ ከምዝኾነን ኣብ ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ብዘተኩር ሜላ ክምራሕ ድማ ሓደራ ቢሎም ምእንቲ ሰላም ሃገሮምን መላእ ኣፍሪቃን ዓለምን ኩሉ ክጽሊ ጻውዒት ከምዘቕረቡ መግለጺ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጋና  ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.