2015-05-14 16:24:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓልዮ


ወትሃደራዊ ሞያ ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምርግጋጽን እቲ ውግእ ንስቓይ ንዝዳርጎ ትሑታትን ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓልዮን ክንክንን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡ ዘገልግል እዩ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ድማ ልዑል ክብሪ ወተሃደራዊ ሞያ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ መንነትን ተልእኾን መንፈሳዊ ሓልዮ ሓይሊ ምክልኻል ናብ ዘካይዶ ዘሎ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ክርስቲያን ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ጸዋዕታ ክርስትናኡ ብይጽንሓለይ ዝነበሮ ኣይኰነን፣ ምእንቲ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ገዛእ ርእስኻ ክሳብ ምሕላፍ ዝብል ልዑል ናይቲ ምእንቲ ብጻይ ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዝዓቢይ ፍቕሪ ከምዘየሎ ዝገልጽ ምስቲ ዝሞተን ሞት ስዒሩ ዝተንስኤን ክርስቶስ ምሕባር ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተጻብኦ ብፍቕርን ምሓረትን ምትካእ

ቅዱስ ኣቦና ማሕበረ ክርስቲያን ኩሉ፣ ሰዓቢ ክርስቶስ እዩ ዝብል ብልጋሰ ፍቕርን ምሕረትን ዓቲሩ ዝተፈቕረን ዝተማሕረን ምዃኑ ተኣሚኑ በዚ መንፈስን ብቤተ ክርስቲያን ተመሪሑ ስቓይን ሞትን ብእምነትን ተስፋን ብናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሓልዮ ተመሪሑ ዝነብር እዩ። ዓመጽ ብዓቕልን ፍትሕን ተጻብኦ ብፍቕርን ምሕረትን ዝትክእ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 11 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝተጀመረ ምዃኑ የዘኻኽር።

ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ምእመና ተልእኾ ንናይ ሕይወት ባህልን ሓለዋ ሰላምን እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት እቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ሓይሊ ምክልኻ ጳጳሳዊ መንፈሳዊ ሓልዮ ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳት ራብዓው ዓውደ ጉባኤ ንምብጋስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት መንፈሳዊ ሓልዮ ዝብል ኣብ ሓዋርያዊ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ መምርሒ ንሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ኣብ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝትርጎም ክኸውን ከምዘለዎን፣ ኣብቲ ፍሉይ መምርሒ ሰፊሩ ዘሎ ተልእኾ ሓይሊ ምክልኻል ንናይ ሕይወት ባህልን ሰላም ሓልዮን እዩ ዝብል ሓሳብ ዝትግብር ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ራእይ ሰላም ካብቲ ሱቕታ ኣጽዋር ውግእ እዩ ዝብል ክንየው እዩ

ናይ ሓይሊ ምክልኻ መንፈሳዊ ሓልዮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምንቕቓሕን ሓልዮን ሰላም ዝምስክርን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ኣብ ውግእን ውጥረትን ሰላም ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን እውን እንተኾነ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘማዕድውን ካብ ውሱን ብሔራዊ ጥቕሚ ክንየው ናይ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ልዑል ኣድላይን ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ኣገልግሎት መግለጺ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ገሊጾም፣ ወንጌልን ክርስቲያናዊ ግብረ ገብን ምብሳር ብዝብል ጸዋዕታ ዝምራሕ ከምዝኾነን ቤተ ክርስቲያን እተመልክቶ ሰላም እዚ ድማ ሰላም ውግእ ኣብ ዘየልሉ እዋን ዝንበርን ኣጽዋር ውግእ ትም ኣብ ዝብለሉ ዝረአይ ኩነት እዩ ካብ ዝብል ጸቢብ ትርጉም ሰላም ክንየው ዝምልከትን ሓልዮ ንድኻታትን ሕዙናትን ፍትሕን ዘጠቓልል እዩ፣ ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓልዮ ኣብሳሪ እዚ ዓይነት ሰላምን መጋበርያ ናይዚ ዓይነት ሰላም እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መላእ ዓለም 36 ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓልዮ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.