2015-05-16 17:24:00

ሰላምን ሕውነታዊ ዘተን አንግሡ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ንቪሲታ አድ ሊሚና አብ ሮማ ንዝርከቡ ጳጳሳት ማእከላይ አፍሪቃ ትማሊ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ “አብታ ብብዙሕ ዓመጽ ትሕመስ ዘላ ሃገርኩም አብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ዘተ ንክድንፍዕን ተሓቋቍፍካ ብሰላምን ሕውነትን ናይ ምንባር መንፈስ ክዓዝዝን ምጽዓር ቀንዲ እጃም ሥራሕኩም ኢዩ” እንክብሉ ተማሕጽኖምዎም፣ ቅዱስነቶም ምስዚ አተሓሒዞም እውን አብ ክህነታዊ ሕይወት ድንግልና ቀንዲ አድላዪ ከምዝኾነን ነቶም ናይ ጽባሕ ካህናት ንክኾኑ አብ ዘርአ ክህነት ንዝኵስኰሱ ተመሃሮ ከአ ዘድሊ ሰብአውን መንፈሳውን ኩስኰሳ ክግበረሎም ነተን ብሓለጊ ድኽነትን ምብታን ኪዳንን ናይ ወጻኢ ሥነሓሳብን ዝግረፋ ዘለዋ ሥድራቤታት ፍሉይ ቈላሕታ ክገብሩለን ሓደራ ቢሎም፣

ከምዝዝከር ማእከላይ አፍሪቃ ብብርቱዕ ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ጸገማት ትሕመስ ዘላ ኰይኑ ንመጻኢ ናይ ሰላም ተስፋ ናይዚ ሕዝቢ እዚ ካብ ቃል አምላኽ ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቶም አብዚ ጽንኩር ኩነታት እዚ ተባዕ ምስክርነት ዝህቡ ዘለው አቡናት ማእከላይ አፍሪቃ ድሕሪ ምምስጋን ብጸሎትን ብመንፈስን አብ ጎኒ እዚኦም ንነዊሕ እዋን ከቢድን አሰቃቅን ኩነታት ዝርከቡ አቡናትን ሕዝቦምን ከምዘለው አረጋጊጾም፣ ሽሕኳ በተሓሳስባ ደቂ ሰባት ኩነታት እዛ ሃገር እዚአ ከቢድን ዝተሓላለኸን እንተመሰለ ቅዱስነቶም ግን በንጻሩ ሽሕኳ ጽልእን ዓመጽን እንተበዝሔ ክርስትያን ብመንገዲ ምሕረትን ፍቅርን ንክምልሱ ዝተጸውዑ ስለዝኾኑ ከምዚ ብምግባር ሰላምን ዘተን ከንግሡ ከምዝከአል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣

ነዞም ብብዙሕ ጸበባን ጭንቅን ተገሪፎም ብጽንዓትን ዓቢ ኒሕን ዚጋደሉ ዘለው አቡናት ቅዱስነቶም አጆኹም ድሕሪ ቢሎም ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ትንቢታዊት ስለዝኾነት ንሶም እውን ነዛ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ናብ ትስፉው ሃዋህው ክመርሕዋ ናይ ዘመንና ነቢያት ኮይኖም ንመሠረታውያን አቅዋማት ናይ ፍትሕን ሓቅን ጽንዓትን ብምምስካር ንተሓድሶ ናይ ኩሉ ክቃለሱ ምናዳ ከአ ዘተ ከደንፍዑ ብሰላም ተሓባቢርካ ናይ ምንባር ተኽእሎ አብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ማኅበራት ሃይማኖትን ከንግሡ ክቃልሱ ሓደራ ቢሎም፣ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ከመይ ንመጻኢ ናይ ማእከላይ አፍሪቃ እንኮ ፍታሕ ዕርቀ ሰላም ዝዓሰሎ ሃዋህውን ማኅበራዊ ውህደትን ምዃኑ ብሩህ ኢዩ ቢሎም፣

አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ነቲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝሓለፈ ወርኂ ጥቅምቲ ፍሉይ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ብምግባር አብ ዚመጽእ ወርኂ ጥቅምቲ ከአ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ከካይድሉ ልዑል ምስንዳው ዝግበረሉ ዘሎ ጉዳይ ሥድራቤት ብምትኳር አብ ማእከላይ አፍሪቃ ናይ ዝፍጸም ዝተፈላለይ ግፍዕታት ቀዳሞት ግዳያት ሥድራቤታት ስለዝኾኑ እዚ ጥራይ ከአክል ከአ ድኽንነትን ቈዪቍን ምፍታሕን እውን ብግዲኦም ስለዝድህኽዎ ንስድራቤት ፍሉይ ቈላሕታ ክገብሩ ንምክልኻል ስድራቤታት ዝተኻእሎም ከበርክቱ ሓደራ እንክብሉ ክንዮ እዚ ተጽዕኖን አደራዕን ናይ ካልኦት አተሓሳስባን ምስታ ሃገር ሓቢሩ ዘይጐዓዝ ንስድራቤት ዝሃሲ ነገራትን እውን ይረአዩ ስለዘለው ብዝተኻእሎም ነዚ ክቃወሙ ሓደራ ቢሎም፣ ቀንዲ መከላኸልን መጋበርን ውህደት ስድራቤት ምሕረትን ሰላምን ዕርቅን ከምዝኾነ ብምምልካት ከአ እዚኤን ካብ ሥድራቤት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ጽፍሒ ምሕረትን ዕርቅን ሰላምን እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ተገንዚቦም ንሰላም መላእ ሃገር ክሰርሑ ክምህሩን ክሠርሑን አዘኻኺሮም፣

አብ ሓዋርያዊ ጉስነትን ተልእኮን ቀንዲ መሳርሕቲ አቡናት ዝኾኑ ካህናት ፍሉይ ጠመተ ከምዘድልዮም ብምዝኽኻር ከአ አብ ሥነ መዕበያን ኩስኰሳን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ተዋሂብዎ መንፈሳውን ሰብአውን ሥነ መዕበያኦም ተገዲሶም ክሰርሑ ብምዝኽኻር ርክቦም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.