2015-05-16 17:41:00

ፍርሒ ዚዓብለሎን ሓጐስ ዘይብሉን ማኅበር ክርስትያናዊ ማኅበር ኪበሃል አይከአልን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ፍርሒ ዘለዎ ሰብ ንመጻኢ ክጥምት ነጻነት የብሉን፣ ፍርሒ ዚዓብለሎን ሓጐስ ዘይብሉን ማኅበር ክርስትያናዊ ማኅበር ኪበሃል አይከአልን፣”  ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ተጨነቀን ናብ እግዚአብሔር ምስ አእወየን ዝተዋህቦ መልሲ “አይትርፍራሕ አነ ምሳኻ አሎኹ! ጸጋይ ይአኽለካ” ዝበሎ መሠረት ብምግባር ሰቢኾም፣

ፍርሕን ሓጐስን አብ ሕይወት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ክልተ ባእታታት እንክኾኑ ፍርሒ ዘሕምም ዘድክም ምንም ካብ ምግባር ዘደንዝዝ ኢዩ፣ ፈራሕ ሰብ ሓንቲ ክገብር አይክእልን፤ ኩሉ ይጠፍኦ፤ አብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ይተርፍ፣ ፍርሒ ዝወረሮ ክርስትያንከስ መል እኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ ገና ዘይተረደኤ ኢዩ፣ ስለዚ ከአ ኢዩ ኢየሱስ ንቅዱስ ጳውሎስ አይትፍራሕ አጆኻ ዝብሎ፣ ፍርሒ ናይ ክርስትያን አይኮነን፣ ፈራሕ ሰብ በዚ እንተበልካ እዚ ከጋጥመካ በዚ እንተኸድካ ከምዚ ክትከውን ኢኻ እናበለ ዕንኪላሎ ኮይኑ ዕንኪላሎ ዝገብር ኢዩ፣ ዝገደደ ከአ ሓንቲ ማሕበር ክርስትያን ፍርሒ እንተወሪርዋ ተተሓሒዛ ትጠፍእ፣ ስለዚ ከም ክርስትያን መጠን ነቲ ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ምንጪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ከም ማኅበረ ክርስትያን ትብ ዓት ከለብሰና መንፈስ ፍርሒ ከርሕቀልና ንለምኖ ቢሎም፣ አብ ዕለታዊ መነባብሮና እንተጠመትና ከም ማኅበረ ክርስትያን ከይተረፈ ፍርሒ ዝወሓጦም መሊኦም አለው፣ ንኩሉ ነገር አረጋጊጾም ክንቀሳቀሱ ይደልዩ፣ ዳርጋ አብ ማዓጹኦም በዚ ም እታው ክልኩል ኢዩ ዝብል ቀይሕ ምልክት ዝለጠፉ አለው፣ ናይዚ ኩሉ ጸገም ምንጪ ከአ ፍርሒ ኢዩ፣ ነቲ መጀመርያ ጥበብ ፍርሒ እግዚአብሔር ኢዩ ዝብል ቃል አምላኽ ምስዚ ከይነዳናግሮ እንከጠንቅቁ ከአ ፍርሃት እግዚአብሔር እንክበሃል አብ ቅድሚ አምላኽ ብአምልኾን ስግደትን ክንቀርብ ዝወሃበና ጸጋ እንክኸውን ናብቲ እግዚአብሔር ዝህበና ተል እኾ ዝመርሓና ፍርሒ ኢዩ፣ እቲ ተጻይ ናይዚ ዝኾነ ፍርሒ ግን ካብ ኩሉ ይ ዕንቅጸና፣ ታሕጓስ ዘይብሉ ወዲ ማኅበር ክርስትያን ክትብሎ እውን አሸጋሪ ኢዩ፣ ኢየሱስ አጆኹም አይትፍርሑ እናበለ ሕጉሳት ክንከውን እንክ ዕድም ነዚ ሓጐስ እዚ ከአ ማንም ከግድፈና ከምዘይክ እል የረጋግጸልና፣ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ተሓጐሱ ደጊመ ተሓጐሱ እብለኩም አሎኹ እናበለ ወትሩ ብጐይታ ክንሕጐስ ይዕድመና፣ ድሕሪ ቢሎም ነዚ ሓጐስ ጐይታ እዚ ሒዘን ዘይጐዓዛ ማኅበራት ክርስቶስ ሕሙማት ኢየን ስለዚ ከምቲ ናይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ተፈሥሒ ፍሥሕት እግዚአብሔር ምስሌኪ እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ እሞ ተሓጐሲ እንብሎ እግዚአብሔር ምሳና ስለዝኾነ ወትሩ ንተሓጐስ አይንፍራሕ እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.