2015-05-19 16:33:00

ብፁዕ ካርዲናል ታዉራን፦ ኣገዳስነት ታሪኻዊ ስነ ርእይቶ ስነ ነቐፌታን


ድሕሪ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዕለት 12 ግንቦት ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኅብረት ዘዳለዎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ምስልምና ሃይማኖት ኣብ ኤውሮጳ ዘተ ዘነቓቕሑ ድርገታት ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታዉራን ናይ መኽፈቲ ዘረባ ብምስማዕ ዝተሳተፈሉ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ሲሪ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ

ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ናይ ተጻብኦነትን ምስሕሓብን ፈተናን ብምስዓር ናይ ዘተን ሕውነትን መገዲ ብምንቕቓሕ፣ እስላማዊ ኣኽራርነትን ምስናፍ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፣ ኣተሓሒዞም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ታሪኻዊ ስነ ርእይቶን ስነ ታሪኻዊ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን ሰነዳትን ዘለዎ ኣገዳስነት ከስተውዕሉ ኣድላዪ እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ኩነት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ እውን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰየመ ዘካይዶ ዘሎ ግብረ ሽበራን ኣኽራርነትን ጸረ ውሁዳንን  ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ማሕበረሰብን ኵላትን እንርእዮ ዘሎና ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፣ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ኣኽራርነት የዘምብሉ ኣለዉ፣ በቲ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደት ናብ ኤውሮጳ ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ኤውሮጳ ይኣትዉ ኣለዉ፣ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ስድራ ቤት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተወልዱ መንእሰያት ናብ ጅሃዳውነት ክልወጡ ይረአይ ኣሎ፣ እዚ ኹሉ እንታይ ማለት እዩ። ስለምታይ እዞም መንእሰያት በቲ ሃገራዊ እስላም ቢሉ ገዛእ ርእሱ ብዝሰየመ ሓይሊ ኣሸበርቲ ዝማረኽ? እዚ ድማ  ናይ ፍሽለትን ቀቢጸ ተስፋነትን ብስጭትን ምህላውን ጉድለት ናይ ሕይወት መደብ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ። ብቐሊሉ ብሰልድን እቶም ጅሃዳውያን ብዝኣትውሎም ቃልን ብዝሰብክዎ ትርጉም ሕይወት ብቐሊሉ ዝተማርኩ እያቶም፣ ምእንቲ’ዚ ንመንእሰይ ወለዶ ናይ ሕይወት ትርጉም ማለት ናይ ውልቅን ማሕበራውን ሕይወት ትርጉም ዳግም ከነቕርብን ክንምስክርን ከነረድእን ትሑዛት ኢና። ብዙሓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ንዝፍጽመዎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባርን ምኽንያታዊ እዩ ቢሎም ንኸእምኑ ዝፍጸምዎ ውካሰ ኣብ ሃይማኖት ዘይቅብሉን ዘይቅኑዕን ጸረ ሃይማኖትን ጸረ እግዚኣብሔርን እዩ። ዝኾነ ይኹን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዘይቅብሉ እዩ። ምኽንያታዊ ከብሎ ዝኽእል ምንም ዓይነት ምኽንያት የሎን፣ ኣይክህሉን እውን እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ታሪኻዊ ስነ ርእይቶን ስነ ታሪኻዊ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን ሰነዳትን ዝብል ኣመለኻኽታ ክህልው ኣለዎ። እቲ ሓቂ ከምዚ ክኸውን እናተገብኦ ኣብ ገለ ገለ ሃይማኖት እዚ ዓይነት ስነ መጽናዕቲ ኣብ ሃይማኖትን መጻሕፍትን ሰነዳትን ሃይማኖት ክህሉ ግብኡ ኣይኰነን ዝብል እማኔ ኣሎ፣ ታሪኽ ዝኽሕድ ሃይማኖት ታሪኻውነት ዘይብሉ ሃይማኖት ብቐሊሉ ኣኽረርት ከፍሪ ዝከኣል እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ መደብ ሕንጸትን መደብ ትምህርቲ ታሪኽ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብርግጽ ኣሸባርነት ንነዊሕ እዋን ቀጻሊ ኰይኑ ዝረአይ እውን እንተዀነ፣ ተዓዋቲ ከምዘይከውን ርጉጸይናታት ኢና። ኩሉ ጸረ ሰብኣዊ ዘበለ ተግባር ውዒሉ ሓዲሩ ተሰዓርን በራስን እዩ። ምእንቲ እትኣምኖ ዕላማን ሃይማኖትን ገዛእ ርእስኻ ምሕላፍ ዓቢይ ክብሪ እዩ። እቲ እትስውኣሉ ዕላማ ሕይወትካ ስለ ዘሕለፍካሉ ቅኑዕን ቅዱስን ዕላማ ይኸውን ማለት ኣይኰነን፣ ስለዚህ ቁኑዕ ዕላማ እንተዘይኰይኑ ድማ ምእንታኡ ዝሰዋእካዮ ሕይወትካ ዝተኸስረ ሕይወት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። ናይ ዘተ ባህሊ ምንቕቓሕ የድሊ፣ ምንጻልን ምውጋድን ናብ ማሕበራውን ሰብኣውን ውጥረት እዩ ዝመርሕ፣ ካብ ምዝታይ ምንጻል እቲ ዝቐለለ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይሓትት ምርጫ እዩ። ክብሪ ግና የብሉን፣ ዘተ ልዑል ክብሪ እዩ። ምዃን እስላምን ምዃን ኤውሮጳውን ክዛተዩ ይግባእ።

ቃል ኢየሱስ ናይ ፍቕርን ሕውነትን ቃል እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓጺኻ ክርስቲያን ምዃን ዘይከኣል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእን ናብቲ ናይ ከተማታትናን ናይ ህላዌናን ደጋዊ ክፍሊ ምባል የድሊ። ኣብ ክርስትና ብዙህነት ብሓድነት ይንበር። ሕድ ሕድ ጽን ምብህሃልን ምርእአየን ብሓባር እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙህነት ሃብቲ ምዃኑ ኣብ ዝኣምን ኣመለኻኽታ እንነብረሉ መሬት ምሕናጽ የድሊ። ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምሁራን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምእተረኸቡን ዘኪሮም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ዘሎ ምቅርራብ ንኣብነት ኣብ ዒራቕ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሕይወቶም ንሓደጋ ዝተቓልዔ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘእንግዱ ስድራ ቤት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣለዉ። ኣብ ባግዳድ ዶመኒካውያን ማሕበር ናይ ሥነ ማሕበራዊ ተቛም መስሪቶም ኣብ ሕንጸት መዳይ የገልግሉ ኣለዉ፣ ስለዚህ እቲ ዘሎ እወታዊ ተግባር ብመራኸቢ ብዙሃን ዘይንገረሉ እውን እንተዀነ ናብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝመርሕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.