2015-05-19 16:37:00

ኣባ ስፓዳሮ፦ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብድሆታት ንውፉያንን


ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም መበል 82 ናይ መላእ ናይ ካህናት ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ኣሕሉቕ ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ዘካይድዎ ዘተን ዝለገስዎ ምዕዳንን ኣብ ሓደ ጠርኒፎም ብምስንዳው መጻኢ ኣብርሁ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎን ብቤት ማሕተም ኣንኮራ ዝተሓትመ መጽሓፍ ካብ ዕለት 21 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዕ እንክሕበር፣ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦርጐልዮ እንከለዉ ኣብቲ

ኣብ 1994 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ናይ ውፉያን ሕይወት ተሳቲፎም ዘስምዕዎ ሓጺር ዘረባን ኣባ ስፓዳሮ ዝሃቡሉ ሰፊሕ ትንተና ተጠቓልል እውን ምዃናን ኣብዚ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ዘላ ዓመት ውፉይ ሕይወት ፍሉይ መልእኽትን ትርጉም ውፉይ ሕይወት እተቓልሕ ምዃና ኣባ ስፓዳሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ናይ መላእ ናይ ካህናትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ኣሕሉቕ ተራኺቦም ዘካይድዎ ግልጽን ናጻን ናይ ሓሳብ ልውውጥ እተጠቓልል መጽሓፍ እምበር፣ ብጽሑፍ ናይ ዝቐረበ ዘረባ ወይ ድማ መደረ እትትንትን መጽሓፍ ኣይኰነትን። ኣብቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ብጽሑፍ ዘቕረብዎ ዘረባ ከምዘይብሎም እውን ገሊጾም ኔሮም እዮም። ብዙሕ ግዜ ዝኽተልዎ መገዲ እውን እዩ። ምስቶም ኣሕሉቕ ዘካይድዎ ዘተን ኣብ ፍጻሜ ብዘይጽሑፍ ዝሃብዎ ናጻ መርሕ ቃል ዘጠቓልል መጽሓፍ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋንን ታሪኽን ኩነትን ትርጉምን ውፉይ ሕይወት እንታይንነቱን ክዋኔኡን ዝሕብር መጽሓፍ እያ። ኣብዚ ዓመት ውፉይ ሕይወት ንኣስተንትኖ እትድግፍ እያ ኢሎም።

ገዳማትን ማሕበራትን ክፍሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ምዃኖም ብጥልቂ ክስምዖምን፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም ከስተውዕሉን፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣባላት እያቶም ዝብል ሓቂ ወትሩ ክኣምንሉን ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ዝጽመዱን እምበር ኣብ ናይ ገዳምን ወንጌላዊ ልኡክ ማሕበራት መንፈሳዊ መርሕ ብንቕጽና ዝነብሩን ምስ ግዜ ዘይከዱን ነቲ እንነብረሉ ግዜ ጽን ዘይብሉን ዘየስተውዕሉን ክዀኑ ከምዘይግብኦም ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካይድዎ ዘተ ደጋጊሞም ገሊጾምዎ እዮም፣ ኣብ እምነት ምጽናዕ ነቢይ ንምዃን የነቓቕሕ፣ ንነቢይነት ዘይተባቦ እንተድኣ ኰይኑ ኣኽራርነት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ስለዚህ በዚ መሠረት’ዚ ገዳማትን ማሕበራትን ብክርስትያናዊ ጽንዓትን ብመንፈሳዊ መርሆን መጻኢ ንምብራህ ዝተጸውዑ እያቶም ከምቲ ደጋጊሞም ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ድማ ማዕጾዋ እትኸፍት ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉን ኣባላትን ምዃኖም እተነጽር መጽሓፍ እያ ኢሎም።

ዝተዓጽወ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጾ ገዛእ ርእሱ ኣይፍለጥን ከባቢኡን ብጻዩን ኣብ ዙሪያኡ ዝርከብ እውን ከይፈለጠ ዝነበር እዩ ዝኸውን፣ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶሳዊት እያ። ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ተሓባበሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርጐልዮ እንከለዉ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ዛዕባ ውፉይ ሕይወት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘማእከለ ትንተና እተቕርብ መጽሓፍ እውን እያ። እቲ ዘስምዕዎ ሓጺር ዘረባ ንውፉይ ሕይወት ኣብ ውሽጢ ሕይወት ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘድምዕ እዩ ኔሩ። ሰለዚ ቅዱስ ኣቦና ውፉይ ሕይወት ብጽቡቕ ዝተራቐ ብጭቡጥ ዘይኰነ ሃሳብ ዘይኮነስ ብጭቡጥ ሓሳብ እዮም ዝገለጽዎ። እዚ ድማ ሎሚ እውን ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ወንጌላዊ ትርጉም ውፉይ ሕይወት እዩ። ኣብታ መጽሓፍ ዝተገልጸ ሓሳብ እዩ ኢሎም።

ስለዚህ ውፉይ ሕይወት ጭቡጥ ሓሳብ ምስ ዝኸውን ምስ ጭቡጥ ኩነት ክዝትይ ይኽእል፣ ክምዚ ምስ ዝኸውን ምስ ግዜን እዋናዊ ኩነት ዝኸይድ እምበር ንቑጽ ኰይኑ ኣይክተርፍን እዩ። እታ መጽሓፍ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ናይ መላእ መንፈሳውን ወንጌላዊ ልኡካን ማሕበር ኣሕሉቕን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ዘማእከለት እውን እንተኾነት ናይ ገዳማውያን ተክለ መንነት ጥራሕ ዘይኰነስ ብዓቢይ ቤተ ክርስቲያናዊ ራእይ እዩ ዝቕልቀል፣ ምእንቲ’ዚ ማሕበራት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እያቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምብዃኖም ድማ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃና ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስመረሉ ሓሳብ ዝውክሉ እያቶም። ገዳማትን ወንጌላዊ ልኡካን ማሕበራት ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንእዋናዊ ብድሆታት ክፉታት ኰይኖም ኣብ ልኡካነ ወንጌላውነት ጸኒዖን ንብዶሆታት ንኽገጥሙ ዝተጸውዑ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ እትትንትን መጽሓፍ እያ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.