2015-05-23 16:44:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ.፦ መንፈስ ቅዱስ ንዝግፍዑ ክርስቲያን ጽንዓት ይጸግው


ኦ ጐይታ ነቶም ዝግፍዑን ዝሳደዱን ክርስቲያን ምጽንናዕን ጽንዓትን ዝጽግው መንፈስ ቅዱስ ኣውርድ ዝብል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብእተሰምየ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቶን ንስደትን ሓሳርን ግፍዕን ዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን ዘጸናንዕ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ቀደም ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዓመጽን ግፍዕን ዝፍጸም ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ኵነታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ቅርበትን ሓልዮትን ጸሎቶም ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ብምርግጋጽ ኣብ ዘጋጥሞም ኣሳዶን ምግፋዕን እግዚኣብሔር ሓይሊ ናይቲ መጸናንዒ ቅዱስ መንፈስ ከውርደሎም ከምዝጽልዩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብላቲን ስርዓት ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝበዓል ዓቢይ በዓል ጰራቅሊጦስ ምኽንያት ዕለት 23 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ኢጣሊያ ናይ ምጽላይ ነጻነት ብዝብል መርሕ ቃል ምእንቲ ዝሳቐዩ ማሐበረ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ዋዜማ ክዓርግ ዝሃብዎ ውሳኔ ክእምተፈጸመ ገሊጹ፣ ኣብ ክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ምኽንያት ንዝሳደዱን ንዝግፍዑን ማሕበረ ክርስቲያን ኩሉ ብዘይ ምቁራጽ ቅርበት እግዚኣብሔር ንምርግጋጽ ንጸሊ ዝብል መደብ ጸሎት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብ መላእ ዓለም ኣቃልሖ ረኺቡ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ እውን ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ዝግመቱ ክርስትያን ምእመናን ንዓመጽን ኣድልዎን ተቓሊዖም ከምዝርከቡ እንክሕበር፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ክርስቲያን ብምዃኖም ኣደዳ ስደትን ግፍዕን ኰይኖም ንዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ክንጽልይ እውን ሓደራ ቢሎም፣ እዞም ናይ እዋንና ሰማዕታት እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎም ክርስቲያን፣ እቲ መሰረት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኾነ ዘይሕከኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥሩ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር መታን ኩሉ ምእንቲ እቶም ብእምነቶም ምኽንያት ንዝስደዱን ንዓመጽ ዝዳረጉን ክርስቲያን ሓልዮትን እቲ ተቐባልነት ክህልዎ ዘይክእል ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽ ከብቅዕ ንዝግበር ጻዕሪን ኣብ መላእ ዓለም ንምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከተባብዕ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.