2015-05-23 16:48:00

ፍትሕን ሰላምን፦ ደቂንስትዮን ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓትን


ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ኣብ ሮማ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቂንስትዮን ምእንቲ ሕይወትን ስድራን ቃል ኪዳናዊ ማሕበር ደቂንስትዮን ብምትሕብባር ዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ደቂንስትዮ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሮማ ዕለት 22 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ከምእተጀመረን ናይዚ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ሓሳብ ደቂንስትዮ ናብ ድህረ 2015 ዓ.ም. መደብ ልምዓት፣ ብድሆታት ናይቲ መደብ ልምዓት ተቐባልነት ንዘለዎ ልምዓት ዝብል ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝሓንጸጾ ሚሊዮኑም መደብ ልምዓት ክብጽሑ ኣልዎም ቢሉ ብዝርዝር ካብ ዘቕረቦም ሸቶታት 17 መደባት ደቂንስትዮ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝህባሉ ተባሂሉ ዝግለጽ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝብጽሑ ቢሉ ከምዘመልከተ ታማሮ ሓቢረን፣ ምእንቲ ሕይወትን ስድራን ቃል ኪዳናዊ ማሕበር ደቂ ንስትዮን ኣደ መንበር ኦሊምፒያ ታርዚያ ይብላ፦ ኣብቲ መደብ ልምዓት ሱታፌ ደቂንስትዮን ግደ ደቂንስትዮ ዝተገልጸ እውን እንተዀነ ምዝቡል እዩ፣ ሰለዚ ናይ ጓልኣንስተይቲ ሓቀይና ምዃኑ ዘዋስእ ክኸውን ኣለዎ፣ ንኣብነት ድኽነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ንመልከት፣ ብዙሓት ደቂንስትዮ ብድኽነት ምኽንያት ማሕጸን ምክራይ ንዝብል ሓድሽ ኣመለኻኽታ መጋበሪያ ኰይነን ይርከባ ኣለዋ። ማሕጸን ምክርይ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ ናይ ሕይወት ክብሪ ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጸን ናይ ደቂኣንስትዮ ኣደነት ምዃን ማሕበራዊ ክንክን ክግበረሉ ይግባእ። ድኽነት ንጓለንስተይቲ ንዝተፈላለዩ ሓደስቲ ግብረ ጊሊያነት ከምዘቃልዕ ክሰሓት ከምዘይብሉ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤን ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣመልኪተን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ማእከል ሓላፊት ሪታ ሙሳለም ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብቲ መገዲ ሰላም ዝኾነ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ጓለንስተይቲ ዓቢይ ግደ ኣለዋ፣ ጓለንስተይቲ ንኻልእ ዝብል ባህርይ ዘለዋ እያ። ዓቢይ ጽን ናይ ምባልን ምስማዕን ዝምባለ ዘለዋን ተጻዋርነት ዝተዓደለት ክፍትቲ ንሕይወት እውን እያ፣ ናይ ምፍቓርን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ሱታፌን ምምሓርን ዝብል ባህርያት ንጓለንስተይቲ ዘለልያ እዩ። እዚ ኹሉ ባህርይ ዝተዓደለት ብምዃና ኣብ መገዲ ሰላምን ዘተን ዓቢይ ግደ ኣለዋ። እዚ መለለይ’ዚ ንመደብ ልምዓት ዓቢይ ድጋፍ እዩ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.