2015-05-28 16:54:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበር Meter-መተር ባሪኾም


ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ዝቃወምን ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት እቲ ዝወርዶም ዓመጽ ዘሕድረሎም ስነ ልቦናውን ኣእምሮኣውን ጸቕጢ ንምኣላይ ዘብቅዕ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ዘቕርብ ማሕበር መተር መስራቲ ኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶን ናይቲ ማሕበር ኣባላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ግንቦት 2015 ዓ.ም. እቲ ልሙድ ናይ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ተቐቢሎም ነቲ ማሕበር እኖን ዕላማኡን ከምዝባረኹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣንቶነላ ፓሌርሞ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣባ ዲ ኖቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ቅዱስነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ እምነት ዘጽንዕን ኣብ ሓቀይና ኣገልግሎት ዘበራትዕ ቃሎም ስለ ዝለገሱ ኣመስጊኖም፣ ብሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ማሕበራውን ሰብኣውን ስቓይን ድኻምን ላዕልን ታሕትን ቀረባ እዮም። እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ኩለ መዳያዊ ምዝመዛን ዓመጽን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን ውድቀት ሕብረተሰብ ዝገልጽ ጸያፍ ተግባር ንምውጋድ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት፣ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ምዝመዛን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ገበን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ቢላ ከምእትገልጾን ሃገራት ዓለም ከምዚ ዓይነት ሕጋዊ መጸውዒ ክህባሉ ንጽበይ። ገበን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ እዩ ኢሎም።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ከምዝዀኑ ሓቢሮም፣ ገና ዕሸላት ትሕቲ 12 ዓመት ዕድመ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ገና ኣብ ልዕሊ ዘየጐልበቱ ዜጋታት ዝፍጸም ገበን ተራ ገበን ኣይኰነን፣ ሕጻናት ንስራሕ ዓለምን ምዝመዛን ንናይ ወሲብ ዓመጽን ተግባር ምድጓን መዳርግቲ ዘይብሉ ጸረ ስብኣዊ ዓመጽ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ርእይቶ ኵሉ ዝፈልጦ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ናይቲ ማሕበር ታሪኽን ኣገልግሎቱን ድማ ምስ ገለጹሎም ነቲ ማሕበርን ኣባላቱን ባሪኾም ሕጻናት ዘየኽብርን ዘይከላኸልን ማሕበረሰብ ርእሰ ቅትልት ዝፍጽም እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ እውን ሓቢሮም። ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ክብሪ ብኹሉ ደረጃ ክኽበርን ክሕሎን እተቕርቦ ሕንጸት ዝነኣድን ኣብዚ መዳይ መንግስታትን ሕዝቢ ዓለምን እተተባብዕ ምዃና እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ የረጋግጾ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.