2015-05-28 17:04:00

ውግእን ዓመጽን ክግታእ ጻውዒት ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን


ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትርከበሉ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 26 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪየክ ማቻር ደገፍቲ ዕጡቓት ሓይሊ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኵናት ሓድሕድ ሳዕቤን ሞት ብዙሓት ዜጋታትን ምዝመዛን መግረፍትን ስቓይን ትሕቲ ዕድሜ ዜጋታት ናብ ውትህድርና ዓለም ምዱጓንን ዝርፋን ምጭዋይን ናይ ስደትን ምዝብልናን ሳዕቤን ኵይኑ ከምዘሎን እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት’ታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ መዓት ደው ክብልን ኵናት ሓድሕድ ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ዘቃልሕ መገልጺ ከምዘውጽኤ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ግብረ ገባዊ ምኽንያት ኣልቦ ውግእ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ

እቲ ኵናት ሓድሕድ ንምውጋድ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ካብ ነዊሕ እዋን ናይ ሰላም ዘተ ዝተበገሰ እውን እንተዀነ እቲ ውግእ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን፣ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ  ግብረ ገብዊ ምኽንያት ኣልቦ እውን ከምዝኾነን፣ እቲ ኣብ ሱዳን ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ፣ እቲ ናይ ስልጣን ድላይ ዝፈጥሮ ዘሎ ኵናታ ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ ተጻብእቲ ሓይልታት ዝውክሉ ናይ ሰላም ዘተ ዘካይዱ ኣብ ጣዕምን ምቾትን ዝመልኦ መቐበሊ ኣጋይሽ ክእንገዱን ዘካይድዎ ዘተ ኣልቦ ውጽኢት ክተርፍን ሕዝቢ ድማ ንሞትን ሓሳርን ክዳረግ ምርአይ ዘይቅቡል ተግባር እዩ አንክብል ከምዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ዓመጽ በቶም ገዛእ ርእሶም ክርስቲያን ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝድረኽ እውን እዩ

መብዛሕቲኦም ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ፖሊቲካ ኣካላትን መራሕቲ ሓይሊ ምክልኻልን ኣዘዝትን ወትሃደራትን ገዛእ ርእሶም ክርስቲያን ዝብሉ ምዃኖም እቲ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣመልኪቱ፣ እቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሰላም ጻውዒት ክሰምዕዎን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ድማ ኣተሓሳሲቡ፣ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ምስ ሕዝቢ ሱዳንን ኰይነን ኣቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝወርድ ግፍዕን መከራን ክውገድ ከምዘገልግላን ምእንቲ ሰላም ከምዝዓያን ናይቲ ሕዝቢ ኩነትናይ ቀረባን ናይ ዓይንን መሰኻኽር ከምዝኾና ኣብቲ መግለጺ ከምእተመልከተ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.