2015-06-04 16:38:00

ኰንጐ፦ ብሔራዊ ዘተ ንብሔራዊ ዕርቂ


ናይ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 1 ሰነ 2015 ዓ.ም. ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላ ብዛዕባ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ መረጻ መደብ ዘማእከለ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፦ ኣብ ምኽባር ቅዋም ሃገር ዝጸንዔ ብሔራዊ ዘተ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ እቲ ኣብታ ሃገር ኣብ 2016 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ መረጻ ኣብቲ ውሱን ሰዓቱ ክካየድ ናይቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጻውዒት እውን የቕብር ከምዘሎ እንክምልከት ብፍላይ ድማ ርእሰ ብሔር ካቢላ ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝካይድ ናይ ርእሰ ብሔር መረጻ ንሳልሳይ ጊዜ ሕጹይ ኵይኖም ክቐርቡ ናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ዝጻረር ውሳኔ እዩ። ናይ ኰንጐ ሕገ መንግስቲ ሓደ ዜጋ ንኽልተ ጊዜ ናይ ርእሰ ብሔር መዝነት ክህልዎ ዝከኣል እዩ ንሳልሳይ ጊዜ ግና ዘይፍቝድ እንክብል ኣነጺሩ ዝገልጾ እውን እንተዀነ ርእሰ ብሔር ካቢላ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም. ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ኰንጐ ርእሰ ብሔር ኰይኖን ንኽሕረዩ ሕጹይ ተመራጺ ኰይኖም ክቐርቡ ዘለዎም ድላይ ምስ ገለጹ ኣብታ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዘለዓዓለን ሞትን መቝሰልትን እውን ከምዘኸተለ እንክዝከር፣ ርእሰ ብሔር ካቢላ ናይ ሃገር ቅዋም ውሳኔ ከኽብሩ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ብዝተፈላለይ መገዲ ቃሉ የስምዕ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ኰንጐ ሃዋሁ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክህሉ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጕእ ሃዋሁ ዝግ ንምባል ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ተቓወምቲ ናይ ፖሊቲካ ኣካላትን ናይ በርገሳዊ ሕብረተሰብን ወከልትን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰንጐ ዝርከብዎም ናይ ሃይማኖት መንፍሳዊ መራሕትን ርክብ የካይዱ ምህላዎም ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ምስ ናይ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ኰንጐ ሃዋሁ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክህሉ እንክብሉ ከምዝሓተቱ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ ናይ መረጻ መርሓ ዕለት ሕዝቢ ሓሳቡ ክገልጽ ክሕተትን ከምዘለዎን ናይ ሕዝቢ ድላይ ዘቃልሕ ክኽውን ከምዝግብኦ ብፁዓን ጳጳሳት ኰንጐ ከምዝሓተቱን፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእን ቅልውላውን ዝስነፍ ብዝተ ጥራሕ  ምዃኑ ከምዘመልከቱ እቲ ዘተ ናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ዘኽርብር ክኸውን እውን ከምዘተሓሳሰቡ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ለኦናርዶ ሳንተዲ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቅሚ ምትኳር

ነታ ሃገር ናብ ዝበለጸ ጎዳና ክመርሓ ዝኽእል ናይ ምርጫ ዕዮን ናይ ተመረጽትን ጸጥታን ድሕነትን ውሑስ ክኸውንን ብፁዓና ጳጳሳት ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ሓደራ ቢሎም እዚ ድማ ንናይታ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ንምትኳር ዝሕግዝ እዩ ከምዝበሉ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሳንተዲ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.