2015-06-13 16:22:00

ካብ ላቲን ኣመሪካ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተመክሮ


እቲ ኣብ ናይ መክሲኮ ማሕበራውን ሰብኣውን ቤተ ክርስቲያናውን ጭቡጥ ኩነት ተመስሪቱ ዝቖመ ቅዱስ እንድሪያስ ቤት ትምህርቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ሎሚ ካብ ላቲን ኣመሪካ ወጻኢ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ክበሃል ይከኣል ኣብ ሕንጸት ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ወንጌላዊ ልኡክነት ዝፍጽም ቤት ትምህርቲ ኰይኑ ወንጌል ኣብ ህዝብን ባህልን ክሰርጽ ዓቢይ ኣገልግሎት የበርክት ከምዘሎ እንክምልከት፣ እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ገና ካብ ኣበጋግሳኡ ኣትሒዙ ብቐረባ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና

ር.ሊ.ጳ. ገና ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦኖስ አይረ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝፈልጥዎ ተመክሮ ምዃኑ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምኽትል ጠቕላሊ ኣመሓዳሪት ኣዳ ጋስፓሪኒ ዕለት 12 ሰነ 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ ምሕትት ሓቢረን፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝተሓደሰ ወንጌላዊ ልኡክነትን ብዝተሓደ መንፈስ ክርስትናን ብቀዳምነት ደረጃ ድማ ብዝተሓደሰት ቤተ ክርስቲያንን እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዘሎ መንፈስ ክርስትና ከይተሓደሰ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከቢድ እዩ። ዝክኣል እውን ኣይኰነን። እቲ ቅድሚ 35 ዓመት ኣብ መክሲኮ ዝተበገሰ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ኣንድርያስ ኣስፍሆተ ወንጌል ሎሚ ኣብ 69 ሓገራት ልዕሊ ክልተ ሺሕ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘለዎ ምዃኑ ገሊጸን፣ ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ወንጌል ንኹሉ ወንጌል ስበኹ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ብናጻ ተዓዲልክምዎ ኢኹም እሞ ብተራኹም እቲ ብነጻ ዝተዓደልክምዎ ብነጻ ዓድልዎ ይብል፣ ገንዘብን ኣስፍሆተ ወንጌል ብሓደ ዘይከዱ ምዃኖም ገሊጾምዎ  እዮም፣ እቲ ቅዱስ እንድርያስ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤት ትምህርቲ ዘቕርቦ መደብ ሕንጸት ብናጻ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ቃል ሓቂ እዩ። ወንጌል ብነጻን ብነጻነትን ኢለን።

ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝኽወን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣተሓሳሲቦምና እዮም፣ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ቃል ኣምላኽ ብቓልን ሕይወትን ክቐርበሉ ጽምእን ጥምየትን ኣለዎ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ እንድርያስ ነዚ ብቐረባ ዝፈልጦ እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።

ቀጺለን ናይ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ኣንድርያስ ኣስፍሆተ ወንጌል ጨንፈር ኢጣሊያ ኣመሓዳሪት ሶፊያ ኣጎዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ልኡካን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘሰናድው እዩ፣ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓድሽ ልኡካነ ወንጌል ዘሰናድው እዩ ኢለን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘማእከለ 12 ዓይነት ክፍለ ትምህርቲ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢረን፣ ናይ ቀለም ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ተግባር ዘተኰረ ትምህርቲ እዩ፣ ተመክሮ ምልውዋጥን ምውሳእን ዝዓሰሎን ልቢ ምኽፋት ዝብል ሜላ ዝኽተል ምዃኑ ገሊጸን።

ልብኻን ሕይወትካን ዝልውጥ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘይኰነስ እቲ እነፍቅሮ ቃል ኣምላኽ እዩ። ስለዚህ ዕለት ብዕለት ኣብ ፍቕሪ ቃል ኣምላኽ ንምዕባይ ዝድግፍ ቤት ትምህርቲ እዩ እቲ ሕዳሴ ጽማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.