2015-06-13 16:30:00

ካቶሊካዊ ስልጣኔ፦ ዛዕባ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦንሶ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ኣትሒዞም ዝነበሮም ስነ ምህድራዊ ግዳሴ ብዙሓት ዝምስክርዎ እዩ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዘቕርብዎ ብዛዕባ ዓለም ዓውሎማነትን ስነ ምህዳርን ዘለዎም ርእየት ዝገልጽዎ ሓሳብን ዝህብዎ ትምህርቲ ምስ ዝሓለፈ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኩሉ ዝርድኦ እዩ። እታ ቅዱስነቶም ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሰብን ተፈጥሮን ከባብን ፍጥረትን ሕብረተሰብን ዝተተሓሓዙ ምዃን እያቶም ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እተቃልሕ ምዃና ኣብ ክልተ ሰሙን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝሕተም ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ መጽሔት እታ ዝደረስዋ ኣብ ስነ ምህዳር ዘተኰረት ዓዋዲት መልእኽቲ ንንባብ ኣብ እትበቕዓሉ ዋዜማ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ገሊጹ፣ ኩሉ ፍጥረት ምዕቃብ ዝብል ተልእኾ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝተጸውዔ ምዃኑ እተመልክት እያ ከምዝበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስርጸት ውሁድ ቅንይት ኣብ ኩሉ ፍጥረት

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ውሁድ ቅንይት ዝብል ቃል ናይቲ መልኽእቲ መፍትሕ እዩ። ውሁድ ቅንይት ኣብ ኩሉ ፍጥረት ዝብል እዩ። ስለዚህ ስነ ሰብእ ራእይ እምበር ስነ ሰብ ማእከልነት ዝብል ኣይኰነን፣ እዚ ስነ ሰብእ ርእሰ ማእከልነት ነገዛ እርሱ ንሰብ ዘናእስ እዩ። ናይ ኩሉ መምዘኒ ሰብ ምስ እትገብር ኩሉ ከም ግዙእ ትርእይን ትምዝምዞን። እዚ ምስ ዘይሁሉ ግና እቲ ውሁድ ቅንይነት ዕርቂ የምጽእ ዕርቂ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ክህሉ ይመርሕ። ስለምታይ ተፈጥሮ ጸጋ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ።

እቲ እናተወንጨፈ ዝኸይድ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለን ናይ ስነ ቁጠባ ሜላን ሰብን ተፈጥሮን ዘማእክለ ክኸውን ኣለዎ። ስነ ምህዳር ኤኮኖሚያዊ ሕቶ ጥራሕ ኣይኰነን፣ ስነ ምግባርን ስነ ሰብእን ሕቶ እውን እዩ። ስለዚህ ስነ ምህዳር ናይ ምዕቃብን ምክንኻንን ዝብል ኣብ ዘፍጥረት ተገሊጹ ናይ ዘሎ ጸዋዕታ ሓባሪ እዩ፣ እዚ ድማ ምስ’ቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ማህሌት ፍጥረት ዝተተሓሓዘ እዩ እንክብል ካቶሊካዊ ስልጣኔ መጽሔት ከምዝገልጾ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ድምጺ ብዛዕባ ምልውዋጥ ከባቢ ኣየር

ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓምላይ ባህሊ ጎስጓስ እተካይድ ዘይመንግስታዊት ማሕበር ማለት ኣይኰነትን፣ ቤተ ክርስቲያን እያ። ናይቲ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ምኽንያት ሰብ ድዩ ወይ ድማ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ተፈጥሮ ከይዲ ዝነቐለ እዩ? ወይ ከኣ ክልቲኡ መንቀሊ ዘጠቓልል እዩ? ዝኾነ ይዅን እቲ ምኽንያትን መልሱን ንምምሕያሹ ይከኣል ዶ? ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ናይቲ ለውጥታት ክስተትን ከመሓይሾ ዝኽእል ነጥብታት ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት መሰረት ገይሮም ይሕብሩ። ብፍላይ ድማ ነዚ ጉዳይ ናይ እምነት ሕቶ ገይሮም ነቲ ኹሉ ዝቐርብ መልስታት ኣጽኒዕካን እቲ ዝበለጸ ኣለሊኻ በኣኡ መሰረት ድማ ክትምራሕ ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ካቶሊካው ስልጣኔ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዕላማ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ

ኰይኑ ግና ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ሸቶ ብዛዕባ ክንክን ስነ ምህዳር ዝቐርቡን ንምክንኻኑ ዘብቅዑ ተባሂሎም ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ዝቐርቡ ሓሳባት ብምውድዳር እቲ ብሉጽ ዝብሃል ንምሕባር ዘይኰነስ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ንመጻኢ ውለዲ ሓሲቡ ዘለዎ ሓላፍነትን ናይ ዝኽተሎ ተግባር ሳዕቤናትን ግምት ክህበሉ ንምምራሕ ዝብል እዩ እንክብል ካቶሊካዊ ስልጣኔ ከምዝገለጾ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ








All the contents on this site are copyrighted ©.