2015-06-18 11:54:00

ላውዳቶ ሲ - ስቡሕ ወውዱስ - ዝተመስገካ ኩን ሐዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ


ንኩሉ ብኅብረት ርኢኻ ምኽአል

“ነቶም ብድኅረና ዚስዕቡና ዚዓብዩ ዘለው ሕጻናት እንታይ ዓይነት ዓለም ክነረክቦም ንደሊ፧”(160) ሕመረት ናይቲ ንክንክን ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነ ተፈጥሮ ዝምልከት ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍርናንቸስኮ ላውዳቶሲ/ዝተመስገንካ ኩን አብዛ ሕቶዚአ ይርከብ፣ ብምትሕሓዝ “እዛ ሕቶ እዚአ ንጽል አቢላ ንከባቢና ጥራይ አይተመልክትን፤ ከመይ ከፋፊልካ እትቀርብ ሕቶ አይኮነትን” ይብል እሞ እዚ አምር እዚ ብዛዕባ ህልውና ብቀንዱን አብ መሠረት ሕይወት ማኅበረሰብ ዝርክቡ ክብርታትን ከምዘምርሕ ከምዚ ክብል ይገልጽ፤ “ነየናይ ዕላማ ኢና አብዚ ዓለም ተፈጢርና? እዚ ኩሉ ንሠርሖን ንቃለሶን እንታይ ንምርካብ ኢዩ? እዛ ምድሪ እዚአ ስለምንታይ ነድልያ?”፤ ድሕሪ ምባል ር.ሊ.ጵ “ነዘን መሠረታውያን ሕቶታት እዚአተን እንተዘይሓቲትና ብዝመስለኒ ብዛዕባ አከባቢና ዘሎና ሻቅሎት አድለይቲ ሳዕቤናት አይክህልዎምን ኢዩ፣” ይብሉ፣

አርእስቲ ናይዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ካብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝደረሶ ጸሎት “ዝተመስግንካ ኩን ጐይታ ላውዳቶ ሲ ሚ ሲኞረ” ዝብል ማኅሌት ፍጥረት ኮይኑ አብቲ ምእንቲ ናይቲ ናይ ሓባር ገዛና መሬት አብ ዘቅርቦ ጸሎት እንክኸውን እዛ መሬት እዚአ “ሕይወትና ምሳአ እንሳተፍ ሓውትና ከምኡ እውን አእዳዋ ዘርጊሓ ሃንጐፋይ ቢላ እትቅበለና ጽብቅቲ አደና እውን እያ”(1)፣ ንሕና ንባዕልና “መሬት ኢና” (ዘፍ 2፡7 ተመልከት)፣ ሰውነትና ካብ ናይ መሬት ነገራት ዝቆመ ኢዩ፡ ንፋሳ ከም እነስተንፍስ ይገብረና ማያ ከኣ ሕይወት ሂቡ ከምንሕደስ ይገብረና”(2)፣

ሕጂ እምበኣርከስ እዛ ብሕማቅ ዝሓዝናያን ዝመዝመዝናያን መሬት ተጉረምርም ኣላ፤ እዚ ናታ ቁዘማ ድማ ምስቶም ኩሎም እዛ ዓለም ዝጠለመቶም ቁዘማ ይሕወስ፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንኩልናን ንነፍሲወከፍናን ማለት ግለሰባትን ስድራቤታትን ኮማትን ሃገራትን ዓለምሓቆፍ ማኅበራትን ጽን ቢልና ነዚ ቁዘማ ክንሰምዖ ይምሕጸኑና፣ እዚ ከኣ ‘ንከባቢያዊ ለውጢ’ ማለት ከምቲ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ ‘ነቲ ጉዕዞ ንምልዋጥ’ እንክኸውን ነዙይ ንምግባር ከኣ ሥነጽባቄኣ ብምግንዛብ ‘ነዛ ሓባራዊት ገዛና ንምክንኻን’ ኃላፍነታዊ እጃም ነበርክት፣ ምስዚ ማዕረ ብዝኾነ መንገዲ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ንኣከባቢናን ክንክን ተፈጥሮን ብዝምልከት ሕጹጽ ምንቅቃሕ ይዓቢ ከምዘሎ እዚ ከኣ እዚ ኣብ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ብሓቂ ገርሀይናን ዘሳቅን ሻቅሎት ከምዝፈጥር’(19) የዘኻኽሩ፣ በዚ ከኣ እዚ ሐዋርያዊ መልእኽትዚ ብሓፈሻ ተስፋ ብዝመልኦ ኣገባብ ክነተኩረሉ ዘሎና ጉዳይ እናኣነጸረ ‘ደቂሰባት ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ንምህናጽ ንክተሓባበር ገና ክእለት ኣለዎም’(13) እንክብሉ ንጹርን ተስፋ ዝመልኦን መልእኽቲ ናብ ኩሎም ይሰዱ ኣለው፣ ‘ወዲሰብ ገና ብሃናጺ ኣገባብ ጣልቃ ክኣቱ ይኽአል’(58) ‘ኩሉ ጠፊኡ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ እቶም ክሳብ እቲ ዝሓሰመ ደረጃ ክወድቁ ዝኽእሉ ደቂ ሰባት ክንዮ’ዚ ጸገምዚ ሰጊሮም ንሠናይ ነገር ክመርጹን ዳግም ክውለዱን እውን ይኽእሉ ኢዮም”(205)፣

ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ “ብፍላይ ክርስትያን አብ ውሽጢ ፍጥረት ኮይኖም እጃሞም ከበርክቱ አብ ቅድሚ ተፈጥሮን ፍጡርን ግቡኦም ክፍጽሙ ትሑዛት ዝገብሮም ክፍሊ እምነቶም ኢዩ”(64) ንዝብላ ቃላት ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምድጋም መልእኽቶም ናብ ካቶሊካውያን ምእመናን ዘተኵሩ እኳ እንተኾኑ፤ እዚኦም ብወገኖም “ነዛ ናይ ኃባር መንበሪ ገዛና ዝምልከት ምስ ኩሎም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ አብ ዘተ ክአትው አለዎም”(3) ይብሉ፣ እዛ ዘተ እትብል ቃል አብዚ ሰነድ’ዚ ብምሉኡ ትጥቀስ ኮይና አብ ሓሙሻይ ምዕራፍ ግን ንኩሉ ግድላት ንምግጣምን ንምፍታሕን ዋና መጋበሪ ኮይና ትቀርብ፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ መጀመርያ ጀሚሮም “ካልኦት አብያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ከምኡውን ካልኦት ሃይማኖታት-እውን ንተፈጥሮን አከባብን ብዝምልከት- ዓሚቍ አድህቦን ዝለዓለ አስተንትኖን አማዕቢሎም አለው”(7) ብማለት ይዝክሩ፣ አበርክቶ ናይ ኩሎም እንክዝክሩ ብኅልፊ ነቲ አብ ቍጽርታት 8-9 ብሰፊሑ ተገሊጹ ዘሎ “ክቡር ኤኩመኒካው ፓትርያርክ በርጠለመዎስ”(7) ዝገበርዎ አበርክቶ ብግልጺ የመስግኑ፣ አብዚ ዓውዲ እዚ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንዘበርከቱ ብውልቂ ይኹን ብማኅበር ከምዚ ክብሉ የመስግኑ “ናይ ብዙኃት ሊቃውንቲ ሥነፍልጠት ናይ ፍልስፍና ናይ ተሎግያን ኅብረተሰባውያን ማኅበራትን ሓሳባት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባዚ አርእስትዚ ንዘቅረበቶ ሓሳብ አሃብቲምዎ እዩ”(7) ብማለት ድሕሪ ምምስጋን “ንኩሉ ሓቈፍ ኤኮሎጂን ንምሉእ ናይ ዘመደ አዳም ምዕባሌን ሃይማኖታት ከወፍይዎ ንዝከአሎም ሃብቲ”(62) አፍልጦ ንክህቡ ንኩሎም ይዕድሙ፣

ብሓፈሻ ውጥን ናይዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲ አብ ቍ.15 ተጠቅሊሉ ንረኽቦ፤ አብተን ዝኽተላ ሽድሽተ ምዕራፋት ከአ ተዘርዚሩ ንረኽቦ፣ ካብቲ ሎሚ ሳይንሳዊ መጽናዕትታት ከቅርቡልና ዝኽእሉ ብሉጻት መረዳእታት ጽን ቢልካ ካብ ምስማዕ(1) ተበጊስካ ምስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍን አይሁዳውን ክርስትያናውን ባህሊ ብምንጽጻር(ምዕ.2) ሡር መሠረት ናይ ግድላትና ብምልላይ(ምዕ.3) አብ ክኢላዊ ምምሕዳርን ምሒር ምትዕጽጻፍ ናይ ደቂሰባት ርእሰ ውከሳን ይብጻሕ፣ እዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲዚ ዘቅርቦ ፍታሕ (ምዕ.4) “ኩሉ ሓቘፍ ኤኮሎጂ - ኢንተግራል ኤኮሎጂ ማለት ሰብአውን ኅብረተሰባውን ጐድንታቱ  ኩሉ ዘጠቃልል”(137) እዩ፣ እዚ ከአ ክንጸል ብዘይከአል መንገዲ ምስ አከባቢያዊ ሕቶታት ዝተአሳሰረ ኢዩ፣ ከምዚ ብዝበለ አመለኻኽታ ከስ ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብ(ምዕ.5) አብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ናብራ ማህበራውን ቍጠባውን ፖሎቲካውን ሕይወት ዝፍጸም ከይዲ ውሳኔታት ንጹር ንክኾኑ ይሰርዖም፣ ከመይ (ምዕ.6) ብዘይ ብግቡእ ዝተሃንጸን ብዘይ ኃላፍነትን ብዘይ ኅልናን ዝግበር ማንም ፕሮጀክት ክዕወት አይከአልን እዩ፣ እዚ ከአ ደረጃ ኵስኰሳኻ ብመንፈስ ትምህርቲ ቤተክርስያን ፖሎቲካን ንባበ መለኮትን ብዚአንፍተ መገዲ ንክዓቢ ይሕግዞ፣ እቲ ጽሑፍ ብክልተ ጸሎት ይዛዘም፣ ሓንቲ ጸሎት ብኩሎም “ብሓደ ፈጣርን አቦን ዝኾነ እግዚአብሔ”(246) ዚአምኑ ዝሳተፍዋ ኮይና ጸሎተ ወፈያ እያ፤ እታ ካልአይቲ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምኑ ኩሎም ክደግምዋ ዝኽእሉ ኮይና ከም ተመላላሲ ከአ በታ ናይዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲዚ አርእስቲ መኽፈቲትን መዕጸዊትን ዝኾነት ቃል “ሎዳቶሲ-ዝተመስገንካ ኩን” እናደጋገምካ ይዛዘም፣

አብ ጽሑፍ ናይዚ መልእኽቲ ዝተፈላለዩ አርእስታት ተጠቂሶም ይርከቡ፣ ነዚ አርእስታትዚ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት እናተመልከተ ናብ ሓድነት የምርሖ፤ “አብ መንጎ ድኻታት ዘሎ ጥቡቅ ርክብን ናይዛ መሬትና ተአፋፍነትን፤ አብ ዓለምና ዘሎ ኩሉ ረቂቅ ብዝኾነ መንገዲ ዝተአሳሰረ ምዃኑ፤ ናይ ዘመንና ሓዲስ ራእይ ምምርማርን ካብ ተክኖሎጂ ዝውሕዙ ዝተለፈላለዩ ተኽእሎታትን፤ ንምጣኔ ሃብትን ምዕባለን ንምርዳኦምን መተካእታ ዝኾኑ ንምድላይን ምዕዳም፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ክብሪ፤ ናይ አከባቢና ሰብአዊ ትርጉም፤ ንጹሕን ገርሀይናን ናይ ዝኾኑ ክትዓት አድላይነት፤ ናይ ዓለምለኻውን ክልላውን ፖሎቲካ ከቢድ ኃላፍነት፤ ናይ ምጕሓፍ/ምውጋን ባህልን ሓዲስ ቅዲ ሕይወት ምቅራብን”(16) ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ፣

ምዕራፍ ሓደ - አብ ገዛና ዝወርድ ዘሎ አደራዕ

ገዓር ናይ ፍጥረት ጽን ቢልካ ንምስማዕ እዚ ምዕራፍ እዚ ዘቅርቦ ነገራት አብዚ ቀረባ እዋን ሳይንሳዊ ሃሰሳ አብ ተፈጥሮ ዝረኸቦም ጉድለታት ከም መበገሲ የቅርቦም፣ “ነቲ አብ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ አደራዕ ከም ናብ ናይ ግልና ሕማም ብምልዋጥ ነፍሲወከፍና ክገብሮ ዝኽእሎ አበርክቶ ንግንዘብ”(19)፣ ከምዚ ብምግባር ከአ “ዝተፈላለዩ ገጻት ናይ ህልው ቅልውላው አከባቢና”(15) ክንምልከቶም ንኽእል፣

ምቅይያር ክሊማ- “ምቅይያራት ክሊማ ዓለምለኻዊ ግድል ኮይኑ፤ ናይ ከባብን ማኅበረሰብን ቍጠባውን ምምቅራሕን ፖሎቲካውን ከበድቲ ሳዕቤናት ብምፍጣር ንናይ ዘመንና መላእ ዘመደ አዳም ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብደሆታት የቅውም”(25)፣ እንተደአ “ክሊማ ናይ ሓባር ጥቅሚ አልዪዎን ናይ ኵልናን ንኵልናን”(23) ኮይኑ፤ ግን እቲ ዝኸበደ ሳዕቤን ናይዚ አብ ልዕሊ ድኻታት እዩ ዝወርድ፤ እንተኾነ ብዙሓት “ብዙሕ ሃብቲ ዘለዎምን ቍጠባውን ፖሎቲካውን ሥልጣን ዘለዎን ነዚ ጸገማት እዚ አብ ምሽፍፋንን ነቲ ምልክታት ናይ ሳዕቤናቱ አብ ምሕባእን ዘተኮሩ ይመስሉ”(26)፣ “አብ ቅድሚ እዚ ናይ አኅዋትናን አኃትናን ድርማታት ምንም ዓይነት ስጉምቲ ዘይምውሳድ ናይቲ ዝኾነ ሲቪላዊ ማኅበረሰብ ዝምስረተሉ አብ ብጾትና ዘሎና ኃላፍነት ናይ ምዝንጋዕ ምልክት እዩ”(25)፣

ናይ ማይ ሕቶ- ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብንጹር ቃላት “ናይ ደቂሰባት ብሕይወት ናይ ምንባር ተኽእሎ ዝውስን ስለዝኾነ ዝስተ ጽሩይ ማይ ምርካብ መሠረታውን ዓለምለኻውን መሰል ደቂሰባት እዩ፤ ስለዝኾነ ከአ ናይ ካልኦት ደቂሰባት መሰል ንምሕላው ነቅ ዘይብል ውዑል ኢዩ”፣ ንድኻታት ካብዚ መሰል ናይ ዝስተ ጽሩይ ማይ ምክልካል “አብታ ካባኦም ዘይትፍለ ክብሪ ሕይወት ዝተመሥረተ መሰል”(30) ምንፋግ እዩ እንክብሉ ናይ ማይ መሰል የረጋግጹ፣

ናይ ባዮዳቨርሲቲ/ብዙሕነት ታሕዋስያን ክንክን- “ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክንረኽቦምን ክንፈልጦምን ዘይንኽእሎም ብዙሓት ናይ አታኽልትን እንስሳታትን ዓሌታት ይጸንቱ አለው፣ ደቅናውን ክር እይዎም አይክ እሉን ንዘለዓለም ጠፊኦም ማለት እዩ”(33)፣ ክነፍርዮም እንኽእል ምንጪ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ አለዎም፣ በዚ አመለኻኽታ እዚ “ሊቃውንቲ ሥነ ፍልጠትን ተክኒሻናቶምን ዝገብርዎ ንግድላት ፍጡራት ካብ ደቂሰባት ጀሚሮም ፍታሕ ንክረኽቡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝነአድ እዩ፤ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ዘደንቅ እውን እዩ” ኮይኑ ግን ደቂሰባት ንቍጠባዊ መኽሰብን ሃልክን ቢሎም ዝገብርዎ ምትእትታው “ነዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም የድክይዋን የበላሽውዋን ዝበዝሕ ጊዜ ዝተደረተትን ዝጸምለወትን ይገብርዋ”(34)፣

ኤኮሎጂካዊ/አከባብያዊ ዕዳ- አብ ሓፈሻዊ ሞራል ናይ ዓለምለኻዊ ርክባት ተመሥሪቱ እዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዚ “ሓቀኛ ዕዳ ኤኮሎጂ/አከባቢ”(51) ከምዘሎን እዚ ዕዳዚ ብሕልፊ ናይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ከምዝኾነ እዚ ኸአ ምስ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና እንክወዳደር እዩ፣ ንዝኸውን ዘሎ ክሊማዊ ለውጥታት እንክንምልከት “ዝተፈላለየ ሓላፍነታት”(52) እንክህልው ናይተን ዝማዕበላ ሃገራት ሓላፍነት ዝለዓለ እዩ፣

ነዙይ ዓሚቍ ናይ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ግድል እዚ ብዝምልከት ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ በቲ አብ ቅድሚ እዚ ድራማ ናይ ብዙኃት አካላትን ህዝብን “ድኹም ግብረመልሲ” ብምርአዮም ብጣዕሚ ከምዝተንከፎም ይገልጹ፣ ሽሕኳ አዎንታዊ አብነታት እንተዘይተሳእኑ(58) “ፍልይ ዝበለ ድንዛዘን ሸለልትነት ዝበዝሖ ዘይሓላፋዊነትን”(59) ከምዘሎ የመልክቱ፣ ሓደ ንግዚኡ ዝኸውን ባህሊ(53) ከምኡ ኸአ ናይ መንባብሮና ሜላን ብዙሕ ከተፍርን ከተህልኽን ንምድላይን ክትⷅይር ስንድው ምዃን(59) ጐዲሎም ይረአዩ፣ ግዜና ዝጠልቦ ግን “ንኩነታት አከባቢና ንምክልኻል ዘረጋግጽ ሓደ ሕጊ ምምሓዝ”(53) እዩ፣

ምዕራፍ ክልተ - ናይ ፍጥረት ወንጌል

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም አብ ቀዳማይ ምዕራፍ ንዝተዘርዘሩ ግድላት ንክንተሓሓዞም ነቲ ካብ ዕብራውን ክርስትያናውን ባህሊ ዝወሃበና ንኩሉ ጠሚሩ ዝምልከት አምር ንዝህብ ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ እንደገና የንብቡ እሞ ወዲሰብ አብ ቅድሚ ፍጥረት ኩሉ “ዓቢ ሓላፍነት”(90) ከምዘለዎን መንጎ ኩሎም ፍጡራት ዘሎ ዓሚቍ ምትእስሳር ከምኡ ከአ “አከባቢ ሓባራዊ ንብረትን ናይ ዘመደ አዳም ኩሉ ውርሻን ኮይኑ ናይ ኩሎም ሓላፍነት”(95) ከምዝኾነ የረጋግጹ፣

አብ ቅዱስ መጽሓፍ “እቲ ሓራ ዘውጽእን ዘድሕንን አምላኽ እቲ ንዓለምን አብኡ ንዘሎ ኩሉን ዝፈጠረ አምላኽ ሓደ እዩ … አብኡ ፍቅርን ኃይልን ይጽመዱ እዮም”(73)፣ መንጎ ደቂ ሰብን ካልእ ፍጡራትን ንዘሎ ርክብ ንምስትንታንን ኃጢአት ከመይ ገቢሩ ነቲ ኩሉ ብኃባር ሚዛኑ ሒዙ ዝጐዓዝ ዝነበረ ከምዝዘረጎ ንምግንዛብን ታሪኽ ፍጥረት ቀንዲ እዩ፣ “እዚ ታሪኽ እዚ ህላዌ ወዲሰብ ብሰለስተ ጥቡቅ ርክብ ዘለዎም ነገራት ከምዝቆመ የብርሁ፤ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ርክብ፤ ምስ ዝኸምኡ ደቂ ሰባት ዘለዎ ርክብ፤ ምስ መሬት ዘለዎ ርክብ እዮም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዘመልክቶ እዘን ሰለስተ ናይ ሞትን ሕይወትን ርክባት እዚኤን ተበቲኸን፤ ብደገ ጥራይ ዘይኮነ አብ ውሽጥና እውን ከይተረፈ፤ እዚ ምብታኽ እዚ ከአ ኃጢአት እዩ”(66)፣

ስለዚኸስ ዋላውን “ሓንሳብ ሓንሳብ ክርስትያን ንቅዱስ መጽሓፍ ብግጉይ መንገዲ እንተተርጐሙዎ ሎሚ ነቲ በምሳል እግዚአብሔር ስለእተፈጠርናን ንመሬት ክንገዝአ ሥልጣን ስለዝተዋህበናን አብ ልዕሊ ካልኦት ፍጥረታት ፍጹም ዝኾነ ሥልጣን አሎና ንዝብል ሓሳብ ብኃይሊ ክነጽጎ አሎና”(67)፣ ወዲሰብ ነታ ጃርዲን/ገነት ናይ ዓለምና (ዘፍ 2፤15 ተመልከት) ሓላፍነት ናይ “ምፍራያን ምሕላዋን” እዩ ተዋሂብዎ (67)፣ እዚ ከአ “ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ካል ኦት ፍጡራት ንሕና ከምዘይኮና” ብምርዳእ ይገብሮ፣ እኳ ደአ ኩሉ ፍጥረት ምሳና ኃቢሮምን ብአና አቢሎምን ብኅብረት ናብቲ ኃባራዊ ዕላማ ዝኾነ ናብ እግዚአብሔር ገጽና ንጐዓዝ”(83)፣

ወዲሰብ ጐይታ ናይ ምሉእ ዓለምና አይኮነን እንክንብል “ሕያው ፍጡር ንዝኾነ ኩሉ ማዕረ ምግባርን ነታ መንነቱ እትገልጽ ፍልይቲ ናይ ወዲሰብ ክብሪ ምቅንጣጡን ማለት አይኮነን”፣ ኮይኑ ግን “አብ ምድሪ ከም መለኮታውያን ክንነብር እውን አየኽእለናን ከመይ ምስአ ክንተሓባበርን ንተአፋፍነታ ክንከላኸለላን ንዝተጸዋዕናዮ ስለዘጕድል”(90)፣ ብመንጽር እዚኸስ “አብ ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ሕማቅ ነገር እንክንፍጽም ተጻይ ክብሪ ወዲሰብ ንሰርሕ አሎና ማለት እዩ”(92) ኮይኑ ግን “ምስ ካልኦት ፍጡራት ናይ መሬት ጥቡቅ ውህደት ናይ ምፍጣር ስምዒትውን ቅኑዕ አይኮነን፤ ማዕረ እዚ ከአ አብ ልብና ኃልዮትን ርኅራኄን ብዛዕባ ካልኦት ደቂ ሰባት ምሽቃልን እንተዘየልዩ እውን ከማኡ እዩ”(91)፣ አብዚ ከገልግል ዝኽእል ግንዛቤ ኩለንትናዊ ውህደትናይ ኩሉ እንክኾን “ንሕና ኩልና ፍጡራት ናይ ዓለምና ካብ ሓደ አቦ ዝተፈጥርና ብዘይረአዩ መተአሳሰሪታት ዝተጠመርናን ሓንቲ ኩላዊት ስድራቤት ከአ ነቅውም … እዚ ከአ አብ ሓደ ቅዱስን ዝፍቀርን ትሑትን ምክብባር ይመርሐና”(89)፣

እዚ ምዕራፍ እዚ በቲ ናይ ክርስትያን ግልጸት ሕመረት ብዝኾነ “ምድራዊ ኢየሱስ” ምስቲ “ምስ ዓለም ዘለዎ ጭቡጥን ፍቅራውን ርክቡ” “ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክብሪ ዝለበሰን ብኵለንትናዊ ግርማዊነቱ አብ መንጎ ኩሉ ፍጡር ይርከብ”(100)፣

ሳልሳይ ምዕራፍ - ሰብአዊ መሠረት ቅልውላው አከባቢ

እዚ ምዕራፍዚ ናይ ህልው ኩነታት ትንተናዊ መጽናዕቲ የቅርብ፤ “ንምልክታት ናይ ቅልውላው ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ዓመቝቲ ምኽንያታት እውን ክንቅበል አሎና”(15) ነዚ ከአ ምስ ፍልስፍናን ሰብአውያን ሥነፍልጠታትን ብምዝታይ ክንገብሮ አሎና፣

ቀዳማይ መትከል ናይዚ ምዕራፍሲ አብ ትንተና ተክኖሎጂ እንክኸውን፤ “አብ ምምሕያሽ ናብራ ሕይወት ወዲሰብ ተክኖሎጂ ንዘምጽኦ ለውጢ ብምስጋና ይቅበል”(102-103) ብሓፈሻ እንክረኤ “ተክኖሎጂ ነቶም አፍልጦን ቁጠባዊ ሥልጣንን ንዘለዎም ንኩሉ ዘመደ አዳምን ዓለም ብምሉኡን ንክምዝምዙ ዘደንቅ ዓብላልነት ይህቦም”(104)፣ ንተፈጥሮ ናብ ምዕናውን ንደቂሰባትን ንድኻ ሕዝብታትን ናብ ምምዝማዝን ዘምርሑኸስ ናይዚ ተክኖክራሲያዊ ዕብለላዚ ሥነመጐት እዮም፣ “መለክዒ ተክኖክራሲ አብ ቁጠባን ፖሎቲካን ዕብለላ ናይ ምክያድ ዝንባሌ አለዎ”(109)፤ ነዚ ከአ “ዕዳጋ ብሕቱ … ምሉእ ሰብአዊ ምዕባሌን ናይ ኅብረተሰባት ኩሎም ሱታፌን ከምዘየውሕስ”(109) ንዘመልክቱ ኩሎም እናዓበጠ ኢዩ ዝገብሮ፣

አብ መሠረት ናይዚ ናይ ዘመንና ጸገም ሕሉፍ ንሰብ ማእከል ዝገበረ ሥነሓሳብ/አንትሮፖሰንትራሊዝም(116) ይረኤ፣ ወዲሰብ አብ ዓለም እቲ ዝግቦኦ ቦታ አይፈለጠን በዚ ከአ ንገዛእ ርእሱ ማእከል ዝገበረ ርእሰ ውከሳ አማዕቢሉ፤ እዚ ከአ ጠቅላላ ትኵረቱ አብ ገዛእ ርእሱን ሥልጣኑን ከምዝገብር ገርዎ ይርከብ፣ ካብዚ ዚምንጩ ሥነሓሳብ ከአ “ተጠቂምካ ደርቢ” ዝብል ኮይኑ አከባቢያዊ ይኹን ሰብአዊ ነገራት ምስተጠቀምካሎም ናይ ምጕሓፍ ባህሊ አጥርዩ፤ እዚ ከአ ንብጻይካ ይኹን ንተፈጥሮ ብምሉኡ ንጥቅምኻ ጥራይ ዘገልግሉ ገርካ ብምግማት ናብ ዕብለላ ሓመድ ሓፋሽ የመርሕ፣ እዚ ሥነመጎትዚ ናብ ምዝመዛ ሕጻናት ምርሕራሕ ዝሸምገሉን ንካልኦት ከም ባራዩ ብምርአይ ባዕልኻ እትውንኖን እትውስኖን ዕዳጋ ብምፍጣር ክሳብ መሸጣ ደቂሰባት ዝበጽሕ ክጸንቱ ቀሪቦም ናይ ዘለው እንስሳታት ቆራብቲ ብምሻጥን “ብደም ዝጨቀወ አልማዛት” ናብ ምሽቃጥን የብጽሕ፣ እዚ ሥነመጎት እዚ ማፍያን ሸቀጥቲ አካላት ደቂሰብን ሓሽሽ ዝሸጡን ንመደባት ወለዲ ስለዘይጥዕም ገና ንዘይተወልዱ ዕሸላት ከም ጐሓፍ ዝንጽሉን እዮም(123)፣

በዚ መብርሂ እዚኸስ እዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲዚ ናይ ዘመንና ክልተ ከበድቲ ግድላት ይትንትን፣ ቅድሚ ዝአገረ ሥራሕ ብዝምልከት “አብ ዝኾነ ይኹን ኩሉመዳያዊ ኤኮሎጂ/ከባቢ ንወዲሰብ ከይገደፍካ ንክብሪ ሥራሕ አብ ግምት ምእታው ናይ ግድን እዩ”(124)ይብል፣ ከምኡ ከአ “ቅልጡፍ መኽሰብ ክትረክብ ክትብል ንሥልጠና ደቂ ሰባት ወፍሪ ዘይምግባር ሕሱር ዕማም ማኅበረሰብ እዩ”(128)፣

እታ ካልአይቲ ከአ ድሩትነት ሥነፍልጠታዊ ግሥጋሴ ብሕልፊ ብንጹር መንገዲ ነቲ ንሸቀጥን ብዙሕ ምህርቲ ንምሕፋስን ንአዝርእቲ ዝለዋውጥ ጀነቲካሊ ሞዲፋይድ ኦርጋኒዝም(132-136) ዘስዕቦ ጠንቂ የብርህ፤ እዚኦም ከአ “ዝተጠናነጉ ሕቶታት”(135) የኸትሉ፣ ሽሕኳ “አብ ሓድሓደ ዞባታት በዚ ምህዞ እዚ ዝተጠቅሙ ቁጠባዊ ዕብየት ብምርካብ ገለ ጸገማቶም እንተፋዀሱ ገና ብቀሊል ዘይሕለፉ ጸገማት የጓንፍ አሎ”(134)፣ እዚ ከአ ካብቲ “ንፍርያም መሬት አብ ኤድ ቁሩባት ምግባት”(134) ጀሚርካ ይፍጸም አሎ፣ ነዙይ ክብሉ ከለው ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓሳቦም አብቶም ናአሽቱ አፍረይቲ አብ ገጠር ብሕርሻ ዝነብሩ ሓረስቶት አብ ከባቢ ክህሉ ዘለዎ ባዮዳቨርሲቲ/ብዙሕነት ሕያው ፍጥረታት ከምኡ እውን መርበብ ናይ አከባብያዊ ናብራ/ኤኮስይስተም እዩ፣ ስለዚኸስ “ኃልፍነት ዝስከምን ሰፊሕን ሥነፍልጠታውን ኅብረተሰብ አውን ዘተ/መጐት የድሊ እዚ ከአ ንዘሎ ኃበሬታት ኩሉ አብ ግምት አእትዩ ንነገራት ብግህዶ በብሽሞም ክጽውዖም” እዚ ከአ ካብ “ባዕላዊ ሃሰሳታት ጀሚርካ ተሓባቢርካ ክሳብ ዝግበር መጽናዕትታት ከጠቃልል አለዎ”(135)፣

ራብዓይ ምዕራፍ - ኩሉዘጠቃልል አከባብያዊ ናብራ/ኢንተግራል ኤኮሎጂ

ሕመረት ናይዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲዚ ኩሉሓቆፍ አከባብያዊ ናብራ/ኢንተግራል ኤኮሎጂ እንክኸውን እዚ ከአ ንኩሉ ብዓይኒ ፍትሒ እንደገና አብ ምምልካት ዘተኮረ ኢዩ፣ እዚ አከባብያዊ መጽናዕቲ እዚ “ወዲሰብ አብ ዓለም ክሕዞ ዘለዎ ቦታ ዘነጽርን ከቢብዎ ምስ ዘሎ ፍጥረት ዘለዎ ርክብ ዘወሃህድን”(15) ክኸውን አለዎ፣ ስለዝኾነ ከአ “ንተፈጥሮ ከም ሓደ ካባና ዝተፈልየ ገርና ክንጥምቶ ወይውን ሓደ ክፋል ናይ ሕይወትና ገርና ክንርድኦ የብልናን”(139)፣ እዚ ንኩልና አብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ናብራ ሕይወት ንዘሎና ማለት አብ ቁጠባ ይኹን አብ ፖሎቲካ አብ ዝተፈላለየ ባህላዊ መጽናዕታት እንርከብ ብፍላይ ግን ምስቶም ናይዚ ክሊማዊ ለውጢ አደራዕ ምስ ዝስከሙ ንሰርሕ ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ሁመት ናይ ዕለታዊ ሕይወትና ይምልከት፣

እዚ ንኩሉዝጥርንፍ ወይ ኩሉሓቆፋዊ አመለኻኽታ እዚ ናይ ተቅዋማት ኤኮሎጂ እውን ግደ ክህልዎ ይገብር፤ “ኩሉ ዝተታሓሐዘ እንተኾይኑ ኩነታት ጥ ዕና ናይ ዝተፈላለያ ተቅዋማት ኅብረተሰብ እውን አብ አከባቢ ገለ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል፤ አብ ሕይወት ሰብ እውን፤ “ንምትሕብባርን ሕውነትን እትትንክፍ ነፍሲወከፍ ቁስሊ አብ ልዕሊ ከባቢና ጉድአት የስዕብ”(142)፣

ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብ መንጎ ግድላት አከባብን ማኅበረሰብን ሰብአዊ ግድላትን ፈጺምካ ክትበትኮ ዘይከአል ምትእስሳር ከምዘሎ ጭቡጥ አብነታት እናሃቡ ይገልጹ፣ በዚኸስ “ናይ አከባቢ ግድላት እንክትንትን ካብ ናይ ሰብን ሥድራቤትን ሥራሕን ከተማን ግድላት ከማኡ እውን ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ዘካይዶ ግድል ክፍለ አይከአልን”(141)፤ ስለዚኸስ “ክልተ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ማለት ቅልውላው አከባብን ቅልውላው ማኅበረሰብን አይኮኑን ዘለውና እንታይ ደአ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ማኅበረሰባውን-አከባብያውን ቅልውላው እዩ ዘሎ”(139)፣

እዛ ኩሉ እተጠቃልል/ኢንተግራል ኤኮሎጂ “ካብ ናይ ሓባራዊ ሠናይ ነገር እትፍለ አይኮነትን”(156፣ ኮይኑ ግን ብጭቡጥ መንገዲ ንኩሉ ክተጠቃልል አለዋ፤ አብ ዘሎናዮ ኩነት “ብዙሕ ዘይምዕሩይነት ይረኤ፤ ተገሊሎም ዝተርፉ ብዙኃት ሰባት መሠረታዊ መሰላት ደቂሰባት ዝተነፍጎም ይረአዩ”፤ ንሓባራዊ ረብሐ/ሠናይ ነገር ምስራሕ እንክንብል “ነቶም ናይ ድኻ ድኻታት እናመረጽካ”(158) ወሳኒ ናይ ምትሕግጋዝ/ምትሕብባር ምርጫ ምግባር ማለት እዩ፣ እዚ አገባብ እዚ ነቶም ብድሕረና ንዝመጹ ወለዶ እውን ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሎሚ ድኻታት እናተኸናኸንካ ክትነብረሉ ዚከአል ዓለም አሰናዲኻ ምግዳፍ የድሊ፤ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ከአ “ክንዮ አብ ሓደ ወለዶ አተኲርካ ዝግበር ምትሕግጋዝ ሰጊርካ ንብዙሓት ወለዶታት ዘተሓቋቍፍ ዝተሓደሰ ምትሕግጋዝ አብ መንጎ ወለዶታት ምፍጣር ሞራላዊ ግዴታን ብሕጹጽ ክግበር ዘለዎን እዩ”(162)፣

ኩሉ ዘጠቃልል/ኢንተርጋል ኤኮሎጂ አብ ዕለታዊ ሕይወትና እውን ዘበርክቶ ነገር አለዎ፣ ነዙይ ብዝምልከት እዚ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ብፍላይ አብቶም አብ ከባቢ ከተማታት ዝነብሩ ብምትኳር ሰፊሕ ትንተና ይገብር፣ ወዲሰብ ምስ ሓዲስ ናብራ ንምልዛብ ዓቢ ክእለት አለዎ፤ “ተፈጥሮ ንዘቅርበልና ድሩትነት ንምስጋር፤ አብ መንጎ ብዙሕ ዘይስሩዕ ኩነታትን ብዙሕ ነገር አብ ዝጐድለካን ጊዜ ካብ ሽግር እናተማህሩ ናብራኦም ንምሥራዕ ብዙኃት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዝገብርዎ ምህዞን ልግስን ብሓቂ ዝድነቅ እዩ”(148)፤ ኮይኑ ግን ሓደ ሓቀኛ ምዕባሌ ንብምሉኡ ናብራ ደቂሰባት ዘተኮረ ምምሕያሽ እዩ ከበርክት ዘለዎ፤ ሕዝባዊ ቦታት ብምሕዛእ ምዕቡል መንበሪ ገዛውቲ፤ ናይ መጓዓዝያ መጋበሪ ወዘተ…የማዕብል”(150-154)፣

“ሰውነትናውን” እንተኾነ “ምስ አከባቢናን ካልኦት ሕይወት ዘለዎም ፍጡራት ቀጥተኛ ርክብ ከምዘሎና የመልክተልና፣ ናይ ኃባር መንበሪና ንዝኾነ ዓለም ምሉእ ከም ውህበት እግዚአብሔር አቦና ሃንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበሎ ንሰውነትና ከም ውህበት እግዚአብሔር ጌርካ ምቅባል አድላዪ እዩ፣ በንጻሩ ግን ሰውነትካ ናይ ምዕብላል ሥነመጎት ንካልእ ብሰላሕታ ናብ ም ዕብላል ከምትዝምብል ይገብር”(155)፣

ሓሙሻይ ም ዕራፍ - አንፈት ዘትሕዙን ንትግባሬ ዝሕግዙን ሓሳባት

እዚ ምዕራፍ እዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል እንታይስ ክንገብር አሎና ንዝብል ሕቶ ይገጥም፣ ምትንታን ጥራይ እኹል አይኮነን፣ “ካብቲ እናገደደ ዝኸይድን ክሸመናን ቀሪቡ ካብ ዘሎ ምዕናው ገዛእ ርእስና ንኽንላቀቅ ዝሕግዙና”(163) “ነፍስወከፍና ይኹን ዓለምሓቆፍ ፖሎቲካ ክንዋሳአሎም ዘሎና ናይ ዘተን ናይ ትግባረን”(15) እማመታት የድልዩ፣ ንር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ከምቶም ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዝግበሩን ዘቈናጽቡን ርእዮተ ዓለማዊ ሥነሓሳባት ዘይኮነስ ጭቡጥ ጉዕዞታት ምህናጽ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ፣ ስለዚ እታ አብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ናይዚ ምዕራፍዚ ተጠቂሳ ዘላ ዘተ ትብል ቃል ናይ ግድን ተድሊ፣ “ን አከባቢና ብዛዕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ብዙሕ ዘተን መጐተን አሎ፤ አብ መብዛሕትኡ አብ ሓደ ኩሎም ዝሰማምዑሉ ሓሳብ ክትበጽሕ ከቢድ እዩ … ቤተ ክርስትያን ሥነፍልጠታዊ ግድላት ክትፈትሕ አይትብልን ወይውን ንፖሎቲክ ክትክእ አይትብልን፤ እንተኾነ ግን ቅድሚ ፍሉያት አድላይነታትን ር እዮተ ዓለማትን ንሓባራዊ ረብሓና/ሠናይና ከየዕነዎ እንከሎ ክንረድእ፡ ንሓደ ቅኑዕን ንጹርን ዘተን ክትዕን ትዕድም”(188)፣

በዚ መሠረትዚኸስ ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብዚ ቀረባ ጊዜ ዝረኤ ንዘሎ ዓለምሓቈፍ ምንቅስቃሳት ብርቱዕ ወቀሳ ንምስንዛር ድሕር አይብሉን፤ “ሰአን ፖሎቲካው ውሳኔ አብዚ መጨረሻ ዓመታት ብዛዕባ አከባቢ ዝተገብሩ ዓለምሓቆፍ ጉባኤታት ንትጽቢትና ምንም መልሲ ክህቡ አይከአሉን፤ ብሓቂ ትርጉምን ብቅዓትን ዘለዎም ዓለምለኻዊ ስምምዓት ክገብሩ አይከአሉን”(166)፤ ከምዚ ቢልና ክንሓትት ከአ የገድደና “አብ ቅድሚ ተቀላጢፍካ ውሳኔ ክትወስደሎም ንዝግብኦም ህጹጻትን አገድስትን ጉዳያት ምንም ክገብር ብዘይምኽአሉ ክዝከር ንዘለዎ ሥልጣን ንምንታይ’ዩ ምዕቃቡ ዘድለ?”(57)፣ ከምቲ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ፓቸም ኢን ተሪስ/ወሰላም በምድር ጀሚሮም ደጋጊሞም፤ ንዓለምለኻዊ ምምሕዳር ብብቅዓት ዘገልግሉ ቅርጻታትን መጋበሪታትን የድልዩ(175)፣ “ነቲ ሓባራዊ ረብሓ/ሠናይ ነገር ናይ ዓለም ብሓፈሻ ብዝግባእ ንምምሕዳር ዝሕግዙ ሓባራዊ ዓለምለኸ ውዑላት የድልዩ”(174)፣ “ምክልኻል አከባቢ ብመሠረት ናይ ገንዘባዊ ጸብጻብ ክፍሊትን መኽሰብን ክረጋገጽ አይክእልን፣  ናይ ዕዳጋ ሕግታትን ምንቅስቃሳትን ነቲ ካብቶም ሓባራዊ ንብረትናን ሠናይ ነገርናን ዝኾነ አከባቢና ክከላኸሉሉ ወይ እውን ብዝግባእ ከማዕብልዎ አይክ እሉን እዮም”(190፡ እዚ ካብ አስተዋጽኦ ኅብረተሰባዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተወስደ እዩ)፣

አብዚ ምዕራፍ እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ፣ ክንዮ ፖሊቲካታትን ናይ ርእሰ ማላውያን ተበግሶታትን ሰጊርካ “ናብ ሓደ ሓቀኛ ሓባራዊ ምዕባሌ”(185) ንክትበጽሕ፤ ቅኑዓትን ንጹራትን ውሳኔታት ናይ ምግባር መስርሕ ክድንፍዕ አትሪሮም ይዛረቡ፣ ብሕልፊ ከአ አብ አከባቢና ሓደ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ሓዲስ ፕሮጀክት ንምውጣን “ንዘተ ክፍት ዝኾነ ሕብእብእ ዘይብሉ ንጹር ፖሎቲካዊ መስርሕ የድሊ፤ በንጻሩ ነቲ አብ አከባቢ ክስዕብ ዝኽእል ሠናይ ጽልዋ ዝሓዘ ውጥን ብናይ ረብሓን ጥቅምን ሽፋን ጐልቢብካ ዘይንጹር ስምምዓት ብብልሽውና ዝተቈማጥዑ ስለዝኾኑ ብዘይ ግሉጽ ሓበሬታን ዓሚቍ ዘተን ስለዝግበሩ ክውገዱ አለዎም”(182)፣

ብፍላይ ነቶም ፖሊቲካዊ ሥልጣን ሒዞም ንዘለው ዘቅርብዎ ተሪር ሓደራ ከአ “አብ ሥነመጎት ናይ ቅርጥውነትን ቅልጡፍነትን”(181) ዘተኮረ ኮይኑ “ክገብሮ ትብዓት እንተለዎ ከም ሰብ እግዚአብሔር ንዝሃቦ ክብሪ ብሓዲሽ ክፈልጦን ንሱ በዚ ታሪኽ እዚ ምስ ሓለፈ ከአ ምስክርነት ናይ ለጋስ ኃላፍነት ገዲፉ ከምዝሓልፍ ይፍለጥ”(181) ይብሉ፣

ምዕራፍ ሽድሽተ - ኤኮሎጂካዊ ትምህርትን/ኵስኰሳን መንፈሳውነትን

ናይ መጨረሻ ምዕራፍ አብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ መልእኽቲ ዝኾነ ብዛዕባ ምሕዳስ/ምልዋጥ አከባቢና ይዛረብ፣ እቶም ባህላዊ መሠረት ቅልውላው አከባቢ ዝበልናዮም ብቀሊሉ ስለዘይልወጡ ልማዳትናን ጠባያትናን ብሓዲስ ክንሕንጽጾ አሸጋሪ ይኸውን፣ ስለዚ ትምህርትን ኵስኰሳን ቀንዲ መጋበሪ ይኾኑ፤ “ዝኾነ ለውጢ ድርኺትን ሓደ ጕዕዞ ኵስኰሳዊ ትምህርትን የድልዮ”(15)፣ አብዚ ኩሎም እጃሞም ከበርክቱ የድሊ፤ ልዕሊ ኩሉ ግን “ቤት ትምህርቲ፤ ሥድራቤት፤ መራኸቢ ብዙኃን ትምህርቲ ክርስቶስ”(213)፣

መንቀሊና “ናብ ካልእ አነባብራ ሕይወት ብምትኳር”(203-208) ክኸውን አለዎ፤ እዚ ከአ “አብ ል ዕሊ እቶም ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማኅበረሰባውን ሥልጣን ሒዞም ዘለው ዘይጐነጻዊ ተጽዕኖ ንምግባር”(206) መንገዲ ይኸፍተልና፣ እዚ ማለት ናይቶም ተጠቀምቲ ምርጫታት “አከባብያዊ ተሓድሶ ንምግባር ተጽዕኖ ብምግባር ናይቶም አፍረይቲ አገባብ ምህርቲ ክመሓየሽን ንአከባቢ ዘይጐድእን ንክኸውን የገድድዎም”(206)፣

አብ ናይ ዕለታዊ ሕይወትና ጕዕዞ ልምድታትናን ተግባራትናን ጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ናይ ኤኮሎጂካዊ ትምህርት/ኵስኰሳ ክፍልታት አድላይነት ዓቢ ግምት ክንህቦን ካብ ዝደቀቀ ብከንቱ ማይ ካብ ምብኻን ምቍጣብ ጀሚርካ ክሳብ ነቲ እንጉሕፎ ፈላሊና ከነቀምጦን እንደገና ዝጠቅም እንተሎ ክርእን “አብ ዘይድሊ ጊዜ እነብርሆ መብራህቲ ክሳብ ምጥፋእ”(211) ክንጉስጉስ አሎና፣ “ኩሉመዳያዊ ኤኮሎጂ ዕለት ዕለት ብእንገብሮም ደቀቅቲ ነገራት ከም በዓል ዓመጽ ምውጋድ ካብ ምዝመዛ ምቁጣብን ናይ አነነት ባህርይ ብምውጋድን ክፍጸም ይከአል”(230)፣ ነዚ ኩሉ ብገርሀይና ናይ እምነት አስተንትኖ እንተተመልኪትናዮ ዝቀለለ ክኸውን እዩ፤ “አማኒ ብዛዕባ ዓለም እንከስተንትን ነቲ እግዚአብሔር ምስ ኩሉ ፍጡር ክንተዓሳሰር ንዝዓደለና ርክባት ብምስትውዓል ብደገአ ዘይኮነ ብውሽጣ እናጠመተ እዩ ዘስተንትን፣ አብ ልዕሊዚ ከአ ነቲ እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍ አማኒ ናብ ዝዓደለና ፍሉይ ክእለት ብምትኳርን ንከማዕብሎ ብምግዳልን ኤኮሎጂካዊ ለውጢ/ተሓድሶ ናቱ ዝኾነ ፈጠራን ተበግሶን ንምውሳድ የኽእሎ”(220)፣

      እታ አብ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም/ታሕጓስ ወንጌል ዝተዋህበት ውጥን አብዚ እውን ትድገም፤ “ብነጻነትን አፍልጦን እትንበር ርእሰ-ቍጽጽር መውጽኢት ሓራ እያ”(223)፤ ከምኡ ከአ “ታሕጓስ ብወገኑ ካብቶም ዘደንጽውና ነገራት ርእስና ክንገትእን ሕይወት ንዘወፍየልና ብዙሕ ተኽእሎታት ክፉታት ብምዃን ተሰናዲና ክንጸንሕን የኽእለና”(223)፣ በዚ መንገዲ እዚኸስ “ከምብሓዲሽ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዘድልዮን ናይ ካልኦትን ናይ ዓለምናን ኃላፍነት ከምዘሎናን ሕያዎትን ቅኑዓትን ምዃን ፍረ ከምዘለዎ ንምግንዛብ”(229) ይከአል፣

አብዚ ጕዕዞ እዚ ቅዱሳን ኩሎም የሰንዩና፣ ብዙሕ ጊዜ ዝጠቅስናዮ ቅዱስ ፍርናቸስኮስ “ዝለዓለ አብነት ናይ ዝደኸሙ ተከናኻንን ብታሕጓስ ዝንበር ኩሉዘጠቃለለ ኤኮሎጂ ኰስኳስን”(10)እዩ፣ “ብዛዕባ ተፈጥሮን ንድኻታት ፍትሒ ምውጻን ንማኅበረሰብ ንምግልጋል መብጽዓ ምግባርን ውሽጣዊ ሰላምን ናይ ምሽቃል”(10) አርአያ እውን እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንበዓል ቅዱስ አቡነ ብሩኽ ቅድስት ተረዛ ዘሊስየ ከምኡ እውን ንብፁእ ሻርል ደ ፉኮ ይዝክር፣

ድሕሪ ላውዳቶሲ - ዝተመስገንካ ኩን ናይ ኅልና መርመራ የድሊ፣ እዚ ከአ  ምስ ጐይታ ብዘሎና ርክብ ዝርከብ ብርሃን ንሕይወትና ዳግም ንምልላይን ምስራዕን ዝሕግዘና ቤተክርስትያን ወትሩ ሓደራ እትብለና መጋበሪ እዩ፣ እዚ መርመራ ኅልና እዚ ሓዲስ ጠመተ ክገብር አለዎ ማለት ሕይወትና ምስ እግዚአብሔርን ብጾትናን ገዛእ ርእስናን ብዘለዋ ርክብ አብ ከመይ ዝበለ ኩነት ከምዘሎና ምስትንታን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኩሉ ፍጡርን ተፈጥሮንከ ከመይ አሎና ክንብል ንግደድ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.