2015-06-19 09:30:00

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት፦ ርክብ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት


ሃይማኖታዊ መዳይ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ መሰረት እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ሕበረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ዘዳለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ጋላገር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ነጻነት ሃይማኖትን ተኣምኖን ፍሉይ ቃል ኣቕራቢ  መሰረታዊ ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ ዓውደ ጉባኤ ዝሓለፍፈ ሰሙን ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣዳራሽ ከምእኻየደ እንክዝከር ቀጺሉ እውን ብሓባር ምንባርን ብዙህነት ምኽባርን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ መደብ ጉባኤ ምስ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ከምእተኻየደ ልኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ኣብቲ ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ምኽትል ኣቦ መንበር ፍራንስ ቲመርማንስ እዚ ናይ ሓባር ዘተ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ነቶም ቀንደይና ረቛሒታት ዝኾኑ ብዶሆታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ድማ ማሕበራዊ ጥምረት ንምንቕቓሕን እቲ ዝረአይ ማሕበራዊ ጋግ ንምትኽኻልን ማዕርነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክታ ከምዝኽእላ እስፊሖም ከምዝገለጹ ማሶቲ ኣመልኪተን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጉባኤ ናይ ማሕበርሰብ ክርስቲይንን ኣይሁድን ምስልምናን ሂንዱን ቡድሃን ሞርሞነን ሃይማኖታት መራሕቲ ከምእተሳተፉ ገሊጸን፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ምቅብባልን ምክብባርን፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ጸረ ኣይሁዳውነትን ጸረ ምስልምናን ተግባራትን ጽልእን ምክልኻልን ምውጋእን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ዘገልግል ናይ ሓባር ናይ ዘተ ሰነድ ንምቕራብ ዝኣመተ ከምዝነበረ ኣመልኪተን።

ኣብቲ ናይ ዕለት 17 ሰነ 2015 ዓ.ም. ጉባኤ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣብ ጀርመን ናይ ሙዩኒክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ክዀኑ እንከለዉ ምስኦም ሓቢረን ናይ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸ ከምእተሳተፋ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.