2015-06-20 17:02:00

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ቶሪኖ


ኣብ ኢጣሊያ ፒየሞንተ ክፍል ሃገር ርእሰ ከተማ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ዕለት 21 ን 22 ሰነ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቶሪኖ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ምስ መላእ ተቐማጦ ቶሪኖ ልቢ ክራኸቡ ይበጽሑና ኣለዉ፣ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ምርኢት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መግነዝን ዝኽሪ መበል 2 ሚእቲ ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮን ምኽንያት ዝካየድ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይን ሞትን ዘቃልሕ እቲ ጭካነ ዝተመልኦ ቕትለትን ነዚ ሰገር ዝኾነ ተስፋ ዘረጋግጽ ኣብ ሰበኻ ቶሪኖ ተዓቂቡ ዘሎ ቅዱስ መግነዝ ኰይኖም ጸሎት ከዕርጉን ከስተንትኑን እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ንመላእ ዓለም እግዚኣብሔር ብመስዋዕቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘቕረቦ ድሕነት ከጽልዩን ከጸልዩን ኣሚቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ።

እቲ ኣብቲ ቅዱስ መግነዝ ተነቢሩ ዘሎ መልክዕን ምስልን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ናይቶም ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ ስቓይን መከራን ድኽነትን ስደትን ዓመጽን ዝርከቡን ዝተናዕቁን ተነጺሎም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ዝነብሩ ዜጋታት ብጭቡጥ ዝውክል እዩ ቢሎም፣ እቲ ቅዱስ መግነዝ ናይ ስቓይ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ተስፋ ትእምርቲ እውን እዩ፣ ናብ ካልኦት ክበጽሕ ዘለዎ ተስፋ ዘቃልሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ እተካይዶ ዓሚዩቕ መንፈሳዊ ንግደት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ቀጺሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካይዱ ናይ ስነ ቅዱስ መግነዝ ሊቅ ፕሮፈሰር ብሩኖ ባርበይ ቅዱስ መግነዝ ንመላ ዘርኢ ሰብ ናይ ሕልና ሕቶ እዩ። እቲ ቅዱስ መግነዝ ብሓቂ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድዩ ኣይኰነን ንዝብል ሕቶ ንሶም ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ካብ ዝተፈልለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ምርምርን ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያን ሊቃውንቲ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ኣካይዶም እዮም፣ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ እዩ። ብዙሕ ትንተናን ጥንሰ ሓሳባት እውን ተዋሂብዎ እዩ፣ ኩሎም ድማ ናይ ሓደ ብዘስካሕክሕ ተግባር ዝተቐትለ ሰብ ምስሊ ዝተሓትሞ መግንዘ ምዃኑ ብዘካይድዎ ኩለ ምዳያዊ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ኣቢሎም የረጋግጹን ይእመኑን፣ ገሊኣቶም ድማ ናይ ስነ ቅብኢ ውጽኢት እዩ ይብሉ፣ ኰይኑ ግና ኣብቲ መግነዝ እቲ ተነቢሩ ዘሎ ምስሊ ናይ ስነ ቅብኢ ውጽኢት ንምዃኑ ንምርግጋጽ ብዝተግበሩ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕታት ናይ ቀለምን ሕብርን ሓበሬታን ኣሰርን ፈጺሙ ኣይተረኽበን፣ እቲ ቅዱስ መግነዝ ንስነ ምርምርን ንእምነት ይዛረብ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 24 ግንቦት 1998 ዓ.ም. ኣብቲ ቅዱስ መግንዘ ዝተነብረሉ ሰበኻ ቶሪኖ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ወንጌል ነጸብራቕን ንስነ ምርምርን ሊቃውንትን ኣመንትን ኢኣመንትን ዓቢይ ሕቶ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዘኪሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.