2015-06-20 16:32:00

፬ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ 2007 ዓ.ም. ሰነ 14 2007 ዓ.ም (6/21/2015)


ምስባክ፡ ኢትግድፈነ እምቅድመ ገጽከ፥ ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እምላዕሌየ፥ ዕሥየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖተከ።  ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡6-10፥ 2ዮሓ 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 10፡44-ፍ፥ ማር 4፡26-34

መዝሙር ናይ ዕለቱ “ክርስቶስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንሥአ ጻድቃን እግዚአብሔር ዘምሩ። አብኡ ሞቕሕ ሓጺን ሰሩ ንቀዳማይ ፍጥረቱ አውጽኦ፥ ንቶማስ መውጋቲ ጎድኑ ንእንድርያስ ከአ ሽንካር አእዳዉ አርአየ፥ ጻድቃን እግዚአብሔር ንዝኽሪ ቅድስናኡ ሰገዱ፥ ነቲ ድኅሪ አርብዓ ምዓልታት አብ ሰማያት ብክብሪ ንዝዓረገ ምስ መላእኽቲ ዘምሩ” ይብል።

አብ ስርዓት ልጡርግያ ቤተ ክርስትያን ክንዝንግዖ ዘይብልና ናይ ክርስቶስ “ሕማማት፥ ሞት፥ ትንሣኤን ዕርገትን” ከም ሓደ ፍጻሜ እዩ ዝርአ ስለዚ ድኅሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ብዛዕባ ዕርገቱ ሕማማቱ ምዝራብ ከም ሓደ ስለ ዝርአ እዩ። አብ አስተንትኖና ነዚ አብ ግምት አእቲና ኢና ክነስተንትን ዘሎና። ነዚ መሰረት ገሩ ናይ ሎሚ መዝሙር አብ ሓዲስ ሕይወት ኢየሱስ ክንሳተፍ እሞ ደቂ ትንሣኤ ኮና ክነብር የዘኻኽረና።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ከምኡ አምላኽ ከመይ ገሩ ምሳናን ብዘይ ብአናን ከምዝዓዩ ይነግሩና። ከምኡ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ከም ሓንቲ ኦም ኮይና አብ ዓለም ዝተተኽለት ምዃና ይነግሩና። ካብ ዝንአሰት ዓይነት ዘርኢ ጀሚራ አብ ዝዓበየት ኦም ትኸውን ርኡይ መረጋገጺ መንግስቲ አምላኽ አብ ዓለም ኮይና ትርከብ። ንሕና እምብአር ንኸምዚ ዓይነት መንግስቲ አምላኽ እምነት ገርና ክንደሊ ይግብአና።

አብዚ መንግስቲ ዝብል እንታይ ከምዘስምዕ ክንፈልጥ ይግብአና ምኽንያቱ አብ ወንጌል ተደጋጊሙ ብዛዕባ መንግስቲ ዝዛረብ ንረክብ። እዚ “መንግስቲ አምላኽ” እንብሎ እንታይ እዩ? መጀመርያ ቦታ አይኮነን፥ ቀንዲ ትርጉሙ ካብ ግሪኽ ዝመጸ እዩ “basileia” አብ ሓሳብ ጥራሕ ዘሎ ረቂቕ ግዙፍ ዘይ ኮነ እዩ ዘስምዕ ስለዚ ‘ንግስነት ግዝአት” እዩ፥ አብ ቋንቋና ክንትርግሞ ከሎና ውሱን ግዝአት ቦታ የስምዕ፥ አብ ትርጉም ንግስነት ወይ መንግስቲ” ዝብል ዘስምዖ ሓይሊ ስልጣን እዩ ዘስምዕ። አባል መንግስቲ ወይ ግዝአት አምላኽ ምዃን ማለት ብምሉእ ተረዲኡካ ፈሊጥካ አብ ትሕቲ ስልጣን አምላኽ ምዃን እሞ ነቲ ስልጣን አምላኽ ምግላጽን ብእኡ ክእለት ወይ ሓይሊ ምርካብን እዩ። እቲ እንለብሶ ሓይሊ ኸአ ሃይሊ ፍቕሪ እዩ። እቲ ሓይሊ ፍቕሪ ሓደስቲ ዝገብር፥ ምሉእ ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ዝህብ፥ ዘበራትዕ፥ ንሕልና ሓፍ አቢሉ ነቲ ክንኮኖ ዝግብአና ዝገብር ሃይሊ እዩ። 

አብ ሕዝቅኤል ነብይ አብ 17፡22-24 ዘሎ እንተ አንበብና ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ንረክብ። ሕዝቅኤል ንደቂ እስራኤል እምነት ገሮም ምእንቲ ክጉዓዙ ብዛዕባ ተስፋ፥ ተሓድሶን ሓርነት/ነጻነት ይነግሮም። አምላኽ ንህዝበ እስራኤል ካብቲ ዝነበርዎ ስደት አብ ባቢሎን ከም ዘውጾምን ንኹሉ ከምብሓዲስ ከም ዝቕይረሎምን ይነግሮም። እዚ ማለት ከአ አምላኽ ክሕድስ ንህዝቡ ካብ መንግስቲ ጭቆናን ድኽነትን ሓዘንን አውጺኡ አብ ሓዲስ ርክብን ሕይወትን ከም ዝእትዎም ድላዩ ከምዝኾነ አብ መንግስቲ ሰላምን ፍትሕን ሃብትን ከእቱ ከምዝደሊ ይገልጽ። እዚ ዓይነት መንግስቲ እዩ ክርስቶስ አብ ልዕሊ ህዝቡ ከም ንጉሥ ዝነግሰሉ ከምኡ ንዅሉ ሕይወቶም ከም ምንጪ ኮይኑ ክሕግዝ ዝደሊ። አብ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ክነብር እዩ አምላኽ ዝደልየና። ናይ እዚ መንግስቲ እዚ ብግዙፍ እትርአን ምልክትን ቤተ ክርስትያን እያ ኩሎም አሕዛብ አብአ ክዕቆቡ ዝደልይዋ።

አምላኽ ንደቂ እስራኤል እምነት ገሮም በቲ ንሱ ዝደልዮ እንተ ኸዱ ኵሉ ከምዝቕይረሎም ምስኦም ከምዝኸውን ከምዝመርሖም ደጋጊሙ ነጊርዎም ነሩ፥ ሎሚ እውን ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ አብኡ ክንምለስ ካብ ኃጢአትና ክንምለስ ክንሳሕ ይደልየና። ኵሉ ክቕየረልና ሰላም ክነግስ አምላኽ አብ ሕይወትና ክነግስ ንሕና ኸአ ደቂ መንግስቱ ኯና ክነብር አሎና።

አብ ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተነበትና ጳውሎስ ዘዘኻኽሮ ንሕና አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ክንበጽሕ አብ ጉዕዞ ከምዘሎና ይነግረና። ንሕና አብ ውሽጢ ሰውነትና ብሕይወት ይዅን ወይእውን አብ ስደት ንሃሉ ንአምላኽ ክነሕጉስ ኵሉ ጊዜ ተሰናዲና ክነብር አሎና። ጉዕዞ አብ መንግስቲ አምላኽ ገጽና ብእምነት ክንጉዓዞ አሎና። ጳውሎስ ከምዚ እናበለ የዘኻኽረና፥ “ብእምነት እምበር ብምርአይ አይኮናን እንነብር ዘሎና፥ እምብአር ትብዓት አሎና ካብዚ ሰብነትዚ ግዒዝና ኸአ ምስ ጎይታ ኽንነብር ይኅሸና” (2ቆሮ 5፡7-8)። አብዚ መንፈስ መሰረት ገርና ጉዕዞ ሕይወትና ብዓቢ ምስትውዓል ክንመርሕ አሎና ሽዑ አብ መወዳእታ አብቲ መንግስቲ አምላኽ ብክርስቶስ ቅቡላት ክንከውን።

አብ ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዘንበብናዮ ክርስቶስ ብክልተ ምሳሌ ገሩ ዓቢ ትምህርቲ ይህብ ንሰማዕቱ። ከምኡ ነቶም ዝሰምዕዎ አብኡ ከቕርቡ ንሱን መንግዝቱን እንታይ ምዃኖም ተረዲኦም አብ ሓዲስ ርክብ ምስኡ ክአትዉ ይነግሮም። ንእና ሎሚ እንሰምዕ ዘሎና እውን እቲ ንሱ ዘቕርበልና መንግስቲ ቀሊልን ሰላማውን ቀስ ኢሉ በብቕሩብ እናዓበየ ዝኸይድ እዩ። ንኹልና ብቕኑዕ መገዲን ብሓቂ ብልቢ ንእንደልዮ ክፉት እዩ። አብኡ አምላኽ ይቆጻጸር ይመልኽ ኹሉ አብኡ ንዘሎ ኸአ ከምቲ ዝድልዮ ከምዝኸውን ይገብር። አብዚ ምሳሌ እቲ ቀንዲ አትኵሮ ዝግበረሉ አብቲ ሓረስታይ ዝገብሮ ጻዕሪ አይኮነን፥ አብቲ ዘርኢ እዩ ዘተኩር። እቲ ዘርኢ ካብ መጀመርያ ብምስጢራዊ መገዲ ሓደ ከይፈለጠ ከየስተውዓለሉ ቀስ ብቐስ ይዓቢ ምስዓበየ ንኹሉ ጽላል ይከውን። ልክዕ ከምኡ አብቲ መንግስቲ አምላኽ ንሕና ክንርድኦን ክንገልጾን ብዘይንኽእሎ መገዲ አሎ። እታ ሓንቲ ንሕና ክንገብራ እንኽእላ ንዘርኢ እምነት አብ ክርስቶስ ዘላትና ክንዘርእ እሞ ሽዑ አምላኽ ባዕሉ ንዝተረፈ ክምልአልና እዩ። እቶም እመነት ዘልኦምን አብ ክርስቶስ ዝአምኑን አብ መንግስቲ አምላኽ ቅቡላት ክኾኑ እዮም።

አብዚ ክንዝክሮ ዘሎና እዚ ወንጌል አብ ዝጽሓፈሉ ዝነበረ እዋን ቤተ ክርስትያን ንእሽቶይ እያ ነራ። ውሑዳት ማሕበር ዝሓዘት አብ ከተማታት ዓዳት አብ ኩሉ ክባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ዝተዘርግሑ እዮም ነሮም። ከምዚ ሎሚ ዘመናዊ መራኸቢታት ዘይኮነ ከይተራኸቡ ንዓመታት እዮም ዝጸንሑ ነሮም ካባና ፍሉያት ዝገብሮም ምስ እዚ ኹሉ ጸገማት እምነቶም ብርቱዕ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ይከድ ነሩ። ብውሑዳት ጀሚሮም አብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ገሮሞ። ሎሚ እውን ክንከምዝዓቢ ከምዝዝርጋሕ እንገብር ንሕና ኢና።

አብቲ ካልአይ ምሳሌ ዘርኢ አድሪ ዝንአሰት ካብ ኩሎም አዝርእቲ ንእምነትና ከም ቤተ ክርስትያን ምስ መንግስቲ አምላኽ ዘሎና ርክብ ተመልክት። በዚ ምኽንያት እዩ ክርስቶስ “ክንዲ ዘርኢ አድሪ እትአክል እምነት እንተ አላትኩም . . . . ዘይክአለኩም ነገር የለን” (ማቴ 17፡20) ዝብለና። እምነት ትዓቢ እያ እንተ ዓበየት ከአ አብ ዓቢ ነገር ትበጽሕ። ክትዓቢ እንከላ አብ ክርስቶስ ገጻ ትመርሓና በዚ ኸአ አብ መንግስቱ ንአቱ። ከምኡ ካልኦት አብታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክመጽኡ ቦታ ትኸፍተሎም። እዚ እዩ ትርጉም ናይ እቲ ክርስቶስ አብቲ ምሳሌ “አዕዋፍ ሰማይ አብ ጽላላ ኼዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸአ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር” ዝብሎ። 

ንሕና ክንሰብኽን ክንምስክርን እንከሎና ውጽኢቱ አብ ዕለታዊ ሕይወት ሰባት ክርአ ይክአል። ንአብነት ንአሽቱ ቆልዑት ክምኡ ልቦም ክትንከፍ ይክአል፥ መንእሰያት ሕይወቶም ቀይሮም አብ ምቕባል ምስጢራት ክአትዉ ይኽእሉ፥ ክልተ አዕሩኽ አብ ቃል ኪዳን ምእሳር ክአትዉ ይኽእሉ፥ ከምኡ ገለ ካብቲ ዝነበሮ ሕማቕ ልምዲ ወልፊ ክወጽእ ይውስን ይኸውን ካልእ ከአ ዕርቂ ክሓትት ወይ ክህብ ይኽእል። እዚ ምናልባት ንአሽቱ ነገራት ኮይኑ ክርአየና ይክአል ይኸውን እንተኾነ እቲ ዘርኢ መጠን እምነትና ዝዓበዮ ይዓቢ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ሰውነት ክርስቶስ ትዓቢ ብዙሓት አብ መንግስቲ አምላኽ ገጾም ይመጹ።

አምላኽ ሎሚ እውን ብምስጢራዊ መገዲ ንሕና ብዘይንርእዮን ዝርድአናን ገሩ ይሰርሕ አሎ። እዋና ዝምሰሎ ብዘየገድስ አምላኽ ሎሚ እውን ይዓዪ አሎ። “ነገራት ከምቲ ዝመስልዎ አይኮኑን” ዝብል ምስላ እኹሉ ርድኢት እዋናን እቲ አምላኽ ዝገብሮን ክገልጸልና ይክአል።

አብ አምላኽ ብንአሽቱ ነገራት ጀሚሩ አብ ዓበይቲ ዘደንቕ ነገራት ይበጽሕ። በዚ ኢና ምስ አምላኽ ክንጉዓዝ እንከሎና ብእምነት እምበር ብምርአይ አይኮናን ክንጉዓዝ ዝግብአና። ንዅሉ አብ ኢድ አምላኽ አቐሚጥና ክንከይድ እንተ ኸአልና መወዳእታና ዝበለጸ እዩ። ሰብ አብቲ ንእኡ ዝርድኦን ዝደልዮን ጥራሕ ተደሪቱ ንሕይወቱ እንተ መርሐ እናጸልመቶን ሓሰሞን እዩ ዝኸይድ። አብ ጉዕዞ እምነት አብ ገለ እዋን እቲ ውጽኢት እምነትና ክንርእዮ እውን አይክአልን እዩ። ንአብነት ናይ ኵሎም ሰማዕታት እምነት ፍረ ንሕና ዘሎና ድአ እምበር ንሶምስ ሓሊፎም እዮም ግን እቲ ንሶም ዝአመንዎ ንሕና ንርእዮ አሎና።

ሎሚ አብ ሃገርና መዓልቲ ስዉአት እዩ በዚ ኸአ ንኹሎም ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ሰላም ሕይወቶም በጃ ንዝሓለፉ ብፍሉይ እንዝክረሉ ዕለት እዩ። ሰማዕታት ንብሎም ምእንታና ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ክነግስ ኢሎም ሕይወቶም ስለ ዝሓለፉ። እዚ ዕለት መጀመርያ ነቲ ንሶም ዘምጽእዎ ነጻነት ሃገር ከምቲ ዝድለዶ ንጥቀመሉ አሎና ወይስ ዘንጊዕና አሎና ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ ዝሓትት ዕለት እዩ። ካልአይ ብመስዋእቲ እንፈትዎም ደቅና አሕዋትና ዝመጸ ናጽነት ሃገር ከመይ ንነብሮ አሎና ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ነጻነት ሰብ ብቐሊል ተነቃፋይ ጉዳይ እዩ ስለዚ ሓለዋ የድልዮ ንነጻነት ዘይናቱ ክገብሩ ዝደልዩ ንነጻነት ገፊፎም ባራዩ ክገብሩ ዝደልዩ ንነጻነት አብ ናይ ገዛእ ጥቕሚ ጥራሕ አውዒሎም ንኻልኦት እናአጋፍዑ ዝነብሩ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ነዞም ኩሎም ጸላእቲ ነጻነት መስመሮም እነትሕዝ ንሕና ኢና። መዓልቲ ሰማዕታት እምብአር ነዚ መብጽዓ ክንሓድስ እዩ ዘዘኻኽረና።

ስለዚ መዓልቲ ስውአት ንዝያዳ ሓላፍነት ሃገር ክንለብስ ዝሕግዝ ዕለት እዩ። ሃገር ጥዒሙካ እትፈትዎ ጸጊሙካ እትጸልኦ አይኮነን ሃገርን አደን ክልተ ክቕየሩ ዘይክአሉ እዮም። ሎሚ ዓድና አይጥዓመን አብ ውሽጥን አብ ደገን ዘሎና ሓድነት መንፈስን ፍቕርን ውሒዱና። ካብቶም ዝዕርዩ ዘበላሽዉ በዚሖም መንእሰይ ዓዲ ይሓድግ አሎ ወለዶታት ስድራታት ይበታተና አለው፥ ከሰክፈና አለዎ ሕልና ዘለዎ ወዲ ሃገር ክስከፍ እሞ ንጽቡቕ ክብገስ ይግባእ፥ ተሓማሚና ተጻሊእና እነፍርዮ ነገር የለን። አረኣእያ ፍልልይና ብዘየገድስ መጀመርያ ሃገርና ክንብል ሽዑ አብ መአዲ ዘተ ሕውነት ክንአቱ ልብና ክፉት ንግበሮ።

ፍቕሪ ሰናይ ግብሪ አብ ቤትና እያ እትጅምር፥ ዘርኢ ሰላምን ፍቕርን አብ ልብና ካብ ወለድና ኢና እንቕበሎ፥ እምብአር አብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ሰላም ክንዘርእ ናይ ነፍስወከፍና ሓላፍነት እዩ። አብ ገዝኡ ሰላም ዘይገበረ አብ ገዛ ካልእ ሰላም ክገብር አይክእልን እዩ። ክንመሓሓር አሎና ንዝበደለና ክንምሕር አምላኽ ባዕሉ እዩ አርእዩና። ምጭኽኻን አሕዋት አይገብረናን እዩ። ንዝበደለ ሓውና ክንምሕሮ ድላይ አምላኽ እዩ። ‘ምሓሩ ክትምሓሩ እዩ” ትምህርትና።

ነቶም ምእንታና ሕይወቶም ዘሕለፉ አብ ሕቕፉ ተቐቢሉ ዓድና ዓዲ ሰላምን ፍቕርን ፍትሕን ይግበረልና። ንኹሉ ዝቕይር አምላኽ ዘመና ይቐይረልና። ዘርኢ እምነትና እናዓበየ ከይዱ ፍረ ዘፍሪ ንመንግስቲ አምላኽ ብእምነት እነገልግል ይግበረና።

“ሃቦም እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም፥ ወይኩን ዕረፍቶም በሰላም”

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     








All the contents on this site are copyrighted ©.