2015-06-22 08:44:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አብ ሰሜናዊ ጣልያን አውራጃ ፒዮሞንተ ርእሰ ከተማ ቶሪኖ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰሜናዊ ጣልያን አውራጃ ፒዮሞንተ ርእሰ ከተማ ቶሪኖ  ሎሚን ጽባሕን  ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ  ሎሚ ንግሆ ከተማ  ቶሪኖ  አትዮም። መዕረፍ ነፈርቲ ቶሪኖ ካሰለ ምስ በጽሑብናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ አቡነ ቸሳረ ኖሲልያ ዝተመርሑ ውሉደ ክህነትን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም።

ፓፓ ፍራቅንቸስኮ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ካሰለ ንማእከል ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ ቅርዓት ረአለ ተጓዒዞም ምስቶም አብቲ ቅርዓት ረአለ ክጽበይዎም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ተራኺቦም። ወከልቲ ሰራሕተኛታት አውራጃ ፒዮሞንተ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ቃል አስሚዖም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም አብ ቅርዓት ክሰለ ክጽበይዎም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት አብ ዘስምዕዎ ቃል ዝኸብርኩምን ዝተፈተኹምን አሕዋትን አሐትን ድሐንዶ ሐዲርኩም፡ ንኹሉኹም ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ስራሕ ስድራ ቤታት አብዚ ንዝተረኸብኩም ሰላም፡ ንዝገበርኩምለይ ምዉቅ አቀባብላ የመስግነኩም።

አብ ቶሪኖ ዘካይዶ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብአኹም ይጅምሮ አለኹ ምስቶም ብስእነት ስራሕ ዝሳቀዩ ዘለዉ መንእሰያት ብሐፈሻ አብ ጐድኒ”ቲ ብጠንቂ ቅልውላው ኤኮኖሚ ከቢድ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ከም ዘለኹ ክገልጸልኩም ይፈቱ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ስራሕ ንኤኮኖምያዊ   ሃልኪ ጥራሕ አይኮነን አድላዪ ዝኸውን  ሰብአዊን ዜግነታዊን ክብርን  መሰልን  ከም ዝኽነ አገንዚቦም።

ብታሪኽ ከተማ ቶሪኖ ቦታ ስራሕን ምዕባሌን ከም ዝኾነት ዘኪሮም ክአ ብጠንቂ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ብዙሕ ህዝቢ ካብ ስራሕ ይዘናበል ብስእነት ስራሕ ይሳቀ አሎ ነዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ንዝምልከቶም አካላት የተሐሳስብ።

አብ ሞንጎ ህዝቢ ክአ ክርስትናዊ ምትሕብባርን ምፍቅቃድን ምጽውዋርን ክህሉ ክአ ተላብዮም።

ድሕሪ ርክብ ምስ ሰራሕተኛታት አብቲ አብ ቅርዓት ረአለ ዝርከብ ካተድራል አትዮም ሐጺር ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም

ብድሕሪ”ዚ ናብቲ ሚእቲ ሺሕ ምእመናን ሆጭ ኢሎም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ቅርዓት ቪቶርዮ ቨነቶ ተጓዒዞም ምስቶም አብኡ ክጽበይዎም ዝጸንሑ ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ መሪሖም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ዘዕረግዎ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ አብ ንባብ ናይዚ ዕለት”ዚ ቃለ ወንጌል ከም ዝሰማዕናዮ፡ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዘለዎ ፍቅሪ እሙንንን ሙሉእን ዘየቋርጽ ጽኑዕ ከም ዝኾነ ጠቂሶም  ጐያታን መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ፍቅሪ”ዚ  ለቢሱ  ከም ዝመስከሮ አገንዚቦም። 

ዝተፈተኹምን ጥዑማትን ህዝበ ክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዘፍቅረና አብ ምድራዊ ሕይወትና ወትሩ አብ ጐድንና አሎ የሰንየና ክአ ንፍጥረት ሰብ ስለ ዘፍቀረ ክአ ወልደ አምላክ እንከሎ ሰብ ኮይኑ ነዚ ፍቅሪ”ዚ ከረጋግጽ ክአ ሞይቱ ተንሲኡ ብማለት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ አብ ከተማ ቶሪኖ አብ ቅርዓት ቪቶርዮ ቨነቶ ሥርዓተ ቅዳሴ ዝተኸታተለ ህዝበ ክርስትያን ሰቢኾምሉ። 

ኢየሱስ ክርስቶስ ስእለ ገጽ መሐሪ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ፍቅሪ እግዚአብሔር እምብአር ከስ ኩሉ ዳግም ዝፈጥር ዝሀንጽ ዝምሕር ዝጓሲ ወትሩ ምስ ፍጡራቱ ዝጓዓዝ ከም ዝኾነ ምዝንጓዕ የብሉን ቃለ ስብከት ፓፓ ፍራንቸስኮ።

ካብዚ ዝተረጋግኤ ዝተረጋገጸ ጽኑዕም ህያውን ፍቅሪ እግዚአብሔር ክንርሕ የብልናን

ንሱ ወላ እንተርሕቅና ወላ ምስማዕ እንተአበና ወትሩ ምስና አሎ ወትሩ ይደልየና

ሕጊ እግዚአብሔር እንተጠሐስና ከይተረፈ ምሕረትን ጸጋን ሂቡ ይሕልወና ስለ ዝኾነ ክርስትያናዊ ሕይወት ክንክተል አብዚ ዓልም”ዚ አጋይሽ ድአምበር ነበርቲ ከም ዘይኰና ክንዝክር ክነስተንትን ከም ዝግባእ ክአ አብ ስብከቶም አተሐሳሲቦም።

ድሕሪ ፋጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅርዓት ቪቶርዮ ቨነቶ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስቲ አብቲ ቅርዓት ቅዳሴ ዝሰምዔ ህዝቢ ዓቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም። 

ናይ ከተማ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ቸሳረ ኖሲልያ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ከተማ ቶሪኖ ቃለ ምስግና አስሚዖም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ቅርዓት ቪቶርዮ ቨነቶ ንመንበረ ሊቀ ጳጳሳት ተጓዒዞም አብኡ ክጽበይውም ምስ ዝጸንሑ አብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ስደተኛታትን አብ ጐደና ምስ ዝነብሩ ሰባትን ሐቢሮ ንምሳሕ መአዲ ቀሪቦም።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሰለስተ በዚ ናይዚ ሀገር ሰዓት አቁጻጸር ናብ ቤተ ክርስትያን ረዳኢተ ማርያም ካተድራል ተጓዒዞም ምስ ደናግል ደቂ ረዳኢተ ማርያምን ምስ አባላት ማሕበር ቅዱስ ዮሐንስ ቦስኮን ተራኺቦም ብሐባር ክአ ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም።

ብድሕሪኡ ክአ ኮቶለኞ ዝብሀል ቤተ ክርስትያን ተጓዒዞም ምስ ሕሙማትን አካለ ስንኩላንን ተራኺቦም ንሕሙማትን ንአካለ ስንኩላንን አጸናኒዖም። ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ክአ ምሕዳሮም ንመንበረ ሊቀ ጳጳሳት ተመሊሶም። 

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከተማ ቶሪኖ ጽባሕ ቀጽሉ ክውዕል ኢዩ አማስይኦም ክአ ንመንበረ  ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ክምለሱ ኢዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.