2015-06-25 12:31:00

መርሓ ግብር ምዱብ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዛዕባ ሥድራቤት ተቀሪቡ!


ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ከተማ ቫትካን ብዛዕባ ሥድራቤት ክዝቲ ናይ ዝተወሰነ መበል 14 ምዱብ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ከም መዛተዪን መርሓ ግብርን ዘገልግል ብኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ ዝፍለጥ ሰነድ ተሰናድዪ ንኩሉ ቅሩብ ከምዝኾነ ቅድሚ ትማሊ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜናን ጋዜጣዊ መግለጽን አብሪሁ፣

ከምዝዝከር አብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ አብ ወርሒ ጥቅምቲ ብት እዛዝ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዛዕባ ሥድራቤት ከምዝዘተየን ብዝሕ ዝበለ አካታዒ ነጥብታት አልዒሉ ከምዝተኻተዔን አብ መጨረሽታ ንኩሉ ለበዋታትን አካታዕቲ ነጥብታትን አጠቃሊሎም ንር.ሊ.ጳ ከምዘርከቡ ቅዱስነቶም ከአ ብወገኖም አብ መላእ ዓለም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ደረጃ ረኪበ ጳጳሳት ጀሚርካ ብዝተፈላለየ ጕጅለታት ብሥድራቤትስ ይኹን ብዩኒቨርሲታት በብክልሉ ተጋቢኦም ነቲ ነጥብታት ከዛተዩሉን ዝውሰኽ ክውስኹ ዝንከ ክንክዩ ከዝምለአኽዎ ይፍለጥ፣ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ብወገኑ ካብ ኩሎም እዞም አብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ጉጅለታትን ማኅበራትን ካብ መላ እ ዓለም ንዝመጸ ር እይቶታትን ሕቶታትን አኻኺቡ አጻፊፉ ናብ ቅዱስነቶም ምስ አቅረበ ቅዱስነቶም ብወገኖም ከም መበገሲ ናይ ዝመጽእ ሲኖዶስ ናይ ሥራሕ ሰነድ ብኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ መልክዕ አቅሪቦሞ አለው፣

ብሓፈሻ እንክረኤ እቲ ሰነድ ሰልስተ ክፍልታት ዝሓዘ እዩ፣ ቀዳማይ ክፍሊ ግድላት ሥድራቤታት ናይ ዘመንና ጽን ቢልካ ምስማዕ ካልአይ ክፋል ጸዋዕታ ሥድራቤት እንታይነቱን ክብረቱን ንምፍላጥ ንካልኦት ንምምሃርን ብአስተንትኖ ምስንዳው ሳልሳይ ከአ ተልእኮ ሥድራቤት ዝብሉ እዮም፣

አብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሰነድ እቲ ናይ ዘመንና አሸቃሊ ጸገም ሥድራቤት ኮይኑ ዝረኤ ብቤተክርስትያን ይኹን ብማዘጋጃ ሥድራቤት ናይ ዘቍሙ ቍጽሪ ብዘይ መጠን እናንቆልቆለ ይመጽ እ ምህላው፤ ማዕረ ማዕረኡ ምፍታሕን ዋሕዲ ውሉድን ዝገደደ ከአ መንእሰያት ሥድራቤት ካብ ምምስራት ምፍራሆምን ብከመይ ይፈውሱ ንዝብል ነጥቢ ከም መዛተዪ ነጥቢ እንከቅርብ ንሥድራቤት ዘሸግሩ ባዕልና ዝፈጠርናዮም ጸገማት ውግእ ድኽነት ፍቅሪ ገንዘብ ረብሓ/ጥቅሚ ንዘይትረኽበሉ ምጉሓፍን ዚመስልዎምን ንቃል ኪዳን አብ ምብታንን ሥድራቤት አብ ምፍልላይን ቀንዲ ጠንቂ ስለዝኾኑ ምናዳ ነቶም ፍረ ቃልኪዳን ዝኾኑ ውሉድ ስለዝጐድእ ነዚ ብኸመይ ንፈውስ ንስንኩላንን ንዝሸምገሉን ከመይ ዝበል ሐዋርያዊ አገልግሎት ይቅረብ ዝብል ይርከቦ፣

አብቲ ካልአይ ክፋል ከአ ሥድራቤት ውህበት እግዚአብሔር ኮይኑ ምሥጢረ ቃል ኪዳን ሓድነትን ፍቅርን ሂቡ ፍረኡ ከአ ውሉድ እዮም፣ ቤተ ክርስትያን ንዝተጸገሙ ሥድራቤታት ክትሕግዝን ክተበራትዕን እንከላ እቶም ካብ መርዓ ዝሃድሙ ሓሳብ ክልውጡ ይኽእሉ! ነዚ ከአ ብዘይ ፍርሕን ሕፍረትን ምምስካሩ የድሊ!

አብ ሳልሳይ ክፍሊ ቅድሚ ሥድራቤት ምምሥራት ዘድሊ ምስንዳው ምምሃር ኃልፍነቶም ከምዝሽከሙ ንምግባር ብተስፋ ክንጐዓዝ ከምዘድሊ፣ ምናዳ ካህናት ነዚ ናይ ዘመንና ግድላት ሥድራቤት ንምእላይ ፍሉይ ኵስኰሳን ትምህርትን የድልዮም፤ ነቶም ብዘይ ቃልኪዳን ተአኻኺቦም ንዘለው ብትዕግሥትን ልዝብን ጸሎትን ናብ ቃል ኪዳን ክአትው ምሕጋዞም! ንዝተፋትሑ ኩሎም ምሕረት ክህቡን ክቅበሉን ሰብ መሰል ምዃኖም ምብራህ ምናዳ ከአ ነቶም ፍረ አብራኾም ዝኾኑ ውሉድ አደራዕ ናይ ምፍልላይን ፍትሕን ከይወርዶም ምጽዓር የድሊ፣

ብቅዓት ቃል ኪዳን ብዝምልከት አጽኒዖም ኢባቍዕ ንምባል አብ ኩሉ ሰበኻታት ዝርከብ መንፈሳዊ አብያተ ፍርዲ ብዙሕ ግዜን ኮለልን ስልዝረኤ ንኩሉ ብነጻን ብስልጡን እንተዝግበር፣

ርእሲ ኩሉ ግን እዚ ሲኖዶስ እዚ ብቃል ኪዳን ጸኒዖም ንዝነበሩ ይኹን ተፋቲሖም እንደገና ዝተመርዓው ወላውን ብዘይቃልኪዳን ተአኻኺቦም ንዘለው ሥድራቤት ዝምልከት ንኩሎም ከም ውሉድ ቤተክርስትያን ብምምልካት ንማንም ዘየጓኑ ሕግታት ናይ ሐዋርያዊ ኃልዮት ክቀውም ሓሳብ የቅርብ፣ ከምኡ እውን እቶም ቃል ኪዳን በቲኖም እንደገና ዝተመርዓውስ ይኹኑ ካልእ ካብ ምሥጢራት ዝኽልክል ጸገም ዘለዎም አቡናት ብመንገዲ ንሥሓ እናመርሑን ዘድሊ መአረምታ እናገበሩን ክሕግዙሉ ዚከአል መንገዲ እንተዝርከብ ዝብል ሓሳብ እውን የቅርብ፣

ብዛዕባ ምስ ተኸተልቲ ካልእ ሃይማኖት ዝግበር ሕውስ/ሚክስድ መርዓ እውን ካብ ጥምቀት ጀሚርካ ክሳብ ቅዱስ ቍርባን ዝሳተፉሉ መንገዲ እንተዝድህሰስ አብ ርእሲኡ ከአ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጉዳይ ሃይማኖቱ ንከማል እ ዕንቅፋት ከይኮኖ ዝብልን ኃላፍነት ወለዲ ደቆም ዝመሃሩሉ ንምምራጽ ነጻ ከምዝኾኑን ቤተ ሰብ ናይ ስብከተ ወንጌል መበገሲ ከም ኡ እውን ምሕረትን ፍቅርን እንመሃረሉ ስለዝኾነ እቲ ንታሕሳስ ክእወጅ ተሓሲቡ ዘሎ ዓመተ ምሕረት እውን አብ ግምት ክአቱ እሞ ኩሉ ብዓይኒ ምሕረት ክረኤ ሓደራ ይብል፣








All the contents on this site are copyrighted ©.