2015-07-02 19:01:00

ምእንቲ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ ዝግበር ጸሎት አብ ደቡብ አመሪካ ማኅበረሰባት ሕውነት ዝዓሰሎ ሕይወት ምእንቲ ክነብሩ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዝመጽእ ሰንበት ዕለት ሓሙሽተ ሓምለ 2015 ዓምፈ ክሳብ ዕለተ 13 ሓምለ አብ ደቡብ አመሪካ አብ ሰልስተ ሃገራት ማለት ኤኳዶር ካብ 5-8 ቦሊቭያ ካብ 8-10 ከማኡውን ፓርጉዋይ 10-12 ሓምለ 2015 ዓምፈ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም እንክምልከት ናይዚ ወርሒዚ ምእንቲ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ ዝግበር ጸሎት አብዙይ ዘተኮረ ክኸውንን አብ ደቡብ አመሪካ ማኅበረሰባት ሕውነት ዝዓሰሎ ሕይወት ምእንቲ ክነብሩ ክጽለ አተሓሳሲሶቦም፣

ቀንዲ ንቅዱስነቶም ዘተሓሳሰበን ም እንታኡ ጸሎት ክግበር ንክምሕጸኑ ዝደፋፈኦምን ምኽንያት አብዚ ሓዋርያዊ ዑደት ክገብሩሉ መዲቦምሉ ዘለው ክፍሊ ዓለም ማኅበራዊ ዘይማዕርነት ዝ ዓብለሎን ፍትሒ ዝጉደሎን ናብራ ብምህላው ኢዩ፣

አብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ማእከላይ ቦታን ግዜን ሒዛ ናይ እትርከብ ከተማ ኤል አልቶ ናይ ቦሊቭያ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ኤውጀንዮ እስካርፐሊኒ ብተለፎን ንሬድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ “ብጣዕሚ ሕጉሳት ኢና ሓጐስና ወሰን የብሉን ር.ሊ.ጳ ክመጹና ብ ዓቢ ሃረርታ ንጽበ ነቲ ንግበሮ ምስንዳእ እውን ብ ዓቢ ሓጐስ ኢና ንገብሮ ዘሎና መላእ ዓለም እውን ካብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ንአመንቲ ዝወሃብ አተኵሮ ዘመልክት መል እኽቲ ክቅበል ንትስፎ፣ እዚ ሕዝቢ እዚ ገና ብኽብሪ ክዓቢ ድሩትነቱ አብ ምፍላጥ ክግደስ ንጸገማቱን ቅልውላውታን ከሽንፍ ንዘይፍትሓውነት ከወግድ ክጽዕር ዘለዎን በዓል ዓቢ ተስፋን ኢዩ፣ ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕዚ ተማ “ተሓጐሱ” ዝብል ብዛዕባ ሓጐስ ዝግደስ ኮይኑ ቅዱስነቶም አቀዲሞም አብ ዝለአኽዎ መል እኽቲ ቪድዮ እውን ነዚ ኢዮም ገሊጾም፣ ከምቲ ዝበልዎ አብ ጐንና አብ ጥቃና ክኾኑን ናብራና ብአካል ብምዕዛብ ተሳታፊ ናይ ኩሉ ሻቅሎትናን ጸገማትናን ኰይኖም ታሕጓስ ናይ ወንጌል ክልግሱልና በዚ ከአ ሕይወትና እንደገና ብምርአይ ናይዚ ናይ ወንጌል ታሕጓስ ተቋደስቲ ክንከውን ኢዩ፣ ርግጽ ኢዩ ቅዱስነቶም አብ ማእከል መጓሲኦም ዝመላለስ ጓሳ ንክኾኑ ገጽ ንገጽ ምስ መጓሲኦም ክራኸቡ ከምቲ ዝብልዎ ከአ “በጊዕ በጊዕ ዝሽትት ጓሳ ንክኾኑ ኢዩ” እንክብሉ ትጽቢቶምን ሓጐሶምን ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.