2015-07-11 16:36:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናይቶም ተነጺሎም ዝነብሩ ኣውያት ጽን ክበሃልን ኣምልዀ ሃብቲ ገንዘብ ከብቅዕን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሃገረ ቦሊቪያ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሳንታ ክሩስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ተረኺቦም፦ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ ኤኮኖሚ ክቕየርን ብዓውሎማዊ ምሕዝነት ክትካእ ዘተሓሳስብ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ናይ ዝተነጸሉ ዜጋታት ምረትን ኣውያትን ጽን ክበሃልን እታ ብቐጻሊ እትህሰይ ዘላ እኖ መሬት ምክልኻልን የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ብምቕራብ ንቓልሲ ምንቅስቓሳትን ማሕበራውያን ሓይልታት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅርበት ከምዘርጋገጺ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲክን ጂሶቲ ኣስዒቦም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሃገረ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ንቕዱስ ኣቦና ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍጻሚ ሰነድ ከምዘረከቡ እውን ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሃን ብሉጽ መልእኽቲ ተባሂሉ ዝቃላሕ ዘሎ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራውያን ምንቅስቓሳት ዓውደ ጉባኤ ዘስምዕዎ ዘረባ እግዚኣብሔር ናይ ሕዝቢ ኣውያት ሰማዒ ምዃንን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝተነጸሉ ዜጋታት ዝነብርዎ ኢፍትሓውነት ኩነት ንምስናፍ ዝድግፉ ብሉጻት መገድታት ዝሕብርን መሬት ቤትን ዕዮን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምዃኑን ስለ መሰልን ክብርን ምቅላስ ንገዛእ ርእሱ ብሉጽ ክብሪ እዩ ዝብል፣ እቶም ግራት ዘይብሎም ተቐማጦ ገጠርን ኣባይቲ ስድራ ብስእነት ስራሕን ሰራሕተይናታትን ብዘይ ናይ ሰራሕተይና መሰልን ክብርን ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ልዕሊ ዅሉ መኽሰብ ዝብል ዓለም ዝኽተሎ ንናይቶም ዝተነጸሉ እውያት ጸማም እዝኒ ዝህብን መሬት ዘዕንው ኣመክንዮ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ ኤኮኖሚ ክቕየርን ብዓውሎማዊ ምሕዝነት ክትካእ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

እውነተይና ለውጥን ሕዳሴን ኣገዳሲ እዩ፣ እቲ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ ኤኮኖሚ ናበይ ይመርሕ ከምዘሎ ንርእዮ ኣሎና፣ ሕዝብታት ዓለምን እንነብረሉ መሬትን ክጻወሮ ዘይከኣሎም እዩ፣ ክቕየርን ብዓውሎማዊ ምሕዝነት ክትካእ ድማ ናይ ግድን እዩ፣ ካብ ሕዝብታት ዝውለድ ተስፋን ኣብ መንጐ ድኻታት ዝጥጥዕ ተስፋ ነቲ ዓለም ዝነብሮ ዘሎ ነጻልን ዘይተገዳሲ ዓውሎማውነት ክትክእ ኣለዎ፣ ስለዚ እወታዊ ለውጢ እቲ ሃብታም ክነሱ ብዘይ እውነተይና ሓጎስ ዝነብርን ጊልያ ሃብቲ ዓለም ዝኾነ ኵሉ ዘድልዮ ናይ ድሕነት ለውጢ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ባዚሊዮስ በዓል ቄሳርያ ግብረ ሳጥናኤል.. ንሱ ድማ እቲ ናብ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝመርሕ ዘሎ ቀጥዒ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ዘምልኽ ህርፋን ዝረኣየሉ ግዜ ኣብ ፍጻሜ ዝበጽሔ እዩ ዝመስል።

ሃብቲ ገንዘብ ጣኦት ክኸውንን ናይ ሰብኣዊ ፍጡር ምርጫታት ዝመርሕ እንክኸውንን ህርፋን ሃብቲ ገንዘብ መላእ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ኣገባብ ዝቆጻጸር ክኸውን እንከሎ ሕብረተሰብ ይዕንውን ኩነኔ ሰብ ይኸውንን፣ ጊልያ ይገብርን፣ ሰብኣዊ ሕውነት ይዕንውን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ምስሕሓብን ግርጭትን የተኣታትውን ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ዝዀነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከምዝብሎ ሓብትናን ኣኖናን መሬት ናብ ስግኣት ይድርኽ። ድኻታትን ሕዙናትን ዝተነጸሉን ዝነብርዎ ጽንኩር ኩነት ምቕያር ዝከኣል አይኰነን ኣብ ዝብል ዘይትስፉው እማኔ ከይንወድቕ ሓደራ ንጠንቀቕ።

ንስኻትኩም ዝተነጸልኩምን እትምዝመዙን ድኻታትን ዝዀንኩም ንምቅስቓሳት ናይ ኵሉ መነባብሮ ክመሓየሽ ኣብ ዝግበር ከይዲ ብዙሕ ኢዅም እትጽዕሩ፣ ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ተስፋ ኣብ ኢድኩም እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን፣ ስለዚህ ገዛእ ርእስኹም ኣይተነኣእሱ፣ ናይቲ ናይ ልብን ገባሬ ሰናይ ኢድ ዝተመልኤ ሕዳሴን ለውጥን ዘርኢ ኢኻትኩም፣ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ካብ ፍቕርን ብፍቕርን ተነቓቒሖም ጸረ ኩሉ ኢፍትሓውነት ዘበለ ከይዲ ይለዓሉ፣ ናይቶም ዝሳቐዩ ገጽ ንርአይ፣ ካብቲ ምስሉይን ውሕልነት ዝተመልኦ ዝመስል ናይ ሕዙናትን ድኻታትን ዝተነጸሉን ስቓይ ምስትውዓል ካብ ዝመስል ሓሶት ንጠንቀቕ። ንስኻትኩም ናይ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት መራሕቲ ናይ እተካይድዎ ቃልሲ ምኽንያትን እተካይድዎ ጻዕርታትን ኩሉ ስለ ዝሓበርኩምንን ናይቲ ሰናይ ግብርኹም ተኻፋሊ ስለ ዝገበርኩምኒ ድማ እመስግነኩም፣ መሬትን ቤትን ስራሕን ናይ ኩሉ መሰልን ክብርን እዩ። ኣብዞም ሰለስተ ክብርታት ተነጽሎ የሎን፣ ንኹሉን ናይ ኵሉን እያቶም፣ እቲ ድኽነት ዘይማዕርነትን ኣድልዎን ተነጽሎን ዝወልድን ዘስፍሕን ምኽንያት ኩሉ መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ ኣስፍሆተ ወንጌል እዚ ዓይነት ቃልሲ እትስዕብ ምዃና ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣረጋጊጾም፣ ቤተ ክርስቲያን ነዞም ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ትደግፍ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።

ኤኮኖሚ ነገልግሎት ሕዝቢ ክኸውን ደኣ እምበር ሕዝብን መሬትን ንገልግሎት ሃብቲ ገንዘብ ክውዕሉ የብሉን፣ ነቲ ነጻልን ኢማዕርነትን ኤኮኖምያዊ ከይዲ ኣይፋል ንበል፣ እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ’ዚ የዕንውን ይቐትልን እዩ እሞ ኩላትና ብሓባር ነዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ኣይፋል ንበል፣ እዚ ኩሉ ሰናይ ሓሳብን ተግባርን ጦቢያ ወይ ድማ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ኣይኰነን፣ ኩሉ ብማዕረ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተኻፋሊ ክኸውን ኣለዎ እዚ ድማ መሰልን ክብርን ኩሉ እዩ፣ እዚ ከበሃል እንከሎ ተራ ግብረ ሰናይን ሰብኣዊ ሓልዮትን ማለት ኣይኰነን፣ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ግዴታን እዩ፣ ንክርስትያን ድማ ትእዛዝ እዩ። ስለዚህ ንድኻታትን ነሕዛብን እቲ ናቱ ዝዀነ ግቡኡን ምሃብ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፦ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ንሕዝብታት ኣብ ጎዳና ሰላምን ፍትሕን ከጠራንፉ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሳሲቦም ሕዝቢ ዓለም ናይ ገዛእ ርእሶም ዕድሎት ቀንደይና ተዋሳእቲ ክዀኑን ዝዀነ ይኹን ኣካል ናይ ኣሕዛብ ሉኣላውነትን ምሉእ ስልጣንን ክግህስን ክቆጻጸርን ሓደስቲ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣገባብ ከተኣታትው መሰልን ስልጣንን የብሉን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃብቲ ገንዘብ ዘምልኽ ስልጣን ይሰፍሕ ኣሎ፣ እዚ ስልጣን’ዚ እዋናዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ። ፖሊቲካዊ ስነ ሓሳብን መግዛእቲ መራኸቢ ብዙሓ ዘተኣታትው ናብ ገዛእ ርእሱ ዝእክብ ኣህላኽን ዘይቅየርን ብዙህነት ዘዕንው ባህሊ ዘተኣታትው ኣይፋል ንበል፣ ናይ ቀደምን ሓደስቲ መግዛእታዊ ኣገባብ ኣይፋል ንበል፣ ብስም እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ደቀባት ሕዝብታት ላቲን ኣመሪካ ክንደይ ግፍዒ ዘይተፈጸመ፣ ስለ’ዚ ሓጢኣት’ዚ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ምሕረት እግዚኣብሔር ንለምን ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣመኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ምዕዳን፣ እምነትና ነቲ ኣተዀላለፈ ዝካይድ ሃብቲ ገንዘብ ዘምልኽ ባህሊ ዘተኣታትዎ ዞሎ ውግእ ሳልሳይ ዓለም ዝቃወም እዩ። ናይ ኵሉ ኣደ ዝኾነት መሬት ንከላኸል፣ ሓደራ እተካይድዎ ሰናይ ጻዕርን ቃልስን ኣይተቋርጹ ኣብ ጉዕዞኹም ኣምላኽ ይምራሕኩምን ይከላኸለልኩም፣ እቲ ዘይጽንቐቕ በእጋርና ደው ክንብል ዘብቅዓና እቲ ዘየደናግር ተስፋኡ ድማ ይብዝሓልና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.