2015-07-12 12:06:00

ሰንበት ዘሓዋርያት ዘአሠርግዎ ሓምለ 5 2007 ዓ.ም. (ሓምለ 13 2015)


መዝሙር፡ አሠርገዎሙ ለሓዋርያት. . . . .። ንባባት፡ 2ጢሞ 4፡1~9፥ 2ጴጥ 1፡12~19፥ ግ.ሓ. 23፡10~23፥ ሉቃ 6፡1~20። ምስባክ፡አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰማዓ ቃሎሙ፥ ውስተ ኩሉ ምድር ወጽአ ነገሮሙ፥ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ንባቦሙ። “ዘይተገብረን ዘይተሰምዐን የለን፥ ድምፆም ናብ ኩላ ምድሪ፥ ቃላቶም ድማ ኽሳብ ኲላ ዓለም በጽሐ” መዝ. 19፡4።

መዝሙር፡ “ንሓዋርያት አብ ሰማያት ሸለሞም ወንጌል መንግስቲ አወፈዮም፥ ሰንበት ንዕረፍቲ ሥርዓሎም ከም ወርቂ ብሓዊ ፈተኖም ከም ጽንሓሕ መሥውዒ ዕጣን ተቐበሎም ንሓዋርያት አብ ሰማይ ሸለሞም”። አብ ስርዓት ልጡርግያና ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘሓዋርያት” ተባሂሉ ይጽዋዕ፥ ንኽልተ ብአዕማድ እምነት ዝፍለጡ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝዝክር ፍሉይ ሰንበት። ክልቲኦም ዓበይቲ ሓዋርያት ክርስቶስ እዮም። ክልቲኦም ንተልእኮ ክርስቶስ አብ ኩሉ ዘብጽሑ መንግስቲ አምላኽ ዝሰበኹ እዮም። ጴጥሮስ ንቤተ ክርስትያን ካብቶም አመንቲ አይሁድ አተንሢእዋ። ጳውሎስ አብ አህዛብ ጸዋዕታ አምጺኡ መምህር ዓለም ኮይኑ። ክልቲኦም በበቲ ዝተጸውዑሉ ንሰባት አብ ሓድነትን ስድራ ክርስቶስ ከም ዝአትዉ ገሮም። ክልቲኦም ብሰማዕትነት አብ ጊዜ ሮማዊ ንጉሥ ነሮ ብጨካን ሞት ሕይወቶም ሓሊፉ በዚ ኸአ አብ ምሉእ ዓለም ብብዙሓት ይመስገኑ። ነፍስወከፎም ክልተ ዝተፈላለየ ተራ ቤተ ክርስትያን አብ ተልእኮ ዓለም ይውክሉ።

ጴጥሮስ፡

 ስምዖን ወይ ከፋ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓለቓ ሓዋርያት ንመንበረ ጴጥሮስ አብ ሮማ ምስ ጳውሎስ ዝመስረተ እዩ። ጴጥሮስ ብዓል ቤተሳይዳ አብ ጥቓ ቀላይ ጥብርያርዶስ እትርከብ እዩ፥ ንሱ ብወዲ ዮሓንስ ምስሓዉ እንድርያስ አብ ቀላይ ገንሳረጥ አብ ምግፋፍ ዓሣ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ከም እንረኽቦ እንድርያስ ሓዉ እዩ ምስ ኢየሱስ አራኺብዎ ኢየሱስ ከአ ሓዋርያ ክኸውን ጸዊዕዎ።

ጴጥሮስ አብ ወንጌል ሉቃስ ከም እንረኽቦ ብብዝሒ ዓሣ ምስ ሓዘ ንኢየሱስ ምስ ሰገደሉ “አይትፍራሕ ካብ ሕጂ ንድሓር ገፋፍ ሰብ ክገብረካ እየ እናበለ ሓዲስ ስም “ስምዖን” ከምዝብሃል ከምኡ “ከፋ” ወይ “ከውሒ” ከም ዝብሃል ነጊርዎ። ጴጥሮስ ሓዋርያ ኢየሱስ ምስ ኮነ “ንስኻ እቲ መስሕ ወዲ እቲ ኅያው አምልኻ ኢኻ” እናበለ ምስ ተዛረብ ኢየሱስ ከአ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ አብዚ ከውሒ ኸአ ንቤተ ክርስትያነይ ክሃንጻ እየ” እናበለ መሊስሉ። ቀጺሉ “መፋትሕ መንግስተ ሰማይ ክህበካ እየ አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ አብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ” ኢልዎ።

አብ ኩሎም ጽሑፋት ሓዲስ ኪዳን ጴጥሮስ መጀመርያ ካብ ሓዋርያት ይጽዋዕ፥ ከምኡ ካብቶም ቀንዲ አብ ኢየሱስ ፍሉይ ምቅርራብ ዝነበሮም ቅድሚ ያዕቆብን ዮሓንስ ይጽዋዕ። ልዕሊ ኹሎም ሓዋርያት ተሰምዩ ንረኽቦ አብ ደብረ ታቦር ራእይ ኢየሱስ ክቕየር እንከሎ አብኡ ነሩ። ጓል ኢያኢሮስ ከተንሥኣ እንከሎ ምስኡ ነሩ፥ አብ ጌተ ሰማኒ አብ ጊዜ ሕማሙ ምስኡ ነሩ። አብ ጸሎተ ኃሙስ አብ ምቅራብ ድራር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ አብ ጊዜ ሕማሙ ምስኡ ከምዝነበረ፥ ኢየሱስ ምስ ተታሕዘ ንግዙእ ሊቀ ካህናት ብሴፍ ገሩ እዝኑ ከምዝቆረጸ፥ አብ ጊዜ ፍርዲ ኢየሱስ ግን ሰለስተ ጊዜ ከምዝኸሓደ እንተኾነ “ደገ ወጺኡ እናበኸየ ብግብሩ ተጣዒሱ መሪር ብኽያት ከምዝበኸየ” ንርኢ።

ድሕሪ ትንሣኤ በተን አንስቲ መቓብር ጥርሑ ከም ዝጸንሐንን ምስተነግረ ምስ ካልኦት ሓዋርያት ኮይኑ አብ መቓብር ኢየሱስ ተመላሊሱ። ኢየሱስ ምስ ተንሥአ መጀመርያ ንጴጥሮስ ተራእዩ፥ አብ ባሕሪ ጥብርያርዶስ ምስ ተራእዮም ንጴጥሮስ ተፍቅረኒ ዲኻ እናበለ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሓተቶ “ነዓያውተይ መግብ፥ ነባግዐይ ሓሉ፥ ነባግዐይ መግብ” እናበለ አዚዝዎ።

ድኅሪ ዕረገቱ ጴጥሮስ ሓለቓ ሓዋርያት ኮይኑ ይመርሕ ከም ዝነበረ ግ.ሓ. ይነግረና። አብ ክንዲ ይሁዳ ዝትካእ ከምረጽ ዋና ኮይኑ መሪሑ፥ ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ንህዝቢ መጀመርያ ዝተዛረብ ንሱ እዩ። ንሱ መጀመርያ ተአምራት ብስም ኢየሱስ ዝገበረ፥ አናንያን ሰጲራን ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝጠለሙ ንሞት ከም እተፈርዱ ነጊርዎም።

ጴጥሮስ ወንጌል አብ አረማውያን ክብጽሕ መጋበሪ ኮይኑ። ንአረማዊ ቀርመሌዎስ ሮማዊ አጠሚቕዎ፥ አብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም አብ ዝተገብረ ውሳኔ ንአረማውያን ደጊፉ በዚ ኸአ ቤተ ክርስትያን ናይ ኩሉ ከምዝኾነት አርእዩ። ብንጉሥ አግሪጳ ምስ ተአስረ አምላኽ መልአኹ ሰዲዱ ካብ ማእሰርቲ አውጺእዎ። ካብ ማእሰርቱ ምስ ወጽአ ተልእኮኡ አብ ኢየሩሳሌምን አብ መንጎ አረማዊ ህዝቢ አብ አንጺክያ፥ ቆሮንጦስ ቀጺሉ ከአ አብ ሮማ ቀጺልዎ ነዚ አብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ እውን ይጠቕሶ።

ጴጥሮስ አብ ሮማ አብ ጊዜ ንጉሥ ነሮ ብ64 ዓ.ም. አቢሉ ተቐቲሉ። ናይ ሰማዕትነቱ ምስክር ብዙሓት ይጠቕስዎ ኦሪጀን እዪሰብዩስ ብዓል ቂሳርያ፥ ቅዱስ ቀለመንጦስ ፩ ሮማዊ፥ ቅ. እግናጽዮስን ቅ. ኢረነዩስ።

ጴጥሮስ ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህቦ መዝነት እናመርሐ እንከሎ ኵሉ ጊዜ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ጽንክብል ግድነት እዩ ነሩ ግ.ሓ. ነዚ ደጋጊሙ ይገልጸልና። አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝንገር ጴጥሮስ ቅድሚ ብሰማዕትነት ምማቱ አብ ሮማ ብርቱዕ ስደትን ቅትለትን ምስ በዝሐ ጴጥሮስ በቲ ብንጉሥ ነሮ ዝግበር ዝነበር ህልቀት ክርስትያን ክሃድም ንከተማ ሮማ ሓዲጉ ክሃድም እንከሎ ኢየሱስ መስቀል ተሰኪሙ ንከተማ ሮማ ክከይድ እንከሎ ተጓነፎ ሽዑ ጴጥሮስ ብፍርሓት እናአንቀጥቀጠ ጎይታይ አበይ ገጽካ ትኸይድ ኢልዎ፥ ኢየሱስ ከአ አብቲ ንስኻ ሓዲግካዮ እትኸይድ ዘሎኻ ክስቀል እኸይድ አሎኹ ኢልዎ ሽዑ ጴጥሮስ ንሮማ ተመሊሱ አብኡ ብሰማዕትነት መይቲ “Quo Vadis” ብዝብል ይፍለጥ “አበይ ትኸይድ አሎኻ? “Roman vado iterum crucifigi” ንሮማ አብኡ ክስቀል” ጴጥሮስ ነዚ ምስ ሰምዐ ንሮማ ተመሊሱ ንቍልቍል አፉ ተሰቒሉ መይቱ። አብታ ጴጥሮስ ንድሕሪት ዝተመልሰላ “Domine Quo Vadis” ብዝብል እትፍለጥ ጽብቕቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪሓ አላ።

ከም ትውፊት ዝብሎ ጴጥሮስ አብ ቫቲካን እዩ ብስቕለት ንቍልቁል ጠሚቱ መይቱ እዚ ኸአ ከም ጎይታይ ንላዕሊ ጠሚተ ክስቀል አይግብአንን ብማለት እዩ ይብሉ። አብ ቫቲካን ተቐቢሩ። አብ ዝተገብረ ኩዕታ መቓብሩ ተረኺቡ መንበረ ታቦት ናይ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ልዕሊ መቓብሩ እዩ ተሰሪሑ ዘሎ። ካብ መጀመርያ መዓልታት ናይ ጴጥሮስ ሕልቅነት ብኹሉ እሙንን ቅቡልን ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። ንሱ ቀዳማይ ወራሲ መንበር እዩ ነሩ በዚ ኸአ ናይ ኩላ ቤተ ክርስትያን ጠቕላሊ ሓላፊ እዩ። አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽሪ ዕለት ብዓላቱ አብ ሰነ 29፥ ዮካቲት 22 ከምኡ ኅዳር 18 ይዝከር። 

ጴጥሮስ ነቲ ንቤተ ክርስትያን አብ ኵሉ እዋን ዝህባ ቅሳነት ርግአት ይውክል። ብዘይ ናይ ጴጥሮስ ተራ መሪሕነት ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለየትን ሓድነት ዝጎደላ ምኾነት ከምዚ አብ ኻልኦት ቤተ ክርስትያናት ካብ ቤተ ክርስትያን ተፈልዮም ዝርከቡ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ብዙሓት ዘይካቶሊካውያን ዝርእይዎ ተራ መንበረ ጰጥሮስ እዩ ብእኡ መሰረት ከአ ሓድነት ዝፍጠረሉ መገዲ አብ ምንዳይ ይርከቡ። ፍልልያት ክህሉ ይኽእል እዩ ምምቕቓል ግን አይግባእን ምኽንያቱ ኵልና አብ ክርስቶስ እንአምን ሓድነት ክህልወና ይግባእ ከምቲ ክርስቶስ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝጸለዮ።

ሕይወት ጴጥሮስ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና እዩ ከም ሰብ መጠን ይወድቕ ይፈርሕ ይጠራጠር ይጋገ እውን ኵሉ ጊዜ ፍሉይ ዝገብሮ ጌግኡ ተአሚኑ አብ ድለት ጎይትኡ ይምለስ እዚ ኢና ካብ ሕይወት ጴጥሮስ ብዝያዳ እንምሃሮ ብጌጋኻ ተአሪምካ አብ አምላኽ ምምላስ።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ 

ጳውሎስ ብዓል ተርሴስ ብ 35 ዓ.ም. ክርስትያን ኮይኑ። ካብቶም ንክርስትና ከጥፍኡ ፍሉይ ፍቓድ ወሲዱ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ እዩ። አብ ደማድስቆስ ንዝነበሩ ክርስትያን ከጥፍእ እናኸደ ኸሎ ብብርቱዕ ብርሃን ዓዊሉ ካብ ፈረሱ ውዲቑ። ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ አሎኻ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ፥ ስለምንታይ ንቤተክርስትያነይ ተሳድድ አይኮነነን ዝበሎ። ስለምንታይ ተሳድደኒ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ። ካብኡ ንድሓር ክርስያን ኮይኑ ስብከተ ወንጌል ጀሚሩ።

ጳውሎስ ኣብ ግ.ሓ. ኣብ መጀመርታ ብሳውል ድሓር ግን ብጳውሎስ ይፍለጥ እዚ ኸኣ ናይ አይሁድ ስሙ ሳውል ናይ ግሪኽ ስሙ ኸአ ጳውሎስ ከምዝነበረ ንምሕባር እዩ። አብ መልእኽትታቱ ሳውል ዝብል ኣይንረኽቦን፥ አብ ግ.ሓ. ጥራሕ ሳውል ዝብል ንረኽቦ (13፡7’9)።

ቅ.ጳዎሎስ ቋንቋ ግሪኽ ብደንቢ ተማሂሩ ስለዝነበረ ብቐሊል ኣብ ኩሉ ክሰብኽ ክኢሉ። ኣብ ሕይወቱ ሰለስተ ምስዮናዊ ጉዕዞ ገሩ። ብሶርያ ኣብ አስያ ሚኖር፥ ኣብ ቆሮንጦስ፥ ከባቢ ኤፈሱስ ኣብ ናይ ሕጂ ቱርኪ። አብ ምጅማር ኣብ ደመስቆስ ንሓጺር ግዜ ጸኒሑ ብ48 ዓ.ም አብቲ ዝለዓለ ግዜ ስብከቱ መስ ገለ አባላት ካብ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበሩ ክርስትያን ወኪሉ ኣብ ኢዮርሳለም ኣብ ዝተገብረ ቀዳማይ ጉባኤ ብዛዕባ አረማውያን ክሳተፍ ከይዱ። ኢየሩሳሌም ኩሉ ግዜ ናይ ስደቱ ማእሰርቱ ማእከል እያ። ናይ ሮማዊ ዜግነት ስለ ዝነበሮ ፍርዱ ኣብ ንጉሳዊ ዋና ከተማ ክቕበል ንሮማ ተላኢኹ።

ኣብ ግዜ ሳልሳይ ጉዕዞ ሓዋርያነቱ (53~57 ዓ.ም.) መልእኽትታቱ ጽሒፉ፥ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቱ ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ፥ ሞቱ ዝበለጸ መስዋዕቲ ክምዝኾነ ልዕሊ ኾሉ ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋዕቲ ከምዝኾነ ይገልጽ። ሓዋርያነት ዝብል ንተልእኮኡ ክገልጽ ይጥቀመሉ።

ሓዋርያ ክብል እንከሎ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፥ ስብከት፥ ምምሕዳር፥ መስዋዕቲ ምዕራግ።    ስብከት፥ ማለት ወንጌል ምስባኽ ብኻልእ አዘራርባ ናይ ክርስቶስ ሕድገት ሓጢአት ናብ አመንቲ ምምጻእ። ምሕረት፥ሕድገት ሓጢአት አምጺኡ ንሓጢአተኛታት ናብ ጎደና ድሕነት ዝአቱ። ጳውሎስ ስብከት ወይ ስፍሓተ ወንጌል ክብል እንከሎ ምስ መሪሕነት የተሓሕዞ ብፍላይ ናብተን ኣብያት ክርስትያናት ባዕሉ ከም ኣቦ ኾይኑ ዘገልገለን። ኣብ መጨረሽታ ጳውሎስ ናይ ሓዲስ ኪዳን መስዋዕቲ ከም ዝኽሪ ክርስቶስ ከቕርብ ትእዛዝ ከምዝተቐበለ ይጽሕፍ። ነዚ ኹሉ ከም ሓዋርያውነቱ ይርእዮ።

ሊቃውንቲ ንናይ ጳውሎስ ሓዋርያውነት ብሰለስተ ዓይነት ጸዋዕታ ይገልጽዎ፥1. ናይ ሓዲስ ኪዳን ሓዋርያ፥ 2. አማሓዳሪ ምስጢራት አምላኽ፥ 3. መተዓይይቲ አምላኽ። ኣብ ርድኢት አይሁድ ኪዳን ምስ አምላኽ ብግላዊ ርክብ ምስ ሕሩይ ህዝበ እግዚአቢሔር ዝአተዎ ጥራሕ እዩ ዘስምዕ።አብ ካልአይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቀሮንጦስ (3፡6) ጳውሎስ ብንጹር ቀንዲ ትሕዝቶ ስብከቱ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝተመስረተ እዩ ይብል። 

ጳውሎስ ክንደይ መልእኽቲ ጽሒፉ ምአስከ ጽሒፍወን?

ኣብ ሓዲስ ኪዳን 13 መልእኽትታት ብጳውሎስ ከምዝተጻሕፋ ይፍለጥ። ዝርዝር አስማት መልእኽቱ ኸአ፥ ሮማውያን፥ ፩ን፪ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ፥ ገላትያ፥ ኤፈሱስ፥ ፍሊጲስዩስ፥ ቆላስያስ፥ ፩ን፪ ተሰሎንቅየ፡ ፩ን፪ ጢሜቴዎስ፥ ቲቶ፥ ፊሎመና። ብዙሓት ምሁራት ከምዝብልዎ መብዝሕትኡ ብጳውሎስ ወይ ብቐረባ ምስ ጳውሎስ ቅሩብ ዝምድና ዝነበሮም ዝጽሓፍዎ እዩ ይብሉ። ካብዚኦም እቶም 7 ብጳውሎስ ተጻሒፎም ንሳቶም ከአ ሮማውያን፥ ፩ን ፪ ቆሮንጦስ ገላትያ፥ ፍሊጲስዩስ፥ ፩ ተሰሎንቄን፥ ፍሊሞንን። እቶም ዝተረፉ ሽድሽተ መልእኽታት ብኻልኦት ዝተጻሕፋ እየን ይብሉ። አብቲ ቀዳማይ ዘመን ብስም ሓደ ውሩይ ሰብ ምጽሓፍ ልሙድ ነሩ። እዚኦም ናይ ቀረባ አዕሩኽ ወይ ኣርድእቲ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብዘን ዳሕረዎት ሽድሽተ መልእኽትታት ናይ ጳውሎስ ሓሳብ የለን ማለት አይኮነን ሓደ ሓሳብ ጳውሎስ ወሲዶም ክማዕብልዎ ይኽእሉ፥ ንአብነት ፩ ጢሜተዎስ ብጳውሎስ ተጻሒፉ ካብኡ ካልኦት ን፪ ጢሜተዎስ ጽሒፎም።

ሞት ቅ.ጳውሎስ፡

ትውፊት ቅ.ጳውሎስ ብሰማዕትነት ከም ዝሞተ ይነግረና ኣብ ሮማ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ መይቱ። እዚ ኸአ ብ 64-67 ዓ.ም. አቢሉ አብ ግዜ ግዝአት ነሮ ልክዕ ኣብቲ ግዜ ቅ.ጴጥሮስ ዝተሰወዓሉ ግዜ። ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቀለመንጦስ  (96 ዓ.ም. ) ብንጹር ንረኽቦ። ግ.ሓ. ብዛዕባ ሞት ቅ.ጳውሎስ አይነግረናን እዩ ምኽንያቱ ቅድሚ ሞት ቅ.ጳውሎስ ስለ ዝተጻሕፈ ዝብሉ ኣለዉ ገለ ኸአ ሉቃስ ጸሓፋይ ግ.ሓ. ብዛዕባ መጨርሽታ ሕይወት ጳውሎስ ዝፈለጦ የብሉን ዝብሉ ኣለዉ እዚ ግን ክኸውን ኣይክእልን ምኽንያቱ ሉቃስ ብዛዕባ ጳውሎስ ኩሉ ይነግር ነሩ ብዛዕባ ሞቱ አይፈልጥን ክትብል ክትርድኦ የጽግም። ትውፊት ቅ.ጳውሎስ ካብ ከተማ ሮማ ወጻኢ ብሰይፊ ተመቲሩ ከምዝሞተ ይንገር አብቲ ዝሞቶሉ ብስሙ ዓቢ ቤተክርስትያን ተሰሪሑ ኣሎ።

ሕይወት ቅዱስ ጳውሎስ ንነፍሲ ወከፍና ትእምርቲ አልኦ ንሱ ሓንሳብ አምላኽ ምስ ሓረዮ ንድሕሪት አይበለን ንሕና እውን ብጥምቀት አብ እምነት ክርስቶስ ስለ ዝአቶና ሎሚ ከም ጳውሎስ ብሕይወትና ብኹሉ ግብርና ሰበኽትን አብሰርትን ወንጌል ኮና ክንርከብ ይግብአና።  

ቅዱስ ጳውሎስ አብ 2ቆሮ 11፡24-27 ዘሎ እንተ አንበብና አብ ስብከተ ወንጌል ዝተጓነፎ ዕንቅፋታትንን ውርደትን ይነግር በዚ ኸአ ዝኾነ ክርስትያን አብ ግራት አምላኽ ዝዓዪ ተስፋ ከይቆረጸ ክጉዓዝ አምላኽ ከምዝመርሖ ክአምን ከም ዝግብኦ ይነግረና።

አብዚ ናይ ሎሚ ዝኽሪ ብዓልና አምላኽ በበቲ ሂቡና ዘሎ ሕይወት ሓላፍነት ለቢስና ወንጌል ክንሰብኽ እዩ። ጴጥሮስን ጳውሎስን ሰባት ከማና እዮም ግን አብ ኢየሱስ ብልቦም ስለ ዝአመኑ ነቲ ንሱ ካብኦም ዝደልዮ አብ ግብሪ ከውዕሉ ስለዝኸአሉ ዕዉታት ንብሎም። አሰር ጴጥሮስን ጳውሎስን እና ተጎዓዝና ሕያው እምነት ሒዝና ክንጉዓዝ ሎሚ እውን ይነግረና አሎ።

ሰብከተ ወንጌል ሎሚ አብቶም ክርስትያን ዝነበሩ እዩ ዘድሊ ዘሎ። ነቲ ሊቢሶሞ ዘለዉ ጸጋ ክርእዩ ዘይክአሉ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል የድሊ አሎ ትብለና አላ ቤተ ክርስትያን ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህባ ሓላፍነት ለቢሳ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን አብ መንበረ ጴጥሮስ ኮይኖም ዓለም ቃል አምላኽ ክትሰምዕ ሰላምን ፍቕርን ክነግስ ጽልኢ ክጠፍእ ስቓይ ሰባት ብፍላይ አብቶም ውጹዓት ደው ክብል ዓው ኢሎም ይዛረቡን የስተምህሩን አለዉ ስለዚ ንሕና እውን ዓው ኢልና ክንሰብኽ ብሕይወትና ክንምስክር መብጽዓና ንሓድስ።

ብሩኽ ብዓለ ጴጥሮሰ ጳውሎስ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.